2017-07-29 15:58:00

ሶሪያ፥ ምእንቲ ኣባ ዳሎሊዮ ናይ ሓባር ጸሎት


ኢጣሊያዊ ተወላዲ ከተማ ሮማ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፓውሎ ዳሎሊዮ ኣብ ሶሪያ ከተማ ራቃ ካብ ዝጭወዩን ልክዕ ዕለት 29 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ኣርባዕተ ዓመቶም ከምዘቑጸሩን ሎሚ ኣውን እንተዀነ ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ እንክንገር፡ ብተደጋጋሚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣባ ዳሎሊዮን ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝተጨውዩ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ናጻ ክልቀቑ ጻውዒት ከምዘቕረበን፡ ልሚ ዕለት 29 ሓምሌ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዞባ ከተማ ሮማ ጐዳና ኖመንታና ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሴፍ ንኣባ ዳሎሊዮን ካልኦት ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ዝተጨውዩ ንጹሓን ዜጋታት ንምዝካርን ናጻ ክልቀቑን ጻውዒት ዘቕርብ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ስነ ስርዓትን መስዋዕተ ቅዳሴን ከምዝዓረገ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሬላ ቸራዞ ሓቢረን።

ኣባ ዳሎሊዮ ኣብ ሶሪያ ማር ሙሳ ማሕበረሰብ ገዳማውያን ዝመስረቱ ምዃኖም እንክንገር፡ ስምምዕን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ምትሕስሳብን ዝዓሰሎ ምንባር ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ክህሉ ኣብ ሶሪያ ዘገልግሉ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ብኣባ ዳሎሊዮ ናይ ዝተመስረተ ማሕበር ገዳማውያን ኣባል ኣባ ጁሃድ ዩሰፍ ኣባ ዳሎሊዮን ካልኦት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተጨውዩ ንጹሓን ዜጋታት ናጻ ክልቀቑ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሳተፈ ናይ ሓባር ጸሎት ዕለት 29 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ከምእተኻየደ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዝገለጹ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣባ ጂሃድ ዩሰፍ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ስለ ኵሎም ዝተጨውዩ ንጹሓን ዜጋታት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን እናሓበረት ከምእትጽልን እዚ ድማ ኣብ ሓይሊ ጸሎት ዘለዋ እምነት መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ኣመልኪቶም፥ ኣባ ዳሎሊዮ ካብ ዝጭወዩ እነሆ ኣርባዕተ ዓመት ኣቑጺሮም ከምዘለዉን ኣብ መንጐ ዝተፈላያ ሃይማኖታት መንፈስ ሕውነት ክሰርጽን ምትሕብባርን ምትሕልላይን ክህሉ ዝጽዕሩን እዮም። እቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ውግእ ብሓቂ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ብሓፈሻኡ ናይታ ሃገር መለለዪ ዝነበረ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ጽባቔ ኣቑሲሉን ንሓደጋ ኣቃሊዑን ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። እንተዀነ ግና ሎሚ እውን እቲ ስላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዘለዎ ጽባቔ ከይህሰይ ብዙሓት ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብሓባር ይጽዕሩ ምህላዎምን ንሓደ ሕብረተሰብ ብርቱዕ ዘብሎ እቲ ኣብ መንጐኡ ዝነበሮ ሕውነት ምዃኑ ድማ ሓቦሮም እዚ ሕውነት’ዚ ድማ ማሕበረ ክርስቲያን ዘቃልሖን ዝነብሮን ሓቂ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዝተፈልየ ኩሉ ኣእዳዋ ንሰላምን እንገዳን ፍቕርን ብመሰረት ወንጌል እትዝርግሕ እያ፡ እዚ ድማ ሎሚ ከም ቀደም ብዘይምቁራጽ ኣብ ዝዀነ ይኹን ስቓይን መካራን እውን ትሃሉ ዘይትዝንግዖ ጸዋዕታኣ እዩ ይብሉ።

ሰብ ብእምነቱ ብዝስዕቦ ርእየት ዓለም ዘይኰነ ብዘለዎ ሰብኣዊ ክብርን ሓደን እንኰን ዘይተደጋጋምነት ምዃናዊ ክብሩን መሰረት እቲ ዘሎ ባህላውን ሃይማኖታውን ሰነ ኣእምሮኣውን ፍልልያት ከምዘሎ ኰይኑ እቲ ኣብ ብዙሕነት ዝንበር ሓደኣውነት ቤተ ክርስቲያን እተነቓቕሖን ብቓልን ሕይወትን እትነብሮን ኣገልግሎት እዩ። ሰላምን ምዑዝ ናይ ሓባር ናብራ ሱቕ ኢሉ ዝመጽእ ዘይኰነስ ዕለት ብዕለት ሰብኣውነት ዘማእከለ ኣከያይዳ ብምንባር ዝመጽእ ልምምድ ዘድልዮን ናይ ዕለት ብዕለት እትካይዶ ጻዕሪ ውጽኢት እዩ ምስ በሉ፥ ኣባ ዳሎሊዮ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ኰታ ኣብቲ ውጥረትን ውግእን ዘለሉ ከባብ ሰላም ክረጋገጽ ከይተሓለሉ ዘገልግሉ እዮም፡ ብዙሕ ጸገምን መከራን እውን ይሃሉ ደቂ ሰላምን ደቂ ብርሃንን ምዃን ፈጺሙ ዘይኹለፍ ጸዋዕታ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.