2017-08-16 15:08:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ጉባኤ ኣስተንትኖ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ናይ ላቲን ስርዓት ዕለት 15 ነሓሰ ዝበዓል በዓለ ፍልስታ ለማርያም ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቁጸሩ ምእመናን ኣብ ቅሮዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተረኽብሉ ዓቢይ በዓል ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባበ ወንጌል ኣምርኵይዞም፥

ክቡራትን ክቡራንን ኣሕዋትን ኣሓትን ሰላም

እታ ካብ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ብስራት ዝተቐበለት ናዝራዊት መንእሰይ ብቕልጡፍ ናብታ ንኽትሓርስ ዝቐረበት ኤልሳቤጥ ትበጽሓ፡ ካብ ኣፍ ኤልሳቤጥ ድማ እቲ ሰላም ለኪ ዝብል ጸሎተ ዘቖመ ንስኺ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ እቲ ኻባኺ ዚውለድ ሕጻንውን ዝተባረኸ እዩ (ሉቃ. 1,42) ዝብሉ ቃላት ይወጹ። እቲ ዓቢይ መዳርግቲ ዘይብሉ ህያብ ማርያን ንኤልሳቤጥን ንዓለም ድማ እቲ ድሮ ኣብ ማሕጸና ሓዲሩ ዘሎ ብእምነትን ትጽቢት ዝተነብረሉ ኢየሱስ እዩ። … ኢየሱስ ንናይ ድሕነት ተልእኾኡ ድማ ካብ ማርያም ሥጋና ለበሰ፡ ኣብ ማርያም ተሰግወ።

ኣብታ ውላድ ብምስኣና ትካዘ መንበሪኡ ገይሩዋ ዝነበረት ናይ ኤልሳቤጥን ናይ በዓል ቤታ ዘካርያስን ቤት ትጽቢት ዝውለድ እቲ ቀቅድሚ ኢየሱስ ዝኸይድ መገዲ ኣምላኽ ዘቕንዕ ዓቢይ ዮሓንስ መጥምቕ ዝኸውን ሕጻን ዘመንጭዎ ሃሴት ነገሰ፡ ማርያም ኣብ ቤት ኤልሳቤጥን ዘካርያስን ድማ ምስ ኣተወት ልቢ ብሃሴት ዘሰራስር ምልኣተ ሓጎስ ይውሕዝ፡ ስለምታይ እቲ ናይ ሕይወትን ስድራን ድሕነት ሕዝብን ዝዀነ ጭቡጥ ህላዌ እየሱስ ዘዕስሎ ስለ ዝዀነ። ከምቲ ወንጌላዊ ሉቃስ ብልሳን ማርያም ኣቢሉ ዝገልጾ ጸሎት ምስጋና ማርያም … ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ ዝብል ሃሴት ዝመልኦ ጸሎት፡ ነቲ ኩሉ ዝኽእል ብትሑታን ዘይወሩያትን ዘይፍሉጣትን ብዝዀነ ከም ማርያምን ሕጹያ ዮሴፍን ከምታ ንእሽተይ ናዝራዊት መነባብሮኦም ዝዀነ ንእሽቶ ቤት ኣቢሉ ዓበይቲ ነገራት ንዝገብር እግዚኣብሔር ናይ ምስጋና ጸሎት እዩ።

ጸሎት ምስጋና ማርያም፥ ናይቲ መደብ ምድሓን ብንኡሳንን ድኻታትን በቶም እሙናቱ ብዝዀኑ ኣቢሉ ናይ ዝዓዪ ከም ማርያም ኣብ ቃሉ ንዝጸንዑ ናይ እግዚኣብሔር ተኣማንነትን ምሕረትን ማህሌት እዩ።  ኤልሳቤጥ ድማ እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተነገረኒ ቃል ከምዝፍጸም ስለ ዝኣመንኪ ብፅዕቲ ኢኺ (ሉቃ. 1,45) ቢላ እቲ ቀዳማይ ማሕሌት ውዳሴ ለማርያም ተቕርብ። ኣብታ ብማርያም ኣቢሉ ኢየሱስ ዝኣተዋ ቤት ናይ ሃሴት ሃዋሁ ጥራሕ ዘይኰነስ ሕውነታዊ ሱታፌን ናብ ተስፋ ዘሰንይ እምነትን ጸሎትን ምስጋናን ነገሰ።

እዚ ኵሉ ኣብዚ እዋን’ዚ ክኽሰት ንደልይ። ፍልሰታ ለቅድስተ ማርያን ከነብዕል እንከሎና፡ ሎሚ ኣውን ኣብ ኣባይቲ ስድራናን ቤትናን ማሕበረሰብናን እቲ ኣዚዩ ዓሚይቕን ሰፊሕ ዝዀነ ወትሩ ብቐዳምነት ልዕሊ ኵሉ ዝዀነ ይኹን ኣብ ልባትና ዘለዉ ዓይነት ጸጋታት ክንሓቶ ዝግብኣና ጸጋ፥ እቲ ናይ ጸጋታት ጸጋ ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ከተብጽሕ እዩ።

ማርያም ኢየሱስ ኣብ ከርሳ ብምንባር። ኣባና እውን ሓድሽ ሃሴት ተንብር። ኣብ ዝዀነ ይኹን ናይ ሕይወት ሃላኽን ጾርን ስቓይን ብእምነት ናይ ምንባር ሓድሽ ብቕዓት ተምጽኣልና ንሓድ ሕድና ንኽንመሓሓርን ንክንረዳዳእን ንኽንደጋገፍን ዘብቅዓና ናይ ምሕረት ብቕዓት ተምጽኣልና።

ማርያም ናይ ምግባረ ሰናይን ናይ እምነት ኣርኣያን እያ። ሎሚ ን አቲ ምድራዊ ሕይወታ ዛዚማ ዝተዓደለቶ ፍልሰት ከነስተንትን እንከሎና ወትሩ ጽኑዕን ሕጉስን ምሕረት ዝመልኦ እምነት ክህልወናን  ኣብ ናይ ሕይወትን እምነትን ንግደትና ቅድሜና ኰይና ቅዱሳት ንኽንከውን ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ኣብ መንግስተ ሰማይ ብሓባር ምስኣ ንኽንራኸብ ክትመርሓናን ክትድግፈናን ንምህለላ ቢሎም ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዛዚሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.