2017-07-28 17:14:00

ከም ኣባ ሃመል ዝኣመሰሉ ሰማዕታት ሓቀይና ሰዓብቲ ኢየሱስን ምእመን ብኢየሱስ ክማረዅ ዝገበሩ እያቶም


ኣብ 85 ዓመት ዕድመኦም ዕለት 26 ሐምለ 2016 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ብኢድ ጅሃዳውያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ዝተቐትሉ ፈረንሳዊ ካህን ኣባ ዣከስ ሃመል ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ሰማዕትነት ትማሊ ኣብታ ዝተቐትሉላ ኣብ ሳይንት ኤተነ ዱ ሩቭራይ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳመ ሰማዕት በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ዝተሳተፍዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብናይ ሩወን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒክ ለብሩን  ከምዝዓረገ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ኣባ ሃመል እብዚ ዘመን’ዚ ኣብ ኤውሮጳ ብጅሃዳውያን ዝተቐትል ቀዳማይ ካህን ክዀኑ እንከለዉ፡ እታ ዘገልግሉላ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ድማ ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕት ምዃኑ ናይ ገዛእ ርእሱ ካብ እምነት ዝምንጭው ልዑል ምኽንያት ዘለዎ እዩ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍትሓት ቅዳሴ ንኣባ ሃመል ኣብ ዝሰርዕሉ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ገሊጾም፥ ዝሳሰዱ ክርስቲያን ኣሕዋትን ኣሓትን ምኽንያት ስደቶም ንወንጌላዊ ምስክርነት እሙናት ምዃኖም እዩ ከምዝበሉ ዘዘኻኸራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ኣስዒበን፥ ቅዱስ ኣቦና “ኣብዚ እዋም’ዚ ዝቕተሉን ከም ኣባኣጊዕ ናብ መሕረዲ ዝኹብኮቡን ዝሳቐዩን ዝእሰሩን ብዙሓት እያቶም። ኣባ ዣክ ሃመል እውን ሓደ ካብኣቶም እያቶም። ኣብዚ እዋን’ዚ ክርስቶስ ንዘይምኽሓድ ዝግረፉን ዝቕተሉን ዝሳደዱን  ማሕበረ ክርስቲያን ብዙሓት እያቶም። ስለዚህ እምነትካ ክሓድ ዝብል ግብረ እከይ ብሓቂ ሳጥናኤላዊ ተግባር እዩ” እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩ ኣፍሊጠን።

ኢየሱስ ሰማዕታት ዝስዕብዎ ቀዳማይ ሰማዕትን ናይ ሕይወት እንጌራን እዩ። ኢየሱስ ሓቅን ሕይወትን መገድን ምዃኑ ሰማዕታት  ኣለልዮም ኣብ ሕይወቶም ዝተርጐምዎ እዩ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘስመሩሉን ሰማዕት ከም ሓደ ጅግናን ተባዕን ዝሕሰብ ክኸውን ዝከኣል እዩ ኰይኑ ግና መሰረት ሰማዕትነት ጸጋ እዩ። ንሰማዕትነት ዘብቅዕ ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ። ስለዚህ ትብዓትናን ጅግንነትናን ኣይኰነን ሰማዕት ዘብለና፡ ሰማዕት ኢየሱስ እምበር ካልእ ኣይኰነን ዘድልዮ ከምዝበሉ ቸራዞ ሓቢረን።

መራኸቢ ብዙሓን ብዙሕ ዘይዛረባሉ እውን እንተዀነ እቲ ሓቂ ካብ ቀደም ሎሚ ብዙሓት ሰማዕታት ከምዘለዉ ኣብ ስብከቶም ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽዎ ሓሳብ ናይ ዝኽሪ ሓደስቲ ሰማዕታት ዝፍጸመላ  ባሲሊካ ቅዱስ በርጠለመዎስ ሓለቓ ኣባ ኣንጀሎ ሮማኖ ስለዚህ ብስም እምነት ኣብ ናይ መወዳእታ ዘመን ዝኽፈል ዘሎ ሰማዕትነት ብዙሕ እዩ እንክብሉ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዝበልዎ ሓሳብ ዝራኸብ እዩ።

ብዙሕ ዘይንገረሎም ሕቡኣን ሰማዕታት ከምዘለዉ ኣባ ሮማኖ ሕውነትን ምቅርራብ ክሰርጽን ሓድሽ ምንባር ወንጌላውነት ብቓልን ብሕይወቶም ዝነብሩ ብዙሓት ሰማዕታት ኣለዉ። ኣብዚ ንዋታውን ውልቃውነትን ዝብል ዓለም ብዘይ ረኣዩለይን ስምዑለይን ብናጻ ናይ ዝቐርብ ከም ናይ ዕዳጋ እንካን ሃባን ዘይብል ከምቲ ኢየሱስ ንኣና ዘለዎ ፍቕሪ ዝነብሩን በዚ ዓይነት ፍቕሪ ዘፍቅሩ ህቡኣን ሰማዕታት ኣለዉ። እዚ እዩ እቲ ዝማርኽ። ኢየሱስ ንምምሳል ዝማርኽ ፍቕሪ ድማ ንሱ እዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ፈረንሳ ንኣባ ሃመል ዘጋጠመ ሰማዕትነት እዩ። ናቶም ሰማዕትነት ኣብ ፈረንሳ ድምጺ እግዚኣብሔርን ድምጺ ነፍሲ ወከፍ ሕልናን ከይኑ ኣሎ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ፥ ደማ ሰማዕታት ዘርኢ ክርስቲያን እዩ” ብርግጽ እዚ ሓቂ እዩ። ኢየሱስ ንሞትን ንመንፈስ ክፍኣትን ስዒሩ እዩ። ስለዚህ ድማ ኣንሕና ነዚ ዓይነት ፍቕሪ ዝበረኹ ኰይና ክንርከብን ንሰዓብቲ ዝሃቦም ዓወት እው ምዃኑ ከነስተውዕሎን ክንበብሮም ብፍላይ ድማ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል መሰረት ክንገብሮም ኣግባብ ኣስፍሆተ ወንጌል ክንገብሮ ይግብኣ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ፈረንሳ ሳይንት ኤተን ዱ ሩቭራይ ብሰማዕት ኣባ ዣከስ ሃመል ንምዝካር ዕለት 26 ሐምለ 2017 ዓ.ም. ናይ ሩወን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒክ ለብሩን በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ብፁዕነቶም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ጽልእ ዘይዕወት እዩ። ክዕወት እውን ኣይኰነን ዝብል ቃል ዘማከለ ስብከት ከምዘስምዑን ከምኡ እውን ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ባክሮን እውን ብወገኖም ኣባ ሃመል ሕይወቱ ስለ ፍቕሪ ከም መስዋዕት ዘወፈየ ክርስቲያን ዘፍርይ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ኣስዒበን፡ ኣብታ ኣባ ሃመል ዝተቐትሉላ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እትርከበሉ ኣደባባይ ድማ ስም ኣባ ሃመል ዝተነብሮ ጽላት ኣብ መንደቕ ተሰቒሉ ከምእተባረኸ ድማ ኣመልኪተን።   








All the contents on this site are copyrighted ©.