2017-07-27 09:20:00

እስያ፥ ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብሓባር ኣብ ምቅዋም ንግድ ሰብ


ናይ እስያ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንሰላም እተሰምየ ማሕበር ኣብ ፊሊፒንስ ርእሰ ከተማ ማኒላ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ መንበረ ጥበብ ኣብ ዘሎ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ደቀንስትዮ ንጊልያነት ዝዳርጉ ጸረ ሰኣውያን ተግባራት ምውጋእ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝተማእከለ ዓለም ሓቆፍ ጸረ ንግድ ሰብ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዕለት 20 ሐምለ ክሳብ ዕለት 22 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ከምእተኻየደ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣሊጡ።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ነቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ጊልያነት ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ምዃኑን ብፍላይ ድማ ሕጻናትን ደቀንስትዮን ንዝተፈላለዩ ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንዝዀኑ ተግባራት መጋበርያ ንኽዀኑ ብናይ ገበን ጉጅለታት እናትሃድኑ ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ምንቅስቃስ ሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታን ጥሕሰት መሰልን ክብርን ንምቅላዕን ኣብዚ መዳይ ኩለን ሃይማኖታት ብምትሕብባር ኣብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ኩለን ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ክንቕሓን ሳዕቤን ኢሰብኣውነት ብኹሉ ክልለይ ዘተሓሳብ ምንባሩ ዝሓበረ ኢሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ኣብ ዓለም ብድምሩ ልዕሊ 45 ሚሊዮን ዝግመቱ ዜጋታት በቲ ናይ እዋናዊ ግብረ ግሊያነት ዝተጠቕዑ ከምዝዀኑ እቲ ጉባኤ ኣመልኪቱ ብፍላይ ብዝሒ ሕጻናትን ደቀንስትዮን ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ ናይ 2016 ዓ.ም. ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተውሃበ ጸብጻብ ጠቒሱ ካብቲ ዝተጠቕሰ እቲ ክልተ siሶ ድማ ካብ ክፍለ ዓለም እስያ ብዝመጹ ዜጋታት ዝሽፈን ምዃኑ ኣነጺሩ ብጸሊም ስራሕን መጋበርያ ወሲብን ኣብ ውትህድርና ዓለም ምድጓንን ዝብል ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዝምልከት ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግብረ ሓድሽ ጊልያነት ዓውሎማዊ ኢንዳስትሪ እናዀነ፡ ብድላብ ብዘይሕጋዊ ሃብቲ ገንዘብን ዝውወር ናይዚ ረሳሕ ገንዘብን ዝውውር ዝግበረሉን ነቲ ዘይሕጋዊ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ሕጋዊ ኤኮኖሚ ብምውፋር ዘይሕግውነቱ ንምኽዋል ዝግበር ንገዛእ ርእሱ ካልዕ ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ዓቢይ ገበን ዘስፍሕ እውን ምዃኑ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ብሰፊሕ ከምእተገልጸን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጸሙ ደቀንስትዮን ሕጻናትን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብምንቅስቓስ እዚ ጸያፍን ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዓለም ሓቆፍ መርበታዊ መልክዕ እናሓዘ እውን ዳርጋ ኣብ መላዕ ሃገራት ዓለም ድማ ድኽነትን ስእነት ስራሕን ብትሑት መነባሮ ኣብ ዝመሓደር ክፍሊ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ዝሰፍሕ ሓድሽ ጊልያነት ምዃኑ ኢሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መግለጺ ጠቒሱ የመልክት።

እቲ ሓደ ካብቶም ነቲ ዓውደ ጉባኤ ዘዳለዉ ናይ እስያ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንሰላም ማሕበር ጨንፈር ፊሊፒንስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሊሊያን ሲሶን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስመዐኦ ዘረባ፥ ሕሱም ድኽነት ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ኣብ መጻወዲያ ናይ ገበን ጉጅለታት ክወድቁ ከምዝገበረን ሓድሽ ጊልያነት ንምውጋእን ንምጥፋእን ናይ ገበን ጉጅለታት ምውጋእ ጥራሕ ንበይኑ እኹል ኣይኰነን ኣንክባላ ሓቢረን ስለዚ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድኽነት ምውጋእን ምስፋሕ ትምህርትን ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ ከምዝበላ ዝሓበረ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ኣብ እስያ ብዛዕባ ንግድ ሰብ ዝምልከት እዚ ጸያፍን ኢሰብኣዊ ተግባር’ዚ ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ እዚዩ ድኹምን ብፍላይ ድማ ብሕጊ ዘቕጽዕ ምዃኑ ፍሉጥ እውን እንተዀነ እቲ ናይቲ ሕጊ ትግባረ ድኹምን ዘይስሉጥን እዩ ቢለን ዕለት 30 ሐምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ንግድስ ሰብ ተሓሲቡ ዝውዕለሉ ዕለት ክኸውን ከምእተወሰነን እቲ ዓውደ ጉባኤ ነዚ ዕለት’ዚ ከምእተቐበሎ  ኣፍሊጡ እቲ ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ጥሙር ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታት ውሳኔ ብምልኣት ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘብቅዕ ደገፍን ብዝተፈላለዩ መደብ ሕንጸትን ኣገልግሎት ሓበሬታን ምንቕቓሕ የድሊ ከምዝበላ ገሊጹ።

ንግድ ሰብ ብዘይ ኣፋላላይ ኩለን ሃይማኖታት ከምዝቃወምኦ ኣብ ፊሊፒንስ ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ዕላማ ደቀንስትዮ ንሓድሽ ባርነት ዝዳርግ ኢሰብኣዊ ተግባር ክውገድ ኣብ ጐድኒ ደቀንስትዮን ብፍላይ ድማ እተን ኣደዳ ንግድ ሰብ ዝዀና ደቀንስትዮ ካብቲ ዝወደቓሉ መጻወዲያ ሓድሽ ጊልያነት ክላቐቓን ብሰላም ሕይወተን ኣብ ምምራሕ ዝድግፈን ሕንጸት ኣብ ምቕራብ ዘገልግል ታሊታ ኩም ብዝብል ስም ኣብ ዝጽዋዕ ማሕበር ዘገልግላ ዓለም ሓቆፍ ናይ መላእ ደናግል ማሕበር ዋና ኣሕሉቕ ዝሓቁፍ ማሕበር ኣደ መንበር  እናቴ ቸቺሊያን ኤስፐኒላ ብወገነን ንግድ ሰብን ሓድሽ ጊልያነትን ጸረ ናይ ኩለን ሃይማኖታት ትምህርትን ባህልን እዩ። ሓድሽ ጊልያነት ሰብኣዊ ገበንን ጸረ እግዚኣብሔርን ዝዀነ ተግባር እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዘረባ ከምዘስምዓ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.