2017-08-04 15:41:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኣሲዚ


ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 2 ነሓሰ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም መንፈሳዊ ነጋዴ ዝተሳተፍሉ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ሰላምን ምሕረትን ክዕደል ዕለት 2 ነሓሰ 1216 ዓ.ም. ንዘቕረቦ ዓሚዩቕ ጸሎት ስዒቡ ዕለት ሓደ ነሓሰ ንጐሆ ዝጀመረ ዕለት ክልተ ነሓሰ ምሸት ዝዛዘም ምሉእ ናይ ስርየተ ሓጢኣት ዘኣሲዚ ማለት ነቲ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘመላእክት ውሽጢ ኣብ እትርከብ ንእሽተይ ርህው ማዕጾ ናብ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ሰላምን ምሕረትን ንኽጽገዉ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ዘሳትፍ መንፈሳዊ መደብ መሰረት  ለምዘበን ዕለት 2 ነሓሰ 2017 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይቲ ዝኽሪ መበል 800 ዓመት  ኢዮበልዩ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ዘኣሲዚ ከምእተዛዘመ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኤማኑኤላ ካምፓነለ ሓቢረን።

ብፁዕነቶም ዋና ጸሓፊ ቅዱስቲ መንበር ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ካብ ር.ሊ.ጳ. ኦኖሪዮ ሳልሳይ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ምስ ተዓደለ ዝተሰምዖ ሓጐስ ንውሽጡ ፈንጺጉ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ኣሓው ኵሎም ድማ ኩላትኩም ናብ መንግስተ ሰማይ ክብጽሓኩም ሃረርታ ኣሎኒ እንክብል ብዓውታ ዘለዎ ድላይ ከቃልሕ ከምዝገበሮ ዘኪሮም፥ እቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝገለጾ ሓሳብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ እዩ። ንሱ ኸኣ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሰብን ርክብ ክህሉ ምግባርን ሰማየ ሰማያትን መሬትን ዘራኽብ ድልድል ምሕናጽን ዝብል እዩ። ድሕነት ንውሑዳት  ናይ ሕጊ ሊቃውንትን መምህራን ዘይኰነስ ንኹሉን ኵላውን እዩ ከምዝበሉ ካምፓነለ ገሊጸን።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም ነታ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘመላእክት ውሽጢ ኣብ እትርከብ ንእሽተይ ርህው ማዕጾ ናብ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ምስታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደላ ቤተ ልሔምን ቅድስቲ ናዝራዊት ቤትን ብምምስሳል፥ ኢታእላው መለኰታዊ ምሕረት ኣብ ድሩት ቦታ ይግለጽ ቢሎም፡ እግዚኣብሔር ከም መራኸቢ ትሕትና ይመርጽ። ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ይመርጽ። ተነቃፊ ምልክታ ይሓርይ። ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮስ ኣብ ክርስቶስ ናይ ምምሳል ዓሚይቕ ድላዩ ክሳብ ክንደይ ብፍቕሪ ክርስቶስ ከምእተመልኤ ዝመስከረሉ ኣልባሱ ቐንጢጡ እነኹልካ ኣብ ዝበለሉ ሥፍራ ዝተሃንጸ ቤተ መቕደስ ዳግም ተሓዲሱ ኣብ ዝተባረኸሉ በዓል ናብ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ሶረንቲኖ ዕለት 16 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍው መልእኽቲ፥ ከሃሌ ኵሉ እቲ ስጋ ዝዀነ ቃል ብፍላይ ኣብ ፍቕርን ምሕረትን ገዝእ ርእሱ ንኽገልጽ ገዛእ ርእሱ የትሕትን ከአሌ ኩልነቱ ይጋርድ” ዝበልዎ ሓሳብ ዘኪሮም። ኣስዒቦም እግዚኣብሔር ኣብቲ ዓቢይ ናይ ምድሓን መደቡ ንኽዓዩ ነኣሽቱን ትሁታንን ይመርጽ፥ ነዚ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝብል ንምፍጣር ዝንቀሳቐስ ትሑትን ንኡስን ናይ ምዃን ንናይ ሰብ ምክንኻን ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ንዝህብ ፍጹም ፍቕሪ ከብርህ ዝኽእል ድማ እቲ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ምዃኑ እዩ ዝብል ትርጉም መንነቱ እዩ። ስለ እቲ እግዚኣብሔር ዝፈጸሞን ብዝፍጽሞን ዘይምሕጓስን ዘይምውዳስን ከመይ ገርካ ይከኣል? ስለ እቲ ገዛእ ርእሱ ስለ እቲ ዝቖሰለ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣሕሉፉ ዝህብ ዘይምሕጓስ ከምይ ገርካ ይከኣል? ዝብሉ ሕቶታት ድማ ኣልዒሎም፥

ስለ ገባሬ ኵሉ ዝዀነ እግዚኣብሔር ምድናቕ ናይ ሎሚ ሰብ ዝተሳእኖ እዩ ዝመስል። እግዚኣብሔር ካብ ኣድማሶም ንኸየርሕቁ ኣብ እዋን ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኰነ ሎሚ እውን ብዙሓት ኣብ ጸሎት ዝጽመዱ ኣለዉ። እግዚኣብሔር እናማዕደወ ዝጓዓዝ ሕይወት። ብዛዕባ ሰማየ ሰማያት ምሕሳብ፡ እቲ ፍጹም ጽሕፍቶ ሰብ ድማ እውነትን ውህበትን ምዃኑ ምስትውዓል ኣብ ውሽጥኻ ምድናቕ የሕድረልካ፡ እዚ ድማ ካብ ምድራዊ ርውየት ዝፍልፍል ኣይኰነን እትናይ ደኣ መጻኢ እዩ። ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቅዱሳትን ቅዱሳንን ዘሎ ሓቂ ኣዩ እንክብሉ ክምዘረድኡ ካምፓነለ ሓቢረን።

ሓጐስ ኣብ ምዕታር ምድራዊ ሃብትታት እዩ ኣብ ዝብል እማነ ምንባር ናብ መሪር ስዕረት እዩ ዘብጽሕ። ስለዚህ እግዚኣብሔር ንምሕሳብ ጊዜን ቦታን ክህልወካ ይግባእ። ስለ ኩሉ ዘደንቕ ፍጥረት ኩሉ ምስትውዓል የድሊ። ምድናቕ ምስ ዝበኩር ግና ናብ ዝዕንውን ዝገማምዕን ምርጫታት ይስጐም። ምግምማዕ ኣብ ኣባይቲ ስድራን ቁምስናታትን ማሕበራትን ኣብ ናይ ዕዮ ቦታን ኩሉ የእትው ምስ በሉ ምሕንጽታ ሓለዋን ሓልዮትን ቅድስቲ ማርያምን ቅድሚ ምጽላዮምን  ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦምን ዘስምዕዎ ስብከት እንከጠቓልሉ፥ ብዝተሓደሱ የዕይንታት ነቲ ዘደንቕ ጭቡጥነት ንምርኣይ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ሕይወት ነስተንትን ኣብተን ዘደንቓ ቃላቱ ነስተንትን ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካምፓነለ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.