2017-08-03 18:06:00

እቲ ንሕይወት ትርጉምን ታሕጓስን ዝህብ ክቡር መዝገብን ዕንቚ ባርሕርን ኢየሱስ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ትማሊ ዝቐረበ ቃል ወንጌል ናይ ማቴዎስ 13.44 ዘሎ ብዛዕባ ምሳሌ ‘ኅቡእ መዝገብን ዕንቊ ባርሕርን ኣብ ባሕሪ ዝተዘርገሐት መርበብን’ ዝገልጽ ነበረ፣ ቅዱስነቶም ነቶም ኣብዚ ምሳሌዚ ተመልኪቶም ዘለው ንመንግሥቲ ኣምላኽ ዘናድዩ ሰባት ብክልተ መልክዕ ቀሪቦም ከምዘለው የመልክቱ። እቲ ቀዳማይ ሓደ ሓረስታይ ኮይኑ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ግራት ነታ ክብርቲ መዝገብ ዕንቊ ከምዝረኸባ እንክምልከት። እቲ ካልኣይ ከኣ ሓደ ነጋዳይ ናይ ዝኸበረ ዕንቊታት ኮይኑ ኣብ መንጎ ብዙሕ ክቡር ኣዕናቊ ብዘለዎ ተመኲሮን ኣፍልጦን ነታ ልዕሊ ኩሉ ክብርቲ ዝኾነት መዝገብ ዕንቊ የለልያ። ንክልቲኦም ዘመሳስሎም ነቲ ክቡር መዝገብ ዕንቊ ምስ ረኸብዎ ዘለዎም ኩሉ ሸይጦም ንኣኣ ንምውናን ይውስኑ፣

ቀንዲ ትምህርቲ ናይዚ ምሳሌዚ ሽሕኳ መንግስቲ ኣምላኽ ንኩልና ብነጻ ዝዕደል ጸጋ እንተኾነ ኣብ ጻሕሊ ወርቂ ተቀሪብና እትወሃበና ኣይኮነትን! ብወገና ለይትን መዓልትን ክንደልያ ሃሰስ ክንብላ ንዓዓ ከይረኸብና ክንዝነጋዕ ከምዘይብልና ተረዲእና ‘ንክተረኽባ ምድላያ ወሳኒ ምዃኑ’ ንፍለጥ፣ ሃየ ሃሰስ ንበላ ባዕሉ ካብ ሰማይ ዝዘንም ነገር የልቦን ከይደለኻን ከይጸዓርካን ዝርከብ ዋጋ ክትህቦ ከቢድ ስለዝኾነ እውን ክኸውን ይኽእል፣ ኣብቲ ቃሉ እውን ድለዩ ክትረኽቡ ለምኑ ክወሃበኩም ኳሕኳሑ ክረሓውልኩምዶ ኣይኮነን ዝበለ፣ ስለዚኸስ ሃሰስ ምባል ጉዕዞ ምጅማርን ገለ ክትገብር ምውሳንን የድሊ፣ ልብና ናብቲ ዝኸበረ መዝገብ ዕንቊ ዝኾነ ክርስቶስ ገጹ ክጐዓዝን ብሃረርታ ክቃጸልን ኣለዎ ኮይኑ ግን ሃረር ምባል ጥራይ ኣይኣክልን ‘መስዋዕቲ’ ከኣ ከምዘድሊ ዘይምዝንጋዕ፣ ስለዝኾነ ከኣ እዞም ኣብ ምሳሌ ቀሪቦም ዘለው እቲ ዓዃይ ሓረስታይስ ይኹን እቲ ሃብታም ነጋዳይ ብዘይ ወዓል ሕደር ዘለዎም ኩሉ ምንም ከይትረፉ ይሸጡ እሞ ነቲ ክቡር መዝገብ ይገዝኡ፣ ንበይኑ ንኣኡ ይሕዙ፣ ንጐይታ ምስ ረኸብካ እቲ ርኽበት ከይመክንን ከይደረቅን ዘድሊ መስዋዕቲ ምኽፋል የድሊ። ዝተኸፍለ ይከፈል ኢልካ ነዚ ክቡር መዝገብ ምሓዝ እዩ እቲ ቁምነገር፣ እዚ ምናልባት ንገሊኦም ከሰንብድ ይኽእል፣ ንክርስቶስ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ምስራዕ ንጸጋኡ ቀዳምነት ምሃብ ንዝተረፈ ኩሉ ምጉሓፍ ወይ ምንዓቅ ኣይኮነን ኣንታይ ደኣ እቲ ጐይታ ኢየሱስ ጥራይ ክህቦ ዝኽእል ምሉእ ሓጐስ ምርካብ እዩ እቲ ዋና ነገር፣ እዚ ከኣ እቲ ሓጐስ ወንጌል ንብሎ፣ ነዚ ሓጐስዚ ዘስተማቅሩ ሓሚሞም ዝሓወየ ሓጢኣቶም ዝተማሕረ ሓጢኣተኛታት ኮታ ከምቲ መንገሥተ ሰማያት ኣብ ቋሕ ሰም ዝተራሕወትሉ ኣብ የማን ኢየሱስ ተሰቂሉ ዝነበረ ፈያታዊ ዘየማን ዘስተማቀርዎ ሓጐስ እዩ፣ ነፍሲወከፍና ነቲ ኣብ ሕይወትና ዓቢ ምጽንናዕ ዝህብ ህላዌን ቅርበትን ኢየሱስ ምስ እንረክብ ንልብና ይልውጦ ብዘንድድ ፍቅሪ ከኣ ነሕዋትና ምናዳ ከኣ ነቶም ድኹማት ክንቅበል ልብና ይኽፈት፣ ድሕሪ ቢሎም ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ነቲ ክቡር መዝገብ ዕንቊ ዝኾነ ክርስቶስ ብምርካብ ንዝርከብ ሓጐስ ዕለት ዕለት ነቲ እግዚአብሔር ኣቦ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃበና ፍቅሪ ብቃልን ብግብርን ክንምስክር ኣሎና ብማለት ሓደራ ቢሎም፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.