2017-08-05 16:53:00

ቅዱስ አቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስነ-ጠቢባን ንርኽበት ናይ ፍጥረት ጽባቔ ደገፍቲ ይዅኑ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ “ናይ ስነ ጠቢባን ግደ ምስ ናይ ፍጥረት ጽባቔ ዝተኣሳሰረ እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወርሒ ነሐሰ ናይ ጸሎት ሓሳብ ስለ ኪነ ጠቢባን ክኸውን ዕለት 4 ነሓሰ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ከምዘተሓሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ኪነ ጥቢባን፥ ይብሉ “ናይ እምነት ጽባእቔ ዝገልጹን ዕብየት ፍጥረት እግዚኣብሔር ዘበስሩ እያቶም”። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ኪነ ጥበብ ዘጠቓልሎም ናይ መጽናዕቲ ጨናፍር ንኣብነት ከም ስነ ንድፍን ቅብእን ሙዚቃን ስነ ጽሑፍን ድርሰትን ደጋጊሞም ዝበልዎ ምልስ ቢሎም፥ “ሓደ ዝዀነ ናይ ስነ ጥበብ ስራሕ ከነደንቕ እንኰለና ወይ ከኣ ኣብ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘሎ ጽባቔ ምስ እነስተውዕል ፍጥረትን ጽባቔን ኩሉ ልሳን ፈጣሬ ኩሉን ብዛዕባኡን ብዛዕባ ፍቕሩን ዝዛረቡና ምዃኖም ነረጋግጽ።” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

እቲ ካብ ሓደ ናይ ሙዚቃ መሳርዕ ዝወጽእ ውሁድ ድምጺ፡ ዘለዎ ጽባቔ ምስቲ ኣብ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘሎ ጽባቔ ስኒት ዘለዎ ብምዃኑ ክትሰምዖ ባህ የብል። እቲ ጽን እንብሎ ናይ ተፈጥሮን ፍጥረትን ድምጺ ጽባቔን ምስቲ ካብ መሳርዕ ሙዚቃ ዝወጽእ ቅኑይ ድምጽን ይራኸብ፡ ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ዘለዋ እምነት ጽባቔ ክትገልጽን ከተራኽብን እቲ ኣስፍሆተ ወንጊል ናይቲ ዘደንቕ ንእግዚኣብሔር ውዳሴ ዝዀነ ፍጥረት እግዚኣብሔርን እቲ በርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሒር ዝተፈጥረ ዘለዎ ክብርን እቲ ድሕነት ዘምጽእ ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ዘለዎ ሓይሊ ንምትሕልላፍ ኣብ ኪነ ጥበብ እውን ትውከስ እዚ ድማ ትማልን ሎምን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዘረጋግጾ።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኪነ ጠቢባን፥ “ናይ ጽባቔ ዓቃብያን” እንክብሉ ይገልጽዎም። ነቲ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕይወት ክህሉ ዝክእል መንፈሳዊ ቁስሊ ዝፍውስን ናብቲ ንዘይምግዳስን ንሸለልተይናነትን ኣልቦ ምትሕልላይን ንዝብል ባህሊ ኢዱ ዝሃበ ናብ ዝመስል ኩሉ ተስፋን እማኔን ዘብጽሕ እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናይ እዋንና ኪነ ጠቢባን ስርሓትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኪነ ጠቢባዊ ሃብትታትን ናይ ስነ ቅብእን ድረስትን ሙዚቃን ሃብትታትን ዘለዎ ጽባቔን ናብቲ ኢታእላው ጽባቔ ዘብጽሕን ክስትንተን ዝድግፍ ምዃኑ ዘረድእ ሓሳብ ድህረ ምድሪ ዝገበረ ምንባሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ይብሉ ቅዱስነቶም፥ ስለ ኪነ ጠቢባን ክጽለይ ሓደራ፥ ኪነ ጠቢባን በቲ ብልሃዊ ስርሓቶ ኣቢሎም ናይ ፍጥረትን ተፈጥሮን ጽባቔ ከራኽቡን ንርኽበት ጽባቔ ደጋፍያን እያቶም” እንክብሉ ዘመሓለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቶም ከዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.