2017-08-04 15:48:00

ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ትርጉም ኣልቦ ሕልቂት


ኣብ ዓለም ሕልቂት ከይህሉ ብዝብል ዕላማ ኣብ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመታት ሰብኣዊ ፍጥረት ዓለም ሓቆፍ ተቕዋማት ንምቛም በቒዑ እዩ። ብዙሓት ተቕዋማት ኣውን ፈጢሩ እዩ። ሰብኣዊ ፍጡር ብዙሓት ኣገደስቲ ዝዀነ ሸቶታት ዓቲሩ እዩ፥ ይዅን ደኣ እምበር ህርፋን ስልጣንን ጽምኢ ምኽዕባት ሃብትን ንግድ ናይ ተፈጥሮ ሃብትን ጸዓትን ናይ ውግእ ኣጽዋርን ንምቁጽጻርን ወናኒ እዞም ሃብትታት ናይ ምዃን ህርፋን ግና ሎሚ እውን ጐሊሑ ዝርአይ ክኸውን እንከሎ ናብ ብዙሕ ውግእን ዓመጽን ድማ የሰንይ ኣሎ” ዝበሉ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህይነተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ኣብ ክፍለ ሃገር ቨነቶ ኣብ እትርከብ ከተማ ቢቢዮነ ቁምስና ዘፍልሰታ ማርያም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉዩ ፍቓድ መሰረት ካብ ዕለት 1 ነሓሰ ክሳብ 16 ነሓሰ 2017 ዓ.ም.  በዓለ ምሕረት ዘቢቢዮነ ምኽንያት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዝዀኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ቢቢዮነ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብዚ በዓለ ምሕረት ዘቢቢዮነ እታ ዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ነቲ ኣብ 1914 ክሳብ 1918 ዓ.ም. ኣብ ኤውሮጳ ዝተባርዐ ኵናት ዓለም ትርጉም ኣልቦ ሕልቀት ብዝብል ኣርእስቲ ክውገድ እተን ናይቲ ውግእ ተዋሳእቲ ሃገራት ናብ ሰላም ከብላ ዝጽውዕ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘማእከለ ፍልዩ ጸሎት ስለ ማእከላይ ምብራቕ ዝዓርገሉ ቅዱስ እዋን ከምዝኸውን ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ነቲ ትርጉም ኣልቦ ሕልቂት ዝብል መልእኽቲ ሰላም ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ጠቒሶም ዓለም ኣክንዲ ሰላም ግርጭት እናመረጸ ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ስዒቡ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብዚ ኣዋን’ዚ ድማ እቲ እናተገማምዔ እናተዀላለፈ ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ውግእ ዓለም እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝገልጽዎ ሓሳብ ነቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዕ ዓለም ዘሎ ውግእ ዝገልጽ ምዃኑ ድማ ኣመልኪቶም ናይ ምስራቅ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣቲ ትርጉም ኣልቦ ሕልቂት ዕለታዊ ተመክሮኦም ኰይኑ ናብ ሞትን ስቓይን ስደትን የብሉ ምህላውም ዘሕዝን እዩ ቢሎም። ኩሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጻውዒት ሰላም ዘርዚሮም ዓለም ኣክድኒ ሰላም ውግእ ዝብል እዩ ዝመስል እሞ ብዘይ ምቁራጽ ምእንቲ ሰላም ንጸልይ ሓደራ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.