2017-08-10 09:35:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሃገረ ኰሎምቢያ፥ ኣብ ኰሎምቢያ መስካሪ ጐደና ሰላም


ካብ ዕለት 6 መስከረም ክሳብ ዕለት 10 መስከረም 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ኰሎምቢያ ንኸካይድዎ ዝተወሰነ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሓጐስ ዝተመልአ ብጐይታ ዝተላእከ ልኡኽ፡ ኣብ ምድረ በዳ ከም ዝናም ንሕዝቡ ተስፋ ክህብ ይመጽእ ብዝብል ማህሌት ዝምራሕ ክኸውን ኣብ ኰሎምቢያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዝወሰነት ክምልከት እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ናይቲ ናይ ኰሎምቢያ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት መርሕ ቃል እቲ ኣብ ኰሎምቢያ ንልዕሊ 50 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ኵናት ዘወግድ ናይ ሰላም ዘተ ክረጋግጽን ዕርቅን ሰላምን ክወርድ ኣብ ምሕረትን ይቕረ ምብህሃልን ዝጸንዔ ናይ ሰላም ዘተ ንዝረጋገጸሉ ዘሎ ኵነት ዝምልከት እዩ እዚ ድማ ቀዳማይ ስጉምቲ ካባና ብዝብል ቃል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ድሮ በዚ መርሕ ቃ’ዚ መንፈሳዊ መዝሙር ከምእተሰናደወ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ብዛዕብ እዚ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኰሎምቢያ ኣመልኪቶም ኮሎምቢያ ምስ ቨነዘዋላ ኣብ ዘዳብው ከባቢ ንልዕሊ 21 ዓመት ብወጌላዊ ልኡክነት ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባል ማሕበር ስካላብሪኒ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ናይ ስደተይናታት መእንገዲ ማእከል ኣመሓዳሪ ኣባ ፍራንቸስኮ ቦርቲኞን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ካብ ጥሜትን ዓመጽን ስእነት ሰላምን ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ዝስደዱ ምእምንጋ ህያው ወንጌል ምቕባል ማለት እዩ።

ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኰሎምቢያን ናይ ኰሎምቢያ ሶውራዊ ዕጡቕ ሓይሊ ዝካየድ ሕድ ሕዳዊ ውግእን ደው ንኽብል ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብ ዝተበጽሓሉ እዋንን እቲ ብሔራዊ ሓርነት ግንባር እውን ነቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ተቐቢሉ ክታሙ ከንብር ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ኣዋን ዝፍጸም ብምዃኑ ብሓቂ ዓቢይ ናይ ሰላም መልእኽትን ሰላምን ዘነቓቕሕን ናብ ሰላም ዝመርሕን እዩ ኢሎም። እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ናብ ጸጥታን ውሕስነት ሰላምን ተስፋን ምዕባለን ዘስንይ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኰነን። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኰሎምቢያ ኣብታ ሃገር ሰላም ክረጋገጽ ከይተሓለለት ተጻባእቲ ሓይልታት ኣብ ናይ ሰላም ዘተ ክሓብሩን ተነቃፊ ማሕበራውን ሰብኣዊ ጉዳይ ክተኻኸልን ነቲ ድኻን ኣብ ዝተፈላለይ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ሰብኣውን ጸገም ዝርከብ ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀረባ ብምዃን ደገፋ ብምቕራብ ኩሉ ኣብ ሰላም ክተግህ ትድግፍን ትሓንጽን። ብቕዓት ዘለዎም ናይ ሕዝብን ሃገርን ጥቕሚ ዘቐድሙ ናይ ሃገር ተራካቢ ትውልዲ ኣብ ምሕናጽ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ተበርክት።  ዴሞክራስን ማሕበራዊ ጥርናፈን ክምዕብል ትድግፍ ኣላ ኢሎም።

ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክርስትያናውን ወንጌላውን እዩ ተስፋን እቲ ጥንታዊ ናይ ክርስትና ከይዲ እውንተይና ምስክርነት ዘቃልሕን ካብ ደውታ ተላቒቕካ ኣብ ፍቕርን ምሕረትን ሓድነትን ንቓሕ ተጓዓዝ ዝብል እዩ ምስ በሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ነቲ እውነተይና ሃማኖታዊ ባህርይ ሰብ ዘበራብር ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዩ እክብሉ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.