2017-08-03 17:26:00

ጸዋዕታ ክርስትያን ‘ብርሃን ክርስቶስ ናብ ዓለም ምብጻሕ’ እዩ። ር.ሊ.ጳ


 

‘ኣኅዋተይ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም ብእምነት ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢኻትኩም፡ ደቂ እግዚኣብሔር ኰንኩም ዘሎኹም። ከመይ እዞም ብክርስቶስ ዝተመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለቢስኩምዎ ኢኻትኩም። ኣብ’ዚ ኣይሁዳዊ የልቦ ወይ ኣረማዊ፡ ባርያ የልቦ ወይ ጭዋ፡ ጓል ኣንስተይቲ የልቦ ወዲ ተባዕታይ ኵልኻትኩም ብኢየሱስ ክርሶቶስ ሓደ ኢኻትኩም። ናይ ክርስቶስ ካብ እትኾኑ እምበአርከስ ዘርኢ ኣብርሃምን ወረስቲ ተስፋኡን ኢኻትኩም። (ገላ 3.26-29)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሓደ ጊዜ ኣብያተክርስትያናትና ንምሥራቅ ገጸን ዝጠመታ ነረን፣ ናብቲ ቅዱስ ሕንጻ ንክትኣቱ ብወገን ምዕራብ ኣብ ብዝተኸፍተ ማዕጾ ኣቲኻ ብማእከል ቤተክርስትያን ንምሥራቅ ገጽካ ይእቶ ነበረ፣ እዚ ነቲ ናይ ጥንቲ ሰብ ኣገዳሲ ምልክት ነበረ፣ እዚ ትእምርቲ እዚ ኣብ ታሪኽ ቀስ ብቀስ ክርሳዕ ጀሚሩ፣ ንሕና እዞም ዘመናውያን እንበሃል ነዚ ምልክታት ናይ ምድረሰማይ ብዙሕ ዋጋ ኣይንህቦን ኣይንርድኦን እውን፣ ዝገደደ ከኣ ሓደ ፍሉእ ትእምርቲ እንተተፈጸመውን ኣይነስተውዕለሉን፣ ምዕራብ ብርሃን ዝሞተሉ ናይ ጸሓይ ጥልቀት እዩ፣ ምብራቅ ግን ብናይ ወጋሕታ ብርሃን ጸልማት ዝቅንጠጠሉ ቦታ ኰይኑ ነቲ ካብ ላዕላይ ዓለም ዝወጸ ጸሓይ ጽድቂ ንዝኾነ ንክርቶስ የዘኻኽረና (ሉቃ 1.78 ተመልከት)፣

ኣብ ጥንታዊ ልማድ ሥርዓተ ጥምቀት እቲኦም ንኡሰ ክርስትያን ቀዳማይ ክፋል ምስክርነት እምነቶም ንምዕራብ ገጾም እናጠመቱ እዮም ዝገብርዎ ነሮም። ኣብዚ ከኣ `ንሰይጣን ትኽሕድዶ! ነቲ ተግባራቱን ባርነቱን ትኽሕድዶ!’ ተባሂሎም ከኣ ይሕተቱ ነበሩ፣ እቶም ናብ ክርስትና ዚኣትው ከኣ ‘እኽሕድ’ እናበሉ ይምልሹ ነበሩ፣ ብድሕርዚ ናብ መንበረታቦት ገጾም ናብቲ ብርሃን ዝውለደሉ ናብ ምብራቅ ገጾም ይመልሱ እሞ ‘ብእግዚኣብሔር ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ተኣምንዶ!’ ተባሂሎም ይሕተቱ። ንሶም ከኣ `እአምን` ኢሎም ይምልሹ ነበሩ፣

ኣብ ዘመንና ግን ናይ’ዚ ዘደንቅ ሥርዓት ክፋል ዳርጋ ተረሲዑ ክበሃል ይከኣል፡ ንትርጉም ምልክታዊ ቋንቋ ተፈጥሮና ኣጥፊእናዮ፣ እታ ናይ ምሥጢራትና ሕመረት ዝኾነት ምስክርነት እምነትና ወይ ተኣምኖተ ሃይማኖት ጥራይ ሒዝና ተሪፍና፣ ከይተሸርፈት ከይጐረፈት ከምኣ ኢላ ኣላ፣ እንተ እቲ ኮይኑ እንተ እዚ ክርስትያን ምዃን እንታይ ማለት እዩ እዩ እቲ ቀንዲ ሕቶ፣ መልሱ ከኣ ናብቲ ብርሃን ምጥማት ከምኡ እውን ወላውን ዓለምና ብለይትን ጸልማትን እንተተጐልበበውን  ተኣምኖተ ሃይማኖትካ ኣብ ብርሃን ምግባር ኣዩ እቲ ቁምነገር፣

