2017-08-14 15:17:00

ዝተሓላለኸ ኵናት ኣብ የመን


ካብ 2015 ዓ.ም. ኣትሒዙ የመን ኣብ ዝተሓላለኸ ውግእ ሕድ ሕድ ተኣሊኻን ንዝተፈላለየ ሰብኣዊ ጸገማት ተቓሊዓ ከምዘላ ክንገር እንከሎ። ካብ ከባቢ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተዋጽኡ ብዙሓት ስደተይናታት ብየመን ኣቢሎም ናብቲ ሃብታም ከባቢ ወሽመጥ ሃገራት ዓረብ ከምዝውሕዙን፡ እዞም ስደተይናታት ድማ ንብዙሕን ዝተሓላለኸን ጸገማትን ንሞትን ምጭዋይን ዝኣመሰሉ ሓደጋ ተቓሊዖም ከምዝርከቡ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

እቲ ውግእ ኣብ መንጐ ሰፊሕ ናይ የመን ከባቢ በረራ ኣየር ዝቆጻጸሩ ዘለዉ ብብዙሓት ሃገራት ዓለምን ብዝለዓለ ንይ ሃገሮም ሓይሊ ምክልኻልን ብሱዕዲ ዓረብን ዝድገፉን ርእሰ ብሔር ኣብድራቢህ ሞንሱር ሃዲን ናይ የመን ነበር ርእሰ ብሔር ብሺዓውያን ዕጡቓት ሓይልን ኢራንን ዝድገፉ ናይ የመን ሰሚናዊ ከባብን ርእሰ ከተማ ሰንዓን ዝቆጻጸሩን ዘለዉ ኣሊ ኣብዱላህ ሳለህ ዝካይድ ውግእ ምኽንያት ካብ 20 ሚሊዮን ንላዕሊ ዝግመቱ ዜጋታት የመን ንኸቢድ ሰብኣዊ ጸገን ተቓሊዑ ምህላዉ ኣብ ሰሜናዊ ከባቢ ደቡባዊ ሃገራት ዓረብ ልኡከ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ሂንደር ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ኣብ የመን ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ብሓቂ ዘጸግም እውን እተዀነ ከም ቀይሕ መስቀልን ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይምን ካልኦት ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ነቲ ህዝቢ ረድኤት ንምቕራብ ዝከኣል ኩሉ ይገብሩ ኣለዉ። ኣብ ዓደንን ሰንዓን  ዝርከባን ንብዙሕ ሓደጋ እውን ዝተቓልዓ እንተዀና ደናግል ደቂ ማድረ ተረዛ ኣብ ግብረ ሰናይ ተዋፊረን የገልግላ ኣለዋ። ብሓቂ ዝድነቓ ድማ እያተን ኢሎም።

ኣብ ሰንዓ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣገልግሎ ምሃብ መታን ክጅምር ኣብ መንጐ ተዋሰእቲ ውግእ ናብ ስምምዕ ከብጽሕ ዘኽእል ዘተ ንምብጋስ ብዙሕ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ ምስ በሉ ብዛዕባ ጉዳይ ስደተይናታት ድማ ጠቒሶም፥ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ማዕልታት ኣስታት 300 ዝግመቱ ስደተይናታት በቶም ሰባት ካብ ቦታ ቦታ ዘንቀሳቕሱ ዘይሕጋውያንን ናይ ገበን ጉጅለታት ቅድሚ ናብ ገምገም ባሕሪ ምብጻሖም በጺሕኩም ኢኹም ቢሎም ካብ ጀልባ ዘውረድኦም ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንሞት ከምእተዳረጉን ካልኦት ልዕሊ 55 ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ የመን ንኽኣትዉ ይጽበዩ ከምዘለዉ  ብፁዕ ኣቡነ ሂንደ ገሊጾም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.