2017-08-22 15:49:00

ፍልሰታ ለማርያም ነሓሰ 16 2009 ዓ. ም. (8/22/2017)


ሓደ ናይ ከኒሻ ቀሺ ሓደ እዋን አብ መዕቆቢ ዘኻትም ነቶም አብኡ ዝእለዩ ሕፃናት ክርኢ ከደ ነፍሲወከፎም ዝጽልይዎ ጸሎት ክነግርዎ ሓተቶም። ሓደ ካብቶም ሕፃናት ቅድሚ አብኡ እምታዉ አብ ካቶሊካዊ ቤት ትምህርቲ ዝምሃር ዝነበረ አቦና አብ ሰማይ ትነብር ኢሉ ምስ ወድአ ሰላም ንአኺ ኦማርያም ኢሉ ጅምር ምስ አበለ ወዮ ቀሺ ትርር ብዝበለ ቃላት ጽናሕ ጽናሕ ብዛዕብአ ክንሰምዕ አየድልን እዩ አብ ጸሎተ ሃይማኖት ሕለፍ ኢልዎ። እቲ ንእሽቶይ ቆልዓ ከም ዝበሎ ጀመረ እንተ ኾነ አብቲ ካብ ማርያም ተወልደ ዝብል ምስ በጽሐ ስግ በለ እሞ እንደገና ሕጂ ኸአ መጺአ. . ሕጂኸ እንታይ እየ ክገብር በለ ይብሃል።

ብርግጽ ብዘይ ማርያም ኢየሱስ አይምተዋህበናን ስለዚ ክንፈላልዮም አይግባእን፥ ኩሉ ጊዜ “ምስለ ፍቁር ወልዳ” ኢና እንረኽባ። ሎሚ ዘኪርናዮ ዘሎና ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ብዓላት ማርያም ፍልሰታ እዩ። ቀንዲ ምስጢሩ ኸአ ማርያም ምድራዊ ሕይወታ ወዲአ ብነፍስን ብሥጋን ንሰማይ ዝፈለሰትሉ እዩ። አብ ነፍሲወከፍ ዓመት ንክልተ ሶምን እናጾምናን እናተማህለልና እንቀራረበሉ ፍሉይ ምስጢር እምነት ዝሓዘ ብዓል እዩ። እዚ ብዓል ነቲ ንነፍስወከፍን ዝጽበየና ዘሎ ትንሥኤ መቕድም አፍልጦና እዩ።

ሓደ ዝንገር ጽውጽዋይ ብዛዕባ ፍልሰታ ለማርያም አሎ። አብ ትውፊት ከም እንረኽቦ ማርያም አብ ኢየሩሳሌም (ወይ ኤፈሶን) ከም ዝሞተት አብ ጊዜ ሞታ ኩሎም ብሕይወቶም ዝነበሩ ሓዋርያት አብኡ ተረኺቦም ብዘይካ ቶማስ ንሱ ኸአ አብ ህንዲ ይሰብኽ ስለ ዝነበረ እዩ። እንተኾነ ብተአምራት አብቲ ሓዋርያት ዘለውዎ መጺኡ ንሬሳ ማርያም ክርኢ አጥቢቑ ሓቲቱ። አብ መቓብር ምስ ከዱ ንኹሉ ዘገረመ ብዘይካ ክዳውንታ እቲ መቓብር ጥርሑ ጸኒሑ ይብሃል።

ፍልሰታ ለማርያም ዓምዲ እምነት እዩ። ብኅዳር 1 1950 ዓ.ም. ፕዮስ መበል XII አብ ሓዋርያዊ አዋጆም  (Munificentissimus Deus) አብ ዝብል ብአምላኽ ዝተገልጸ ዶግማ አዊጆሞ። “አብ መወዳእታ ድማ እዛ ካብ ኩሉ ርስሓት ኃጢአት (አዳም) ነጻ ዝኾነት ንጽሕቲ ድንግል፥ እዚ ምድራዊ ሕይወታ ምስ አብቀዐ ብሥጋን ብነፍስን ናብ ሰማያዊ ክብሪ ተወስደት፥ ብፍጹም ምልአት ነቲ አብ ልዕሊ ኃጢአትን ሞትን ዝተዓወተ ወዳ ምእንቲ ክትመስል ከአ ጎይታ አብ ልዕሊ ኩሉ ንግሥቲ ገቢሩ አማዕረጋ” ይብል።