ክርስትያን ካብዚ ውሳጣውን ኣፍኣውን ጸልማት ናይዚ ዓለምዚ ዝተበየኑ ኣይኮኑን፣ ካብ ዓለም ወጻኢ ኣይኮነን ዝነብሩ ኮይኑ ግን በቲ ብጸጋ ክርስቶስ ኣብ ምሥጢረ ጥምቀት ዝረኸብዎ ጸጋ ኣንፈቶም ዝፈልጡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣዮም፣ ኣብ ጸልማት ኣይኣምኑን እዮም እኳ ደኣ ወጋሕታዊ ብርሃን ይነብሩ፣ ኣብ ለይቲ ኣይሕባእን እንታይ ደኣ ንምውጋሕ ጸሓይ ብተስፋ ይጽበዩ፣ ብሞት ኣይሽነፉን ኣብ ትንሣኤ ስጋ ይጥሕሉ፣ ብመወዳእታ ዘይብሉ ተኽእሎ ናይ ሠናይ ነገር ስለዝተኣማመኑ ብክፍኣትን ሓጢኣትን ኣይሽንፉን፣ ተስፋ ክርስትናናኸስ እዚኣ እያ። ተስፋና እታ ኢየሱስ ብብርሃኑ ዘምጽኣልና ድሕነት እታ ካብ ጸልማት እተድሕነና ብርሃኑ እያ፣

ንሕና እግዚኣብሔር ኣቦ ምዃና እንኣምን ኢና። ብርሃና ኸኣ እዚ እዩ፣ ዘኽታማት ኣይኮናን፣ ኣቦ ኣሎና ኣቦና ኸኣ እግዚኣብሔር እዩ፣ ኢየሱስ ካብ ሰማየሰማያት ኣብ መንጎና ከምዝወረደ ኣብ ሕይወትና ከምዝተጓዕዘ ብፍላይ ከኣ ንድኻታታን ነቶም ተጐዳእትን ብምስናይ ከምዝተጓዕዘ ንኣምን፣ መንፈስ ቅዱስ ንሠናይ ደቂ ሰብን ዓለምን ብዘይምቁራጽ ከምዝሰርሕ ንኣምን፣ እቲ ናይ ታሪኽና ዝለዓለ ስቃይ እንብሎ እውን ከይተረፈ ከምዝስገር ንኣምን። ነፍሲ ወከፍ ወጋሕታ ኣጽኒዑ ዝሕዘና እዚ ተስፋዚ እዩ፣ ነፍሲወከፍ ሠናይ ተግባር ዕርክነት ሠናይ ሃረርታ ፍቅሪ ክሳብ እቲ ዝደቀቀን ኣብ ቁጽሪ ዘይኣቱን ሠናይ ተግባራት ሓደ መዓልቲ ካብ እግዚኣብሔር ፍጻሜ ከምዝረኽቡ ንኣምን፣ ንናይ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናብራ ሃንጐፋይ ኢልና ንክንቅበላን ዝደፋፋእና ሓይሊኸስ እዚ እዩ፣ ተስፋ ማለት እዚ እዩ። ኣብ ተስፋ ምንባር ኣብ ብርሃን ምንባር እዩ፣ እዚ ብርሃንዚ ብርሃን እግዚኣብሔር ኣቦ ብርሃን መድሃኔ ዓለም ዝኾነ ኢየሱስ ብርሃን ናይቲ ኣብ ሕይወት ንቅድሚት ክንግስግስ ዝደፍኣና መንፈስቅዱስ ብርሃን እዩ፣

ኣብ ሥርዓተ ምሥጢረ ጥምቀት ኣድላይነት ብርሃን ዘዘኻኽር ካልእ ደስ ዘብል ምልክት እውን ኣሎ፣ ኣብ ፍጻሜ ሥርዓተ ጥምቀት ብሕጻንነትና ንጥመቅ እንተሊና ንወለድና ዓበይቲ እንተኾና ግን ንዓና ቀንዴል ይወሃብ፣ እዚ ቀንዴል እዚ ካብቲ ናይ ፋሲካ ቀንዴል ዝበርህ እዩ፣ እዚ ናይ ፋሲካ ቀንዴል ንብሎ ኣብ ላቲናዊ ሥርዓት ኣብ ለይቲ ፋሲካ ኩሉ ብርሃናት ጠፊኡ እትበርህ ንምሥጢረ ትንሳኤ ክርስቶስ ንክትገልጽ እትበርህ ኮይና ኩሎም ካብኣ ነናቶም ቀንዴል የብርሁ ንጐረባብቶም ከኣ የመሓላልፉ፣ ኣብዚ ምልክት እዚ ናብ ናይ ኩሎም ሕይወትስ ይኹን ኣብ ሕይወት ክርስትያንስ ይኹን ብስራት ትንሳኤ ክርስቶስ ከመይ ኢሉ ቀስ ብቀስ ከምዝተባጸሔ የመልክት፣ ሕይወት ቤተክርስትያንከስ በዚ ብርሃን እዚ ተተንኪፍካ ምኽኣል እዩ፣ መጠን ብዙሕ ብርሃን ናይ ክርስቶስ ኣብ ሕይወት ክርስትያን ዚኣተወ ከምኡ እውን መጠን ብዙሕ ብርሃን ክርስቶስ ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያን ዚኣተወ ሕያው ትኸውን፣ ሕይወት ቤተክርስትያን በዚ ብርሃን እዚ ተተንኪፍካ ምኽኣል እዩ፣

