2017-07-20 15:01:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ሓድሽ ህየንተን ዋና ጸሓፍን ሰምዮም


ኣብ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኢጣሊያዊ ብፁዕ ኣቡነ ጃኮሞ ሞራንዲ ምስ ሊቀ ጵጵስና ማዕርግ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ንኽዀኑ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ከምእተሰምዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምእተሓበረ ቅዱስ ኣቦና ናይ ስርወ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ንኽዀኑ ኣብዚ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ፍራንሲስኮ ላዳያ ፈረረ ኅየንተ ቢሎም ከምዝሰመይዎም እንክዝከር እዞም ነቲ ቅዱስ ማሕበር ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዘገልገሉ ብፁዕ ካርዲናል ገርሃርድ ልድዊግ ሚዩለ ዝተክኡ ከምዝዀኑን፡ እዞም 73 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ብፁዕ ኣቡነ ላዳሪያ ፈረረ ኣብ ስፐይን ዝተወለዱ፡ ኣብ 1966 ዓ.ም. ኣብ ናይ ማድሪድ መንበረ ጥበብ ብስነ ሕጊ ምስ ተመረቑ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ንኽዀኑ ናብቲ ማሕበር ከምዝኣተዉን ናብ ክህነት ዘብቕዖም ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ትምህርቶም ማድሪድ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኰሚላስ ናይ ፍልስፍና ቲዮሎጊያን መንበረ ጥበብ እትዮም ቀጺሎም ኣብ ጀምረን ከተማ ፍራንክፈርት ኣብ ዝርከብ ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን መንበረ ጥበብ ትምህርቶም ኣጠናቒቖም ኣብ 1973 ዓ.ም. ድማ ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም ኣብ ሮማ ግረጐሪያና ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ብቲዮሎጊያ ሊቅነት ኣመስኪሮም ናብ ስፐይን ተመሊሶም ኣብ ጳጳሳዊ ኮሞላስ መንበረ ጥበብ ናይ ስርእወ እምነት ቲዮሎጊያ መምንር ከይኖም ከምዘገልገሉን ናብ ሮማ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ናይ ስርወ እምነት ቲዮሎጊያ መምህርን ናይቲ መንበረ ጥበብ ምኽትል ዋና ኣመሓዳርን ከይኖም ዘገልገሉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ካብ 1992 ክሳብ 1997 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ኣባልን ኣብ 2004 ዓ.ም. ድማ ናይዚ ድርገት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍን ከይኖም ዘገልገሉ ማዃኖም ዝንገረሎም ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ፍራንሲስኮ ላዳሪያ ፈረረ ኣብ 1995 ዓ.ም. ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ስርወ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣማኻሪ ኰይኖም ከም እተሰምዩን ኣብ 2008 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ድማ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ቢሎም ከምዝሰመይዎምን ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ ንክቕጽሉ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣውን ወሲኖም ደቀ ንስትዮ ናብ ድቁና ማዕርግ ዝብል ሕቶ ዝምልስ ናይ ምርምር ድርገት እውን ዕለት 2 ነሓሰ 2016 ዓ.ም.  ኣባል ንኽዀኑ ከምእተሓርዩ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ሓድሽ ናይዚ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዝተሰምዩ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጃኮሞ ሞራንዲ ኣብ ኢጣሊያ ርእሰ ከተማ ኤሚሊያ ሮማኛ ኣውራጃ ሞደና ዕለት 24 ነሓሰ 1965 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብ ሞደናን ኖናንቶላ ሰበኻ 1990 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ኣብ 1992 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ቅዱስ ተቅዋም፥ ብናይ ቅዱስ መጽሓፍ ስነ ምርምር ተመሪቖምን ቀጺሎም ኣብ 2008 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ብስነ ኣስፍሆተ ወንጌል ሊቕነት ዘመስከሩ ምዃኖም ገሊጹ፥ ኣብ ናይ ሰበኻኦም ዝተፈላለዩ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መደባት ብሓላፍነት ዘገልገሉን ንናይ ሞደንናን ኖናትቶላን ስበኻ ጳጳስ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ስዩምን ናይቲ ሰበኻ ሊቀ ካናትን ምኽትል ሊቀ ጳጳስን ኰይኖም ዘገልገሉን ኣብ ናይ ሞደና ናይ ስነ ሃይማኖት ስነ ምርምር ተቅዋም መምህርን ደሓር እውን ሮማ ኣብ ዝርከብ ማእከል ኣለቲ ብፁዕ ካዲናል ስፒድሊክ ተቛም ቲዮሎጊያ ናይ ስነ ኣበው ቲዮሎጊያ ስነ ትንተና መምህርን ኣብ 2015 ዓ.ም. ናይ ስርወ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ምኽትል ዋና ጸሓፊ ንኽዀኖ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሰምዩ ምንባሮም የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.