እዚ ፍልሰታ ለማርያም ዝብል ዶግማ ከም ርድኢትን አበሃህላን አበው አብ አርባዕተ መርትዖታት ዝተመስረተ እዩ፡

ማርያም ብዘይ ኃጢአት ዝተፀንሰት እያ፥ ንሳ ሳዕቤን ኃጢአት ዘይለኸፋ እያ፥ ሥጋአ ካብ ኩሉ ሓባራዊ ሕጊ ግዝአት ነጻ እዩ፥ በዚ ምኽንያት ብዘይ ዝኾነ ምብራስ አብ ሰማያዊ ክብሪ ክሳተፍ ፈሊሱ እዚ ኸአ ብመሰረት እቲ ናይ መጀመርያ መደብ አምላኽ ንደቂ ሰብ እዩ።
ንሳ አደ አምላኽ እያ፥ ስለዚ ምስ ወዳ ብሥጋን ነፍስን ዘመሳስል አልአ።
ወትሩ ድንግል እያ (ቅድምን ድሕርን ምውላዳ)፥ ሰውነታ መወዳድርቲ ብዘይብሉ ብድንግልናዊ ሓድነት ዝተዓቀበ እዩ።
ንሳ አብ ድሕነትና ተሳቲፋት ኮይና co-redemptoris ማለት አብ ናይ ክርስቶስ ናይ ድሕነት ሥራሕ ተኻፊላ/ተሳቲፋ ስለዚ ንፍረ ድሕነት ብምልኡ ተጠቒማትሉ እዚ ኸአ አብ ናይ ነፍስን ሥጋን ክብሪ ዘጠቓለለ እዩ።

እዚ ዶግማ ፍልሰታ አብ ምውዳእ ምድራዊ ሕይወታ ማርያም ብሥግአን ብነፍሳን ንሰማይ ፈሊሳ ከምቲ ሄኖክ፥ ኤልያስን ምናልባት ካልኦትን ቅድሚአ ዝፈለሱ። ማዕረ ማዕሪኡ ክንሕሳቦ ዘሎና ግጉይ ትምህርቲ ንፍልሰታ ዝርኢ አሎ። ገለ ሰባት ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክስን ማርያም ንሰማይ ዓሪጋ ኢሎም ይአምኑ ዝብሉ፥ እዚ ግን ቅኑዕ አይኮነን። ክርስቶስ ጥራሕ እዩ ብገዛ ኃይሉ ንሰማይ ዝዓረገ። ማርያም ንሰማይ እያ ፈሊሳ እዚ ማለት ከአ ብኃይሊ አምላኽ ንሰማይ ተወሲዳ ማለት እዩ። ብናይ ገዛእ ርእሳ ኃይሊ አይገበረቶን። አብ ናይ ፍልሰታ ምህልላ ላቲ ክብር ወስባሕት ወለወልዳ አምልኮ ወስግደት እናበልና ማርያም ክብርቲ ፍጥረት እምበር አምልኾ ከምዘይ ግባአ ንገልጽ።

አብ ራእይ ዮሓንስ ከምኡ ወንጌል ሉቃስ ዘንበብናዮ ክልቲኡ ንድንግል ማርያም ታቦተ ኪዳን ናይ ሓዲስ ኪዳን ከም ዝኾነት ይገልጽ። አብ ራእይ ዮሓንስ 11፡19, 12:6 እታ አብ ሰማይ ዘላ መቕደስ አምላኽ ከአ ተኸፍተት አብታ መቕደስ አምላኽ እውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ እናበለ ይጅምር። እታ ታቦተ ኪዳን ምስታ ሰበይቲ ፀሓይ ዝተወንዘፈት ወርኂ ብእግራ ዝረገጸት ዓሠርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ከም አኽሊል አብ ርእሳ ዝደፍአት እናበለ የነጻጽራ። ንሳ ወዲ ወለደት፥ ንኹሎም አሕዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም ዘለዎ ወዲ ወለደት፥ እቲ ወዳ ኸአ ናብ አምላኽን ናብ ዝፋኑን ተምንጢሉ ተወስደ። እታ ሰበይቲ ድማ ናብቲ አምላኽ ዘዳለወላ ቦታ ናብ ምድረ በዳ ሃደመት። እዛ ሰበይቲ ተባሂላ ዘላ ብርግጽ አምሳል ማርያም እታ ታቦተ ኪዳን ናይ ሓዳሲ ኪዳን ዝኾነት እያ።

አብ ሉቃ 1፡39-56 ማርያም ነፍሰ ጾር እንከላ ንኤላሳቤጥ ዘመዳ ንሳ እውን ነፍሰ ጾር ዝነበረት ክትበጽሓ ከምዝኸደት ነንብብ። እዚ ምስቲ አብ ፪ሳሙኤል 6፡1-23 ዘሎ ዳዊት ንጉሥ ንታቦተ ኪዳን ዘእተወሉ ተመሳሳላይ ኮይኑ ንረኽቦ። አብ ወንጌል (1) ዮሓንስ መጥምቕ ብተሓጓስ አብ ከርሲ አዲኡ እንከሎ ከም ዝተሰራሰረ (2) ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት አደ ጎይታይ ናባይ ክትመጺኸ እዚ ኻበይ ኮነለይ በለት። (3) ማርያም ንሠለስተ ወርኂ ዚአክል ምስ ኤልሳቤጥ ተቐመጠት ዝብል ንረክብ። ብተመሳሳሊ አብ ፪ሳሙኤል (1) ዳዊት ካብ ሓጎስ ዝተላዕለ ክስዕስዕ ንርእዮ (2) ዳዊት ከመይ ኢሉ ታቦተ ኪዳን አብ ገዛይ ይመጽእ እናበለ ብአድንቖት ይዛረብ፥ (3) ታቦተ ኪዳን አብ ቤት ዖቤድ ኤዶም ጌታዊ ሠለስተ ወርኂ ተቐመጠ። ንኽልቲኡ ፍጻሜታት ክነወዳድሮ እንከሎና ማርያም እታ ሓዳስ ታቦት ናይ ሓዲስ ኪዳን እያ።

አብ ብሉይ ኪዳን ታቦተ ኪዳን ሰለስተ ነገራት ዝሓዘ እዩ (1) ክልተ ጸላት እምኒ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓዘ ባዕሉ እግዚአብሔር እግዚአብሔር ዝጸሓፎ ንሙሴ ዝሃቦ፥ (2) ኅብስተ መና መግቢ እስራኤላውያን ካብ አምላኽ አብ ጉዕዞ በረኻ ዝተዋህብዎ (3) በትረ አሮን (ሊቀ ካህናት) ዝጠጠዐት። አብ ሓዲስ ኪዳን ማርያም ሓዳስ ታቦት ንኢየሱስ ዝጾረት እያ፥ (1) ናይ ፍቕሪ ሕግታቱ አብ ልቢ ደቂ ሰብ ዝተጻሕፈ (2) ናይ ሓዲስ ኪዳን ኅብስተ መና ናይ ሕይወት እንጌራ፥ (3) ናይ ሓዲስ ኪዳን አሮን ሊቀ ካህናት እዩ።

አብ ቀዳመይቲ ንባብ 1ቆሮ 15፡20-27 ቅ. ጳውሎስ ብዛዕባ ውድቀትን ድሕነትን ይዛረብ። ከምቲ ኩሎም ብአዳም ዝሞቱ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ሕያዋን ክኾኑ እዮም። በዚ ምኽንያት ኢና ንኢየሱስ ሓዲስ አዳም እንብሎ። እንተኾነ ነዚ ምስ በልና ቀልጢፍና ሓደ ነገር ከም ዝጎደለ ክንግንዘብ ንኽእል። ቀዳማይ ውድቀት ታሪኽ ናይ አዳም ውድቀት ጥራሕ አይኮነን ናይ አዳምን ሔዋንን እዩ። ኢየሱስ ሓዲስ አዳም እንተ ኾነ መንድአ እያ ሓዳስ ሔዋን? ማርያም እያ ሓድስ ሔዋን። ከምቲ ናይ ወድቀት ታሪኽ ብምልኡ ብዘይ ሔዋን ክንገር ዘይክአል ከምኡ ኸአ ምሉእ ታሪኽ ድሕነትና ብዘይ ማርያም ክንገር አይክአልን እዩ። እዚ ማዕረ ማዕረ አብ መንጎ ቀዳሞት አዳምን ሔዋንን ብሓደ ወገን ሓደስቲ አዳምንን ሔዋንን ኢየሱስን ማርያምን ብካልእ ወገን እና አነጻጸርና ክንርእዮ ንኽእል።

አብ ብሉይ ኪዳን እታ ሰበይቲ (ሔዋን) ካብ ጎኒ ሰብአይ አዳም ተፈጢራ፥ አብ ሓዲስ ኪዳን እቲ ሰብአይ (ኢየሱስ) ካብ ሰበይቲ (ማርያም) ተወሊዱ።
አብ ብሉይ ኪዳን እታ ሰበይቲ (ሔዋን) ትእዛዝ እግዚአብሔር አፍሪሳ ነቲ ሰብአይ (አዳም) ከምአ ትእዛዝ ከም ዘፍርስ ገራቶ፥ አብ ሓዲስ ኪዳን እታ ሰበይቲ (ማርያም መጀመርያ ንመልእኽቲ አምላኽ ሕራይ ኢላ፥ ንወዳ ኢየሱስ ከአ ከምኡ ከም ዝብል ገራ አዕብያቶ።
አብ ብሉይ ኪዳን አዳምን ሔዋንን ንአምላኽ ብሓባር ብዘይምእዛዞም ጽቡቕ ዝገበሩ መሲልዎም ተጒሶም። አብ ሓዲስ ኪዳን ኢየሱስን ማርያምን ንድላይ አምላኽ ብምፍጻሞም ተሳቕዮም። ናይ ሓዘን ኲናት ንልቢ ክልቲኦም ወጊእዎ።
አብ ብሉይ ኪዳን አዳምን ሔዋንን ሽዑ ንሽዑ ሳዕበን ዘይ ምእዛዞምም መቕጻዕቲ ወድቀቶም ማለት ኃጢአትን ሞትን ተቐቢሎም። አብ ሓዲስ ኪዳን ብተመሳሳላይ  መገዲ ኢየሱስን ማርያም ሽዑ ንሽዑ ፍረ ተአዝዝኦምን በረኸት ድሕነትን ተቐቢሎም እዚ ማለት ከአ ምልአት ሕይወት ምስ አምላኽ፥ ኢየሱስ ብርዕርገቱ ማርያም ከአ ብፍልሰታ ተጎናጺፎም።

ፍልሰታ ለማርያም ቀንዲ ዘዘኻኽረና እምብአር ማርያም ሓዳስ ሔዋንን ሓዳስ ታቦተ ኪዳን ከምዝኾነት፥ ንድለት አምላኽ ብምእዛዛ ንመድኃኔ ዓለም አምጺአትልና በዚ ኸአ ተሓባባሪት አብ ድሕነትና ኮይና አብቲ ናይ አምላኽ መደብ ድሕነት ተሳቲፋ፥ አብ መወዳእታ ኸአ ናብ ሰማይ ብምፍላሳ ዓስቢ ፍረ ተአዝዞአ ረኺባ።

ስለዚ ፍልሰታ ማርያም መለኮታዊ ህያብ ንማርያም ነቲ ቅዱስን ንጹሕን ሕይወታ እዩ። ብአምላኽ ዝተዋህባ ክብሪ ብትሕትንአ፥ ብእምነታ፥ ብተአዝዞአ፥ ብተሳርፎአ፥ ፍቕራን ንነገራት ብምልኡ አብ ትሕቲ አምላኽ ብምግባራን። እዚ ናይ ነፍስወከፍና ተስፋ ዝጽበየና ክብሪ ግርማ እዩ፥ እዚ ግን አሰራ እንተ ሰዓብና ኢና እንረኽቦ፥ ብኹሉ ንአአ እንተ መሰልና አብቲ ኢየሱስን ማርያም ዘለውዎ ክንአቱ ከምኡ አብ ክብሪ አምላኽ ክንሳተፍ ንክእል። ንሳ አብ ሰማይ ኮይና ክትሕግዘና ክተማልደልናን ክትመርሓናን አብኡ አላ። አብዚ ብሩኽ ዕለት ንወላዲተ አምላኽ አብ እነኽብረሉ ዘሎና ሕይወትና ንክብሪ አምላኽ ዝገልጽ በቲ ኹሉ ዝገበረልና ዝሕጎስ ይግበረልና።

ኦ ማርያም ብሥጋኽን ነፍስኽን ንሰማይ ዝፈለስኪ ንሕና ውን አሰርኪ ተኸትሊና ኩሉ አምላኽ ዝደልዮ እናገበርና ንመገዲ ቅድስና ክንተሓሓዞ እሞ አብ ሕቕፍኽን ሕቕፊ ወድኽን ዘብጽሕ ግብሪ ክህልወና ሓግዝና ለምንልና። ሰላምን ፍቕርን ተስፋ ዘውርድ ብዓል ይግበረልና።

ብሩኽ ዓውደ ዓመት።

አባ ንጉሠ ፍሥሓ  

 








All the contents on this site are copyrighted ©.