2017-08-19 19:15:00

፪ ሰንበት ዘፍልሰታ ነሓሰ 14 2009 ዓ.ም. (08/20/2017)


ንባባት፡       ሮሜ 11:13-15, 29-32፥፥ 2ዮሓ 1፡1-7፥ ግ.ሓ.1፡1-15፥ ማቴ 15:21-28።  ምስባክ፡  አዋልደ ነግሥት ለክብርከ ወትቀውም ንግሥት በየማንከ። በአልባሰ ወርቅ ዑፅፍት ወሑብርት። ናይ ነገስታት ውሉድ ንኽብርኺ እዮም፥ ብናይ ወርቂ ልብሲ ተጎናጺፋን ተሰሊመን፥ እታ ንግስቲ አብ የማንካ ትቐውም” መዝ. 45፡9።

ኩልና አብ የማን አምላኽ ክንቀውም ዝተሓረና ኢና። ማርያም ንሰማይ መሪሓ ክተእትወና ምእንቲ ነዚ ሰንበት ብፍሉይ ክነስተንትን ንዕደም አሎና። እዋናት ፍልሰታ ዘዘኻክሮ ብማርያም አቢልና መገዲ ሰማይ ክንደሊ እሞ ጉዕዞና ምስአ ክንገብሮ እዩ። ምስጢር ምህልላና ኵልና ደቃ ብሓደ አብ አምላኽ ክተብጽሓና እዩ።

ንማርያም ምፍላጥ ማለት ንግብሪ አምላኽ ምፍላጥ እዩ፥ አብአ ተግባር እግዚአብሔር ንርእዮ። ማኅደር ልዑል ንብላ ምኽንያቱ አብአ ካልአይ አካል ቅድስቲ ስላሴ ኃዲሩ ካብአ ባህርና ስለ ዝወሰደ። ማርያም ብሥጋዎ ባህሪ ውሃቢት አምላኽ ፍልይቲ ፍጥረት እያ። ነዚ ዕሞቕ ምስጢር አምላኽን ማርያምን ክንርዳእ ንማርያም ምሃርና ክንብላ ይግብአና።

አብ ጊዜ ካልአይ ውግእ ዓለም ውሑዳት ወተሃደራት አብ ሓደ ፍሉይ ስርሒት ከይዶም። ሓደ ካብኦም ብዘይመጠን ዝፈትውዎ አብ ዝተገብረ ኲናት ቆሲሉ ሒዞሞ እናኸዱ ኸአ ሞይቱ። እዞም እሙናት አዕሩኽ ንዓርኮም አብ ሓደ ፍሉጥ መቓብር ክቐብርዎ ደልዮም። አብቲ ከባቢ መቓብር እንተ ረኸቡ አናድዮም አብ መጨረሻ ሓንቲ ንእሽቶይ ዓዲ አብ ጥቓ ቤተ ክርስትያን ንእስ ዝበለ መቓብር ዘልአ ረኸቡ እንተ ኾነ እቲ መቓብር ብዘሪባ ዝተኸለለ ነበረ።

አብቲ ቤተ ክርስትያን መጺኦም አብኡ ንዝነበሩ ካህን ረኸብዎም እሞ ንዓርኮም አብ መቓብር ክቐበር ሓተትዎም። እቶም ካህን ብጽቡቕ ገጽ ተቐቢሎሞም ግን ካቶሊኽ ምዃኑምስ ሓተቱ አይ ኮነንን በልዎም፥ ካህን ጉሃዩ ብዝኾነ አብ ውሽጢ ዘሪባ ክቐብሮ አይክእልን እየ፥ ካቶሊካውያን ጥራሕ እዮም አብ ውሽጢ ክቕበሩ ዝኽእሉ ግን ካብ ዘሪባ ወጻኢ ቅበርዎ ባዕለይ ከአ ክሕልዎ እየ በልዎም። ወተሃደራት ንካህን እና አመስገኑ ንዓርኮም ካብ መቓብር ወጻኢ ኲኖ ዘሪባ/ሓጹር ቀበርዎ።

