2017-08-09 16:45:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናብ ማሕበረ ክርስቲያን ፐሩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያ ዕለት 1 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ናብ ፐሩ ዝፍጽምዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ምኽንያት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ሃገረ ፐሩ ርእሰ ከተማ ሊማ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲና ኹዋን ልዊስ ቺፕሪያኒ ቶመ ዕለት 7 ነሐሰ 2017 ዓ.ም. ወግዓዊ መግለጺ ከምዝሃቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ኣፍሊጦም።

ንውህደት ብሓባር ምዕያይ፥ ዝብል ምዕዶ ዘማእከለ ቅዱስነቶም ንክርስቲያን ምእመናን ፐሩ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣብ ፐሩ ሓዋርያዊ ዑደት ንኽፍጽሙ ዘለዎም ውዕዉዕ ድላይ ገሊጾም፡ ሃብቲ ሕዝቢ ፐሩ ቅዱሳት ኣያቶም። ሓንቲ ሃገር ክህልውዋ ሃረር እትብሎ ሃብቲ ቅዱስና እዩ። እዚ ሃብቲ ቅድስና’ዚ ድማ ፐሩ ዝተዓደለቶ ጸጋ እዩ። እቶም ቅዱሳት ድማ ካብ ምብትታን ናብ ሓድነት ዝተጓዕዙ ንናይ ሃገረ ፐሩ ውህደት ዘገልገሉ እያቶም ስለዚህ ኢየሱስ ካብ ምብትታን ናብ ውህደት ዘብጽሐ መገዲ እዩ። ክርስቲያን ነዚ ናይ ኢየሱስ መገዲ ክስዕብ ኣለዎ።

ሕዝቢ ፐሩ ምስ ቅዱሳኑ ሓቢሩ ኣብ ጐዳና ሓድነት ክጓዓዝን ስለ ሓድነት ተጊሁ ክዓይን ዘተሓሳሰቡ ቅዱስ ኣቦና፥ “ምእንቲ ሓድነት ዝዓዪ ንቕድሚት ዝጥምት እዩ። ክርስቲያን ተስፋ እናማዕደወ ዝጓዓዝ ብምዃኑ ኣብዚ ጐደና’ዚ ብምጥርጣርን ብምረት ምጉዓዝ ክህሉ ኣይግባእን። ምጥርጣርን ምረትን ጉዕዞ ክርስትና ኣይኰነን። ምእንቲ’ዚ ስለ ሓድነት ትግሁ ከምዝበሉ ናይ ብፁዕ ካርዲናል ቺፕሪያኒ ቶመ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፥ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 15 ጥሪ ክሳብ ዕለት 21 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ማለት ሃገረ ቺለን ፐሩን ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ምዃኖም የዘኻኽሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.