2017-07-27 09:17:00

ዛዕባ ዲያቆናት ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ፥ እንገዳን ኣገልግሎት ንህሙማን


ዲያቆናት ንምእንገዳን ህሙማን ንምግልጋል ዝሕነጹ እያቶምብዝብል መርሕ ቃል ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ማሕበረሰብ ዲያቆናትን ናይ ኢጣሊያ ብፅዓን ጳጳሳት ጉባኤ ናይ ክንክን ጥዕና ሐዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዘዳለዎ  ካብ ዕለት 2 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 5 ነሓሰ 2017 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቸፋሉ ከካየድ ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓ ጳጳሳት ጉባኤ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ድቁና ድኻታት ንምግልጋልን ነቶም ዝተረስዑን ኣብ ሕሱም መነባብሮ ዝርከቡን ቀረባ ብምዃ ምግልጋልን ማለት ምዃኑ ኣብ ዝገልጽ ሓሳብ ዝተማእከለ ዘተን ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምዝካየድ እውን እቲ ዝወጸ መግለጺ እንከመልክት፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ እዋን ከምዝብልዎ ድቁና ናይ ቤተ ክርስቲያን ናብ ደጋዊ ክፍሊ ሕብረተሰብን ከተማታትን ደጋዊ ክፍሊ ህልውናን ናይ ምባል ተግባር መግለጺ እዩ እንክብሉ ኣብ ምሕረት ዓመት ኢዮቤል ንዲያቆናት ዝተፈልየ መዓልቲ ምኽንያት ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ቀወምቲ ዲያቆናት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ገሊጾምዎ ከምዝነበሩ ዘኪሩ፥  ምቕባልን ምእንጋድን ካብ ቀደም ሎሚ እዚዩ ኣብቲ እቲ ካባኻ ዝተፈልየ ምፍራሕን ምንጻልን ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ብሓቂ ዓቢይ ኣድላይነት ዘለዎ ኣገልጋሊ ናይ ምዃን ክብሪ እዩ። ኣብ ምእንጋድን ምቕባልን ምድጋፍን ተስፋን ፍቕርን እምነት ይንበርን ይምስከርን። ስለዚህ እቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ድቁና ኣብ ቅዱስ መጽሓፍን ኣብ ናይ ትምህርቲ ኣበው ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝወሃቦ ትርጉም ብምልላይ ዲያቆን ዝብል ቃል ስርወ ትርጉም ከይዝንጋዕ ዘነቓቕሕ እውን ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዲያቆን ቅርበት እዩ፡ ኣገልግሎት እዩ፡ ነቲ ኣብ ጽንኩር ኩነትን ሰብኣውን መንፈሳውን ድኽነትን ንዝርከብ ኩሉ ቀረባ ምዃን እዩ። ኣብ ማሕበረ ክርስቲያን ህልውን ሰብኣዊ ፍጡር ቍጽሪ ዘይኰነስ ፍጡር አካል ምዃኑ ብቓልን ብሕይወትን ዘመስክር እዩ። ስለዚህ ናይ ቅርበታውነት ምስክር እዩ። እቲ ዓውደ ጉባኤ ብጥልቂ ትርጉም ዲያቆናውነት ዘቃልሕ ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ መግለጺ ሓቢሩ።

ድቁና ናብ ማዕርገ ክህነት ንብምጻሕ ክሕለፍ ዝግብኦ ማዕርግ እውን እንተዀነ ከም መሰጋገሪ ጥራሕ ተገይሩ ክርአይን ክሕሰብን የብሉን ማለት ናይ ገዛእ ርእሱ ቲዮሎግያውን ቅብኣታውን ቤተ ክርስቲያናውን ትርጉም ኣለዎ። ስለዚህ ከም መሰጋገሪ ናብ ማዕርገ ክህነት ዘሰንይ ተገይሩ ምሕሳብ ጌጋ እዩ፡ ስለዚህ ቅድሚ ናብ ማዕርገ ክህነት ምብጻሕ ዝወሃብ ማዕርግ እውን እንተዀነ ክንበር ዝግብኦ ጸዋዕታ እዩ። እዚ ሓሳብ’ዚድማ ኣብ ብዙሕ መፈሳውያን ማሕበራት ክሕሰበሉ ዝግብኦ ጉዳይ እዩ፡ ካብዚ ሓሊፉ እውን ቀዋሚ ጸዋዕታ ድቁና ከምዘሎን እዚ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ገዛእ ርእሱ መደብ ሕንጸት ዘለዎ ኰይኑ ናብ ዘብጽሕ ናይ መበገሲ ወይ ከም መተሓላለፊ መገዲ ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሱ ጸዋዕታ ምዃኑ ክስትውዓል ከምዘለዎ ብዝተፈላለያ ናይ ቲዮሎጊያ መሰረታውያን ሓሳባት መሰረት ክስትውዓል ዝገብር ዓውደ ጉባኤ ክኸውን እንከሎ፡ ብፍላይ ድማ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ቅድሚ ማዕርገ ክህነት ዝቕበልዎ ማዕርገ ዱቁና ክነብርዎን ከስተማቕርዎን ጊዜን ዕድልን ክወሃቦም ይግባእ። ድቁና ኣብ ክህነት እውን ዝንበር ክኸውን ኣለዎ። እቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ነዞም ዝተገልጹ ነጥብታት ብሰፊሕ ዝትንትን ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ዘመሓላለፎ መግለጺ የመልክት።  








All the contents on this site are copyrighted ©.