አብ መጨረሻ ውግእ ደው ምስ በለ ወተሃደራት ዓዶም ተመሊሶም። ሓደ ዓመት አብ ዝገበርዎ ናይ ምሕዝነቶም ምትእኽኻብ ንመቓብር ዓርኮም ክበጽሑ ወሰኑ። እታ ዓርኮም ዝተቐብረላ ዓዲ ብዙሕ አይቀየረትን በዚ ኸአ ነታ ቤተ ክርስትያን ክረኽብዋ አየጸገሞምን ግን ንመቓብር ዓርኮም ክረኽብዎ አይከአሉን። ካህን ብማዕዶ ምስ ረአዮም አለልዮሞም ሰላም ክብልዎም አብኦም መጹ። ንመቓብር ዓርኮም ክረኽብዎ ከምዘይክአሉ ነገርዎም። እቶም ካህን እቲ ወተሃደር አብ ወጻኢ ዝተቐብረ አይ መስልን እዚ ኸአ ቅኑዕ አይኮነን በሉ። እቶም ወተሃደራት ንስኹም ነቲ መቓብ ቀይርክምዎ ማለት ድዩ እናበሉ ሓቲቶሞም። አይ ኮነን ነቲ ዘሪባ/ሓጹር አግዒዘዮ ኢሎሞም።

ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ሣደ ካብቲ ብዝያዳ ዝፍለጠሉ ድሕነት ንኹልና ደቂ ሰብ ማዕረ ብሓባር ከም ዝብጽሓና፥ አብ ቅድሚ አምላኽ ብፍሉይ ዓይኒ ዝርአ ሰብ ከም ዘየለ ኩልና ፍቕሪ አምላኽ ዝውሃበና ከም ዝኾነ ይገልጽ። ሕጊ ሰባት አብ መንጎ ፍልልይ ፈጢሩ ዘይተደለ ዓለትነት ውግእ ፍልልይ ፈጢሩ ናይ ብዙኃት ሕይወት ዘሕለፈ ከም ዝኾነ ታሪኽ ይነግረና። ሰብ ብገግኡ ክእመን ጸጊምዎ ሎሚ እውን ዓለምና ብዓለትነት ብወገንነትን ብዝተፈላለየ ሰብ ዝፈጠሮ ትሳቐን ትሕመስን እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ሎሚ ደቂ ሓንቲ አደ ኮና ብሓደ ዓይኒ ፍቕሪ አብ ነነድሕድና ክንራአ እዋኑ እዩ። ሰአሊለነ እናበለን ምእንቲ ኹሉ ክንልምን ይግብአና።

አብዚ ቅዱስ እዋን ምህለላ ፍልሰታ ለማርያም ናይ ሎሚ ሰንበት ንባባትና ወላ ሓደ ካብ ምሕረት አምላኽ ዝተገለለ ከምዘየሎ ይነግሩና። ድሕነት ንአይሁድ ነቶም ሕሩያት ህዝበ አምላኽ ጥራሕ ዝተሓዝአ አይኮነን እንታይ ድአ ንኹልና ንወጻእታኛታትን አረማውያንን ከይተረፉ ዕዱማት እዮም።

