2017-08-16 15:11:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር


ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሕስነት ዘይዕንወት እምነት ኣብ ክርስቶስ እምበር ብቕዓት ናይ ኣባላታ ኣይኰነን፡ እምነት ካብ ናይ ሕይወት ጸገም መሕብኦ ዘይኰነስ ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ጸግዕን ትርጉም ሕይወትን ዝጽግው እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ነሓሰ 2017 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ብላቲን ስርዓት ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 14 ካብ ፍቕዲ 22 ክሳብ 33 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኢየሱስ ኣብ ማየ ገሊላ ናብታ ደቀ መዛሙርቱ ዝተሳፈሩላ ጀልባ ኣምሪሑ ብማየ ማይ ከም ዝኸደ የዘንትው። እታ ጀልባ ካብ ምድሪ ርሒቓ ስለ ዝነበራት ንፋስ ብቕድሚኣ ስለዝነበረ ኸኣ ብማዕበል ትናወጽ ነበረት። ኢየሱስ ብማየ ማይ እናኸደ ናብኦም እንከብል ምስ ረአይዎ እሞ ብፍርሒ ተዋሒጦም ምትሃት እዩ ይብሉ፡ ኢየሱስ ግና፥ ኣጆኹም ኣነ እየ ኣይትፍርሁ! ይብሎም። ጴጥሮስ ከኣ ብኡንብኡ ብማየ ማየ ክኸይድ ደለየሞ ምኻድ ምስ ጀመረ ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና ፈርሀሞ ኪጥሕል ድማ ምስ ጀመረጐይታይ ኣድሕነኒ!” እንክብል ኣእወየ።

እዚ ዝተነበ ቃለ ወንጌል፥ ብውልቅና ድዩ ብማሕበረ ክርስቲያን ንኹላትና ኣብዚ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንእንርከብ እውን ብዛዕባ እምነትና ከነስተንትን ይዕድመና፡ እታ ጀልባ ናይ ነፍሲ ወከፍና ትእምርቲ ሕይወትና እያ። ከምኡ እውን ኣብ ጸገምን ፈተንን ናይ ዘላ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ትእምርቲ እዩ። ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ “ጐይታይ ንስኻ እንተ ዄንካስ ብማየ ማይ ናባኻ ኽመጽእ ኣዝዘኒ” እንክብልን “ጐይታይ ኣድሕነኒ” ቢሉን ዘቕርቦ ጸሎት ምሕጽንታ” እቲ ኣባና ዘሎ ናይ ጐይታ ቅርበት ክስምዓና ዝብል ድላይን ኣብ ነፍሲ ወከፍና ድዩ ኣብ ማሕብራዊ ሕይወትና ካብ ውሳጣዊ ተነቃፍነት ድዩ ካብ ደጋዊ ጸገም ናይ ዝምንጭው ፍርሕን ጭንቀትን ተምሳል እዩ።

ንጴጥሮስ እቲ ኣነ እየ ኣጆኹም ኣይትፍርሑ ዝብል ርጉጽን ዘተኣማምንን ቃሉ እኹል ኰይኑ ኣተሰምዖን፡ ልክዕ ከም ንኽትድሕን እትሕዞ ገመድ ኰይኑ እዩ ዝተሰምዖ፡ እዚ ንዓና እውን ከጋጥም ዝከኣል ናይ ሕይወት ኩነት እዩ፥ ውሕስነትን ርግጸይናነትን ንኽህልወካ ኣብ ናይ ጐይታ ቃል ምስዘይምልሓቕ ንሆሮስኮፕ ማለት ስግለትን (ሆራስቆጶስ) ጥንቆላን ምምኻር ይጅመር እሞ እዚ ኸኣ  ሃው ናብ ዝበለ ገደል የብጽሕ።

እምነት ኣብ ጐይታን ኣብ ቃሉን ይብሉ ቅዱስነቶ፥ ህልዊ ቀሊል ዝዀነን ምቹእን ሕይወት ማለት ዘይኰነስ እምነት ርጉጽ ዝዀነ ናይ ህልውና ሃልክን ማዕበላትን ክንሰግር ዝድርኸና ህላዌነት ንሱ ከኣ ህልውነት ክርስቶስ እዩ ዘረጋግጸልና። ጸገማት ኩሉ ክንጻወሮን ክንገጥሞን ዘብቅዓና በእዳዉ ኣእዋድውና ጨቢጡን ሒዙን ዝድግፈናን ኣብ ደልሃመትን ጸልማትን ሕይወት መገዲ ኰይኑ ዝመርሓና ህላዌ ርግጸይና ምዃን ማለት እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

እታ መርከብ ናይ ኩሉ እዋንን ኣብ ኵሉ ኣዋን ናይ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተምሳል እያ። ብርቱዕ ንፋስን ማዕበላትን እትገጥም ቤተ ክርስቲያን እያ። እቲ ዘድሕና ኣብ ክርስቶስን ቃሉን ዘለዋ እምነት እዩ። እዚ እዩ ውሕስነታ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ሽሕ’ኳ ሓሳርን መግከራን ድኻምነትን ይሃሉ ኣብዛ መርከብ’ዚኣ ርግጸይናነት ኣሎና ብፍላይ ድማ ኣብራኽና ዓጺፍና ንጐይታ፥ “ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” ምስ እንብል። ንኢየሱስ ንስኻ ብሓቂ ወደ ኣምላኽ ኢኻ ምባል ክንደይ ውበትን ውህበትን እዩ። ኩሎም ምእመናን ነዘን ቃላት እዚኣተን ክደግሙ ድማ ጻውዒት ብምቕራብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብቲ ናብታ መርከብ ከይንድይብ ዘዕንዝዝ ዘይርጉጽ ርእየት ዓለምን ግዜ ኣምጸኦ ስርዓትን ጭርሖታትን ዝኣመሰሉ ፈተናታት ዓቂባ ናብታ መርከብ ክንድይብ ትደግፈና እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.