2017-08-02 08:27:00

ዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15


ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ነቲ ግዝኣት ኦስትሪያ ሃንጋርይ ኣብ ልዕሊ ግዝኣተ ንግስትነት ሰርቢያ ዝኣወጆን ኣብ ሳራየቮ ንፍራንቸስኮ ፈርዲናንዶ ዘኣውስቡርግ ቅትለት ዘስዓበ መበገሲ ነቲ ኣብ 1914 ክሳብ 1918 ዓ.ም. ኣብ ኤውሮጳ ዝተባርዐ ኵናት ትርጉም ኣልቦ ሕልቀት ብዝብል ኣርእስቲ ክውገድ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ምኽንያት ነቲ መልክኣ ምድሪ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ቅድሚ 1914 ድሕሪ 1918 ዓ.ም. ዘሎ ንምንጽጻር ዝድርኽ ዛራውን ኦቶማናውን መንግስትን ናይ ጀርመንን ኦስትሪያን ንግስነት ዝዓነወሉ ታሪኻዊ ኩነት ዝትንትን ኣርባዕተ ዓመት ጭካኔ ዝተመልኦ ህልቂት ወትሃደራትን ንጹሓን ዚጋታትን ብጠቕላላ  17 ሚሊዮን ዜጋታት ንሞት ዝዳረገ ዘስካሕክሕ ውግእን ካብ 1914 ምብራዕ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣትሒዞም ኣድላይነት ሰላምን ናብ ሰላም ዝመርሕ መገዲ ዝሓበርሉ ሓሳብ ኣማእኪሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዕለት 31 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዘጽኦ ሕትመቱ፥

         

“ስልጡ ዓለም ናይ ህልቂት ሰፈር ንምዃን ገዛእ ርእሱ የትሕት? እታ ክብርትን እትዕንብብን ኤውሮጳ ብኵላዊ ዕብዳን ተዓብሊላ ምስ ርእሰ ቕትለት ንኽትራኸብ ትሕወኽን ትጐይን። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵለ መዳያዊ ስግኣትን ስግኣት ሃይማኖትን ሰብኣውነትን ናይ ሰላም ድምጺ ነቃልሕ! ናይ ሃገራት ጽሕፍቶ ኣብ ኢዶም ንዘሎ ኣካላት ውዕዉዕ ጻውዒት ሰላም ነቕርብ”

ጃኮሞ ደላ ኬዛ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ዓመጽን ውግእን ደው ክብል ጻውዒት ኣብ ምቕራብ ከይተሓጽሩ ብዓቢይ ግብረኣውነት ብትብዓት መንግስታት ክሰማምዕሉ ዝግብኦም ነጥብታት፥ ምርጋፍ ኣጽዋርን ሰላም ከረጋግጽ ዘኽእል ናብ ሰላም ዘሰንይን፡ ዘራኽቡ ማያት ባሕርን ዝምልከትን ከምኡ እውን ብውግእ ዝተትሓዙ ከባብታት ንሕጋውያን ወነንቲ ሃገራት ክወሃብ ዝዓይን ናጻን ግልጽን ሸምጋሊ ኣካል ክቐውም ኣብ መልእኽቶም ከምዘተሓሳስቡ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 1 ነሐሰ 2017 ዓ.ም. ሕትመቱ የመልክት።

ካብቲ ኣብ ኩሉ ምእመናን ዝዀነ ልዑል ኣምላኽን ካብ ደቂ ኣግዚኣብሔር ድላይ ተነቓቒሖም ናይ ሕዝቢ ኣስተንፍሶ ክኽበርን ኣክንዲ ናይ ግሊ ናይ ሓባር ጥቕሚ ክማእከ ሓደራ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ኣስዒቦም፥ ናይ ኣርመናውያንን ናይ ባልካን ሃገራትን ናይ ግዝኣት ፖላንድ ዘቑማ ሃገራት ሕቶ ብቑዕ መልሲ ክወሃቦ ዘቕረብዎ ጻውዒት፡ ኤውሮጳ መልሲ ካብ ምሃብ ተቖጢባ ንገዛእ ርእሰ ዕንወት ብምምራጽ ቀጺላ እውን ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ልክዕ 20 ዓመት ኣቁጺራ ናብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ክምዝኣትወትን ብሓፈሻኡ ኤውሮጳ ኣብ ርእሰ ቅትለት ዝተጸምደት ኰይና እያ ዝተራእየት።

እዚ ድማ ምስቲ ዕለት 7 ሐምለ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ጀርመን ሃምበርግ ከተማ ተኻይዱ ናብ ዝነበረ ናይ 20 ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ዋዕላ፥ ሃገራት ካብ ኢጎነትን ካብቲ ንብዙሕ ምስሕሓብ ዝመርሕ ድርኾት ናጻ ክዀና እንክብሉ ዘስመርሉ ሓሳብ ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 መልእኽቲ ዝመሳሰልን ዘዘኻኽርን ምዃኑ ዝገለጸ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር፥ “ናይ ሰብኣዊ ታሪኽ ሎሚ እውን ውግእን ምስሕሓብን ወይ ከኣ ናብ ግጭት ዝድርኽ ዑቕር ሓይልታት ከምዘሎ ዝሕብር መምዘንታት ዝተመልኤ እዩ። ናይ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 መልእኽቲ፥ ኩለን ሃገራት ተዋሳእንቲ ኩናት ዓለም ነቲ ትርጉም ኣልቦ ሕልቂት ደው ንምባል ኣብ ምርጋፍ ናይ ውግእ ኣጽዋር ክተግሃ ሓደራ እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ሎሚ ካብ ቀደም እዚዩ ኣገዳሲ እዩ እንክብል ዘቕረቦ ትንታነ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት መልኽቲ ጻውዒት ሰላም ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ይዛዝም።








All the contents on this site are copyrighted ©.