አብ ትንቢት ኢሳያስ 56፡1-7 ዘሎ እንተ አንበብና ሓደ ካብቲ ብንጹር ንኹሉ ሓበራዊ ዝኾነ ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ ንረክብ። እዚ ነቲ ካብ ስደት ባቢሎን ምስ ተመልሱ ናይ ተሓድሶን ሕንጸትን ጊዜ ዘመልክት እዩ። ስደት ዘስተውዕሉ ንቃል አምላኽ ዝሰምዑ፥ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ዝፈልዩሉ ኩነት ፈጢርሎም። ድሕሪ ስደት ዘሎ ጊዜ ንእስራኤላውያን ፍሉይ ርድኢትን መንፈስን ከም ዘሕድሩ ገርዎም ነቲ ብነብያት ዝንገሮም ዝነበረ ብዝያዳ ከስተውዕሉን ክሰምዑን ሓጊዙ ከምኡ መጸዋዕታ አምላኽን ንኹሉ ደቂ ሰብ ከምዝኾነ ክርድኡ ሓጊዙ። በዚ ኸአ ነብይ ኢሳያስ አብ ክንዲ እግዚአብሔር ኮይኑ ቤተይሲ ንኹሎም አሕዛብ ቤት ጸሎት ተባሂሉ ኺስመ እዩ፥ ወጻእታኛታት ንአምላኽ ዘፍቅሩን ዘገልግሉን ንትእዛዛቱ ብእምነት ንዝሕልዉ ብሓጎስ አብ እምባ አምላኽ ከምጽኦም እዩ። አብ ሰማያዊ አምልኾ ምስ ህዝበ እስራኤል ክጽንበሩ እዮም ይብል። እዚ ኹሉ ዝሕብሮ ንሓበራዊ ድሕነት፥ ናይ ንጽሕና አድላይነትን ፍጻሜ ተስፋን ብምጽአት እቲ ትስፍው መሲሕ ከምዝፍጸም ይነግር።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ማቴዎስ 15 ዝተነብ እውን ናይ አምላኽ ሓባራዊ ናይ ድሕነት ስራሕ  ንኹሉ ዝተዋህበ ከምዝኾነ ዝገልጽ እዩ። አብዚ ብዛዕባ አብ መንጎ ኢየሱስን ከንአናዊት ሰበይቲ ዝተገብረ ዝርርብ አብነት ክኾነና የቕርበልና።

ኢየሱስ ናብ ወሰን ምድረ ጢሮስን ሲዶናን ምስ አልገሰ ሓንቲ ከንአናዊት ሰበይቲ ካብ ወሰናስን እቲ ምድሪ መጺአ ሓንቲ እትፈትዋ ጓላ ብጋኒን ተታሒዛ እትሳቐ ዝነበረት ከሕውየላ እናለመነት ደድሕሪኦም ትኸይድ ከም ዝንበረት ይነግረና። ሓዋርያት ዓው ኢላ ትልምን ስለ ዝነበረት ዘረብአ ለምንአ ጸሊኦም ስቕ ክትብል ደልዮም፥ ኢየሱስ እውን ዋጋ ከሊእዋ ሱቕ ኢሉ ከምዘይሰምዓ ይኸይድ ነሩ። አብዚ ኩሉ እቲ ኢየሱስ ዝበሎን ዘርአዮን ሓደ ካብቲ ንአእዛና ዘደንጹ ምናልባት ዝተረረ ቋንቋ አብ ወንጌል እንረኽቦ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ ተልእክኡ ንአይሁድ እምበር ንኻልእ ከምዘይኮነ ብዘይካ ናብተን ዝጠፍአ አባግዕ ቤት እስራኤል አይተለአኽኩን ኢልዋ ዝገደደ ኸአ ጎይታይ ርድአኒ እናበለት ቀሪባ እና ሰገደትሉ እንከላ እንጌራ ውሉድ አልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ አይኮነን ኢልዋ። እዚ ዝሕብሮ አይሁድ ንከንአናውያን ክሳብ ክንደይ አትሒቶም ከም ዝርእይዎም ዘመልክት እዩ። እታ ሰበይቲ ነዚ አጸቢቓ ትፈልጦ ነራ አይገረማን። ብርግጽ ናይ ንዕቀት ቃል እዩ፥ አኽላባት ዝኾነ አብ ምድሪ ወዲቑ ዝጸንሖም ሥጋ ዝበልዑ እዮም። አረማውያን ዝኾነ ነገር ከም ሓሳማ ዝሓለቐ እንስሳ፥ ዝረኸሰ እንስሳ ስለ ዝበልዑ እዩ ከም አኽላማት ዝርእይዎም ዝነበሩ።

ኢየሱስ ስለምንታይ እዩ ነዛ ሰበይቲ ካብ መጀመርያ ክሕግዛ ዘይደለ? እቲ መልሲ ብዙሕ እዩ ምናልባት ንእምነታ ክርኢ ኢሉ ኡኸውን እዩ። አምላኽ ኩሉ ጊዜ ሓደ ነገር ክገብረልና ምስ ደለየ ካባና ሓደ ነገር ክንገብር ይደሊ (ካብ ዘርኢ እድሪ እትንእስ እምነት ክነርኢ ይደሊ ማቴ 17፡20)። ምሕረት አምላኽ ክንረክብ እታ ዝነአሰት ነገር ካባና እትሕተት እምነት አብ ኢየሱስ ክርስቶስ እነርእያ እያ።

አብ መጀመርያ እታ ሰበይቲ ካብቶም መሬቶም ብእስራኤላውያን ዝተሓድጉ እሞ ከም ዘይንጹሓት ዝሕሰቡ ስለ ዝነበረት ክዛረባ ወይ ክምልሸላ አይደለየን። እንተ ኾነ እዛ ከንአናዊት ሰበይቲ በዚ እናከደ ዝሰብኽ ሰብአይ ብዝበሎ አይሰንበደትን ካብቲ እትደልዮ ምሕታት አይተዓግተትን። ኩሉ ዝተባህላ እኳ ዓንቃፍን ዓጋትን እንተ ነበረ አይተሓለለትን እኳ ድአ ንልቢ ኢየሱስ ዝቕይር ቃላትን ግብርን እምነትን አርእያ። ንሳ ምናልባት ነዚ አብ ቅድሚአ ዘዋርዳን ዝጸርፋን ዘሎ አይሁዳዊ ሰብአይ ሓንቲ ፍቕሪ አይነበራን እንተኾነ ንሱ ንጓላ ከሕውየላ ከም ዝኽእል ስለ ዝአመነት ንስምዒታን ርኢቶአን ንጎኒ ሓዲጋ አብኡ ቀሪባ ቐጺላ ለሚናቶ። አብ ቤት እተፍቅራ ጓላ ብጋኒን ትዋርድን ትሓምምን ሓዲጋ መጺአ ስለ ዘላ ምእንትአ ዝኾነ ጸርፊ ውርደት ክትጸውር ደልያ። በዚ ኸአ ሓንቲ ካብቶም ብፍሉይ አብ ውንጌል ዝርአዩ ሰባት ክትከውን በቒዓ። አብ ቅድሚ ኢየሱስ እናሰገደት ንዒንቱ አብአ ከም ዝጥምታ ገራተን እወ ጎይታይ አኽላባትውን እምበር ካብ መአዲ ጎይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም በለቶ።

ኢየሱስ ብመልሳ ተገሪሙ፥ ተማሪኹ ከም ድላያ ከም ዝምልሰላ ገራቶ። በቲ ዝበለቶ ዝለዓለ አድንቖት እና ገለጸ አቲ ሰበይቲ እምነትኪ ዓቢ እዩ ከምቲ ዝደለኽዮ ይኹነልኪ ኢሉ መለሰላ። እምነታ ምኽንያት ምሕዋይ ጓላ ከም ዝኾነ ይገልጽ፥ ቀጻልን ትኩረት ዝመልኦ ልመንአን ጽንዓታን ብኢየሱስ ከም እትኽሓስ ገርዋ። አብዚ እንርእዮ ሓዲስ ዘመን ሓዲስ ምዕራፍን አብ ርድኢት እምነት ማለት አብ ክንዲ አብ ሕጊ ምሕላው ጥራሕ አብ ጸጋ አምላኽ ምምስራት ቀንዲ ከም ዝኾነ ንርኢ። አብ ሓዲስ ኪዳን ሓደ ሕሙም ክሓዊ እንከሎ ምልክት ምጽአት መስሕ አብ ግብሪ ይርአ ከም ዘሎ ዝነግር እዩ። እዚ ምሕዋይ ናይ ከንአናዊት ሰበይቲ ዝገልጾ አብ መጨረሻ እቲ መሲሓዊ ትጽቢት አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተፈጸመ ዝነግር እዩ።