ከም ክርስትያን መጠን ኣብ እንራኸበሉ ግዜ ነንሕድሕድና ካብ እነዘኻኽሮ ነገራት እታ ዝበለጸት ብዛዕባ ጥምቀትና እያ፣ እስኪ ክሓትኩም ካባኻትኩም ዕለተ ጥምቀቶም ዝዝክሩ ክንደይ እዮም! በጃኹም ኣይተምለሱ ከመይ ገሊኦም ብሕፍረት ከይወሓጡ፣ ሕሰቡ ዘይትዝክርዎ እንተኾንኩም ሎሚ ዕዮ ገዛ ኣሎኩም ማለት እዩ፣ ናብ ኣቦኻ ወይ ኣደኻ ወይ ሓትኖ ወይ ኣሞ ወይ ኣኮ ወይ ሓውቦ ወይውን ናብ ኣቦሕጎኻ ወይ እኖሓጎኻ ከድካ ዕለት ጥምቀተይ መኣስ እዩ ኢልካ ሕተት፣ ሓንሳእ ምስ ሓዝኩማ ኣይትረስዕዋ! ተርዲእኩምዶ! ክትግብርዎዶ ኢኹም! ናይ ሎሚ ዕዮ ገዛኹም ዕለተ ጥምቀትካ ምምሃር ምዝካር ከመይ ዕለተ ዳግም ልደት ዕለተ ብርሃን ብብርሃን ክርስቶስ ዝተተንከፍናላ ዕለት እያ፣ ክልተ ጊዜ ዝተወልድና ኢና፣ እታ ቀዳመይቲ ብወለድና ናብ ባህርያዊ ሕይወት እቲ ካልኣይ ከኣ ምስ ክርስቶስ ብምርኻብ ዝርከብ ጸጋ ኣብ ምሥጢረ ጥምቀት፣  ኣብዚ ዓለምዚ ከም ደቂ እግዚኣብሔር ንምንባር ኣብ ጥምቀት ንሞት መትና ኢና። ኣብ ጥምቀት ሓደስት ፍጥረት ኰና፣ ስለዚኸስ ነዚ ብምሥጢረ ጥምቀት ዝረኽብናዮ ብርሃን ናብ ካልኦት ክነባጽሕ ኣሎና፣ ናይቶም ናይ ጸልማትን ሞትን ሓይሊ ዝቋወሙ ብዙሓት ኣሕዋት በዂሪ ዝኾነ ክርስቶስ መንፈስ እዩ ኣባና ዝሰርሕ ዘሎ፣

ሓደ ክርስትያን ሓቀኛ ብርሃነክርስቶስ ክኸውን እንከሎ ክንደይ ይጥዕም፣ ብካልእ ኣዘራርባ ንክርስቶስ ናብ መላእ ዓለም ናብ ካልኦት ዘባጽሕ ማለት እዩ፣ ልዕሊ ኩሉ ብሓዘን ብተስፋቊርጸት ብጸልማትን ብጽልእን ተጐቢኦም ንዘለው ክርስቶስ ከተብጽሓሎም ክንደይ ሠናይ እዩ። እዚ ዓበይቲ ነገራት ብምግባር ዘይኮነ ብናእሽቱ ነገራት ክግለጽን ክግበርን ይከኣል ካብ ፍትፍቱ ፊቱ ከምዝበሃል ኣብ ዓይኒ ክርትያን ካብ ዘንጸባርቅ ብርሃን ክርስቶስ ጀሚርካ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ነቅ ዘይብል ውሳጣዊ ሰላምን ቅሳነትን ክርስቶስ ኣብ ልቢ ክርትያን እንክረኤ ወላውን ድሕሪ ተደጋጋሚ ፍሽለት ወትሩ ከምብሓዲሽ ክተፍቅርን ሠናይ ነገር ክትገብርን ዕለት ዕለት ዝግለጽ ሠናይ ድላይ መግለጺ ናይዚ ብርሃን’ዚ እዩ፣ ንምስትንታን ዚኣክል ሓንቲ ሕቶ ከቅርበልኩም፣ ኣብ መጻኢ ናይዚ ዝለናዮ ዘመን ታሪኽ ክትንተን እንከሎ ብዛዕባናስ ኣንታይ ኮን ክበሃል ይኸውን! ከም ደቂ ተስፋ ተስፋ ሰኒቅና ብርሃንና ኣብቲ ቀንዲ ቦታኣዶ ኣቀሚጥናያ ወይስ ኣብ ትሕቲ ከፈር ሓቢእናያ! ስለዚኸስ ብሓቂ ነቲ ኣብ መዓልቲ ጥምቀትና ዝኣቶናዮ ቃል እሙናት ኮና ንመላለስ እንተሊና ነዛ ናይ ተስፋ ብርሃን ናብ ኩሉ ነባጽሓያ፣ ከመይ ጥምቀት ናይታ እግዚኣብሔር ዝሃበና ተስፋ ምጅማር ስለዝኾነት ነዚኣ ተረኪብና ንመጻኢ ወለዶ ክነረክባ ከኣ ሓላፍነትና እዩ








All the contents on this site are copyrighted ©.