2017-07-29 16:01:00

ቨነዝወላ፥ ጸዋዕታ ብፁዓን ጳጳሳት ቨነዝወላ ምእንቲ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ


ናይ ቨነዝወላ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ናይ ኩማና ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዲየጎ ራፋኤል ሳንቸስ ቀዋሚ ብሔራዊ ጉባኤ ማለት ላዕለዋይ ሕዝባዊ ባይቶ ንምቛም ዝወሰዶ ውሳኔ ብሓቂ ዘይቅቡልን ዘይጠቅምን ንሕዝቢ ዝጎድእ ውሳኔ ምዃኑ ብዛዕባ ኩነታት ሃገረ ቨነዝወላ ዝምልከት ኣብ ዝዘርግሕዎ ጽሕፉ ከምዘስመሩሉን ዝዀነ ይኹን ማሕበራዊ ውጥረትን ግጭትን ብዓመጽ ዝፍታሕ ኣይኰነን ቤተ ክርስቲያን ዝዀነ ይኹን ሰላም ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ኩሉ ትድግፍ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይ ቨነዝወላ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቑሱ የመልክት።

ሎሚ እውን ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ራፋኤለ ሳንቸስ ዝዀነ ይኹን ዓመጽ ንምቅዋም ብዘይ ምቁራጽ ሕዝብን መንግስትን ዘይጐነጻዊ መስርሕ ክስዕቡን ነባሪ ሰላም ዘረጋግጽን ውሑስ ዝገብርን ሓይሊ ምጥቃም ዘይኰነስ ዘተን ዘይጐነጻዊ ቃልሲ እዩ። ስለዚህ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስያን ኣብ ቨነዝወላ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሞትን መቑሰልትን ከስዕብ ዝኽእል ኩሉ ስጉምቲ ከምእተቃወምን መንግስቲ ንናይ ሕዝቢ ሕቶ ብቑዕ መልሲ ክህብ ሓላፍነቱ ምዃኑ ስለ እትኣምን ሕዝብን መንግስትን ብዘይ ዓመጽ ኣብ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ኣሚኖም ተራኺቦም ክዝትዩ ይግብኦም ከምእትብል ብፁዕ ኣቡነ ራፋኤለ ሳንቸስ ብስም ናይ ቨነዝወላ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መግለጺ ከምዘስመሩሉ ናይ ቨነዝወላ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ መግለጺ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናያ ቨነዝወላ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ እቲ ቦሊቨራዊ ብሔራዊ ሓይሊ ምክልኻል ቀዳማይ ሓላፍነቱ ህዝቢ ምክልኻል እዩ። ኰይኑ ግና ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ጭቡጥ ኵነት ከምዝሕብሮ ኣብቲ ቀንዲ ሓላፍነቱ ብኹር ምዃኑ እዩ፡ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ምርግጋእን እዩ ክጽመድ ዘለዎ፡ ስለዚህ እቲ ብሰላም ክነበር ዝደሊ ሕዝቢ ዘለዎ ስቓይን ጭንቀት ክሰፍሕን ኣዚዩ ጽንኩር ክኸውን ካብ ምግባር ስቓዩን ጭንቀቱን ንምፍታሕ ዘገልግል ሓይሊ ምክልኻል እዩ ክኸውን ዘለዎ ከምዝበሉ ናይ ቨነዝወላ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ጉባኤ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ራፋኤል ሳንቸስ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝተወከሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ እቲ ናይ ቨነዝወላ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ መልእኽቲ፥ ኣይትቕተል፥ ሕይወት ተኸናኸን ሕዝቢ ንሓድ ሕዱ ይተሓላለይ ሓደራ  ብዝብል ምዕዳን ዝተዛዘመ ምዃኑ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.