ሎሚ እውን ኢየሱስ ምሳና አሎ ከምዛ ከንአናዊት ሰበይቲ ዓው ኢልና ወዲ ዳዊት መሓረና እናበልና ንለምኖ። ኩልና ከምዛ ከንአናዊት ሰበይቲ ዝተፈላለየ ምሕረት የድልየና አሎ። ሓንቲ ካባና እትድለ ዘሎና እምነት ገሊጽና ምኽአል ጥራሕ እዩ።

ቀዳመይቲ ንባብ ካብ ሮሜ 11 ድሕነት ንኹሎም አሕዛብ ዓለም ከም ዝኾነ ቅ. ጳውሎስ እቲ መምህር አሕዛብ ይገልጾ። ጳውሎስ አብ ሕይወቱ ባዕሉ በቲ ዝተንሥአ ክርስቶስ ዝረኸቦን ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጊዙ ዝገበሮ ብምርአይ ንሰማይዊ መደብ ድሕነት ብተአዝዞ እዩ ስዒብዎ። ዓለቱ ዝኾኑ እስራኤላውያን ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም መድኃኒን መስሕን ብዘይምቕባሎም ብጣዕሚ እዩ አጉህይዎ፥ ግን ተስፋ አይቆረጸን። ንእኡ ውድቀት እስራኤል ግዝያዊ እምበር መወዳእታ አይኮነን። ተስፍኡ አብቲ ምሉእ ዝኾነ ፍቕሪ አምላኽን አብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረቱን እዩ። አምላኽ ንህያባቱ አየሕድግን ወይ ንሕርየቱ አይቅልብስን እዩ። ንሱ ሓቀኛን እሙንን አብ ቃሉን ተስፍኡን እዩ።

ጳውሎስ ቀጺሉ ውድቀት ወይ እምቢትነት እስራኤል ከመይገሩ ንአሕዛብ ንክርስቶስ ኢየሱስ ክቕበሉ ከም ዝጠቐመን ንእስራኤ ግን ጽልኢ ከም ዘካውሱ ከም ዝገበሮም ይነግር። ብርግጽ ንሱን ብጾቱን ንአረማውያን አብ ክርስቶስ ክመልሱ ዘይተጓነፎም ጸገም ወይ ጽልኢ አይነበረን። ንሱ አይሁዳዊ ንአረማውያን ወይ አይሁድ ንዘይኮኑ ድሕነት ብኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዝመጽእ እናበለ ምሂሩ። ብዙሓት አረማውያን ዝነበሩ ንኢየሱስ ተኸቲሎም። ነዚ ምስረአየ ውድቀት እስራኤል ነዚ ካብ ዘምጽእ ኩሎም ብሓባር እንተ ዝኸኑ ድአ ክንደይ ዝበለጸ ፍረ መርአየ እናበለ አድንቖቱ ይገልጽ። ካልእ አብዚ ክንርድኦ ዘሎና አምላኽ አይጸልእን እዩ፥ ወላእኳ ንሕና ንኽሓዶ ንሱ ኩሉ ጊዜ ምስ አፍቀረና እዩ።

አብ ሓደ ዝንገር ትምህርቲ ሓዘል ጽውጽዋይ ሓደ ወጣም ሰብ አብ መንግስተ ሰማይ ንቅ. ጴጥሮስ ከምዚ እናበለ ሓተቶ። ክንደይ ዝኾኑ ሂንዱ አለዉ አብ መንግስተ ሰማይ? ቅ. ጴጥሮስ ወላ ሓደ ሂንዱ የለን ኢልዎ። ክንደይ ዝኾኑ አስላምከ አለዉ እናበለ ሓተተ። ወላሕደ የለን እናበለ ቅ. ጴጥሮስ መሊሱ። እቲ ሰብአይ እናገረሞ ክርስትያን ጥራሕ አለዉ ማለት ድዩ አብ መንግስተ ሰማይ እናበለ ሓተተ። ወላ ክርስትያን እውን የለዉን እናበለ መለሰ ቅ. ጴጥሮስ። እቲ ሰብአይ ክንደይ ዝኾኑ ካቶሊካውያንከ አለዉ እናበለ እንደገና ሓተተ። ወላ ሓደ ካቶሊካዊ የለን እናበለ መለሰሉ። ቀጺሉ ቅ. ጴጥሮስ መንግስተ ሰማይ ናይ ውሱናት ሰባት ወይ ጋንታ አይኮነንን። አብ መንግስተ ሰማይ ፍልልይ ዝብሃል የለን ሂንዱ አስላማይ ክርስትያን ቡዲስት ካቶሊክ ዝብሃል የለን። ኩሎም አብ መንግስተሰማይ ክአትዉ ቅቡላት እዮም፥ አብኡ ኩሎም ደቂ አምላኽ እየሞ ኢልዎ።

ንሕና ተኸተልቲ ክርስቶስ ድሕነትና ብክርስቶስ ከምዝኾነ ንአምን። ብዛዕባ ናይ ካልኦት ድሕነት ብዝርኢ ርድኢትና እንታይ እዩ? ካብ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ድሕነት የለን። ኩሎም ናይ ሎሚ ንባባትና ዝነግሩና አምላኽ ኩሎም ደቅሰብ ንድሕነት ዕዱማት ምዃኖም እዩ። ካቶሊካዊ እምነትና ከም ዘስተምህረና ኢየሱስ ክርስቶስ አምላኽን ሰብን ብትምህርቱን ሞቱን ትንሣኤኡን መገዲ ድሕነት ንኹሉ ደቂ ሰብ ከምዘወፈየ። ወላእኳ አብ ውሱን ጊዜ ታሪኽ ይንበር ትምህርቱን ሕይወቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ንኹሎም ደቂ ሰብ ሓባራዊ አድማዕነትን ዝውታረን አልኦ። ንሱ ነቲ ሓጹር የፍርሶ እሞ ንኹሎም ከም ዝአትዉ ይገብር ንሕና እውን ከምኡ ክንገብር ይዕድመና። ንሱ አብ ዓለት ሃይማኖት ጾታ ሕብረተሰብ ወይ ቁጠባዊ ኩነት ገሩ ፍልልይ አይገብርን እዩ። ብሓቂ ዘገዲስ ነገር እንተሎ አብኡ ምሉእ እምነት ምግባርን ንትእዛዛቱ ምሕላኤን እዩ። አብ መወዳእታ ዓለም በዚ መለክዒ ኢና እንፍረድ። ሓጎስ መንግስተ ሰማይ ንኹሎም ነቶም ብእምነት ዝጸበይዎ እዩ።

አብዚ ብሩኽ ዘመነ ምህለላ እምብአር ቤተ ክርስትያን ካብ መአዲ ድሕነት አምላኽ ዝተገለለ ከምዘየለ፥ ኩልና አብ መንግስቲ አምላኽ ክንሳተፍ ዕዱማት ከም ዝኾና ክንሓስብ አሎና። ኩልና ሓደ ዝኾነ ዕድል ተዋሂብና አሎ ብእምነት ክንምልስ እንተ ኸአልና።

ማርያም ምሉእ ሕይወታ ብእምነት ነቲ አምላኽ ካብአ ዝደልዮ ክትምልሽ እያ ተረኺባ። ከም ዝበልካዮ ይኹን ክትብል እንከላ ንኹሉ ብዓይኒ እምነት ርእያ ከም ዝኽአለት እዩ ዝነግረና። እሞ አብዚ አብ ትሕቲ ጽላላ ኮና አብ እንልምኖ ዘሎና ጊዜ ምስአ ሓደ ኮና ራሕርሓልና ተዓረቐና እናበልና ንለምን።

ብሩኽ ብዓለ ፍልሰታ ለማርያም።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።








All the contents on this site are copyrighted ©.