2017-08-23 19:37:00

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንዓለም ለኸ ዕለተ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን


ዓለም ለኸ ዕለተ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ዝዝከረሉ ዕለት 14 ጥሪ 2018 እንክኸውን ከም ልማድ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ዕለትዚ ዝምልከት ኣብዚ ዕለታትዚ ስለዝጽሕፉ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ዝሓለፈ 15 ነሓሰ ‘ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ሃንጐፋይ ኢልካ ምቅባል እምበር ገፊፍካ ንዓዳቶም ምምላስ ኣይግባእን’ ክብሉ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ  ሎሚ ብዕሊ ንኩሉ ተዘርጊሑ፣ በቲ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ መግለጺ መሰረት ንሎሚ ጽማቊ ናይቲ መልእኽቲ ክነመሓላልፈልኩም ኢና፣ ኣብ ዝመጽእ መደባትና ከኣ ብዝርዝር ተርጒምና ክነቅርበልኩም ኢና፣

ሕመረት ናይቲ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ‘‘ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ሃንጐፋይ ኢልካ ምቅባል እምበር ገፊፍካ ንዓዳቶም ምምላስ ኣይግባእን’ ዝብል ኮይኑ ቅዱስነቶም ነዙይ ዘሎና ዘመን ብምልክታቱ ክነንብቦ ምናዳ ኸኣ እተን ጐሊሐን ዝረኣያ ‘ካብ ውግእን መሪር ድኽነትን ናይ ዝሃድሙ ብዝሓት ስደተኛታት ኲነታት ብሓቂ ዘሕዝን’ ጥራይ ዘይኮነ ቀንዲ ምልክት ግዝያት ገርና ንውሰዶ፣ እንክብሉ ነቲ በትረ ስልጣን ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ተቀበሉ ኣብ መጀመርያ ቅንያት ተቀዳዲሞም ንላምፐዱሳ ዝገበርዎ ምብጻሕ ስደተኛታት ይዝክሩ እሞ ሽዑ ብኡ ንብኡ ብኣኦም ዝምራሕ ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታት ዝግደስ ማሕበር ከምዘቆሙ የመልክቱ፣ ንወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 25 ብምጥቃስ ከኣ ‘ማዕጾ ገዛና ዝኲሕኵሕ ዝኾነ ወጻእተኛ ንኢየሱስ ክርስቶስ ንምርካብ ወርቃዊ ዕድል ይኸፍተልና’ ንቤተክርስትያን ከኣ ነዙ ምስ ኩሎም ክትካፈሎን ጠበቃ ስደተኛታት ምዃና ክትገልጽን ዓቢ ሓላፍነት ከምዘሸክማ ይገልጹ፣

እዚ መልእኽቲዚ ኣርባዕተ ነጥብታት ዝሓዘ ኮይኑ ኣብ መምርሒ ቤተክርስትያን ተመስሪቱ ከኣ ብኣርባዕተ ዓናቅጽ ይዝርዝሮ፣ ቀዳማይ ምቅባል ጋሻ ዝብል ኮይኑ ‘ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ሃንጐፋይ ኢልካ ምቅባልን ኣብተን ክኣትውወን ዝደልይወን ሃገራት ውሑስን ሕጋውን ዝኾነ ሰፊሕ ዕድል ክወሃቦም’ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ሕጹጽ ጉዳይ ምዃኑ የዘኻኽሩ፣ ልዕሊ ኩሉ ናብተን ዝደልይወን ሃገራት ናይ ምእታው ቪዛ ከም ሰብኣዊ ወይ ናይ ግብረሠናይ ኮይኑ ናይ ስድራቤታት ምትእኽካብ ክሕግዝ ኣለዎ፣ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ዘስግእ ኣከባቢ ዝርከቡ ምናዳ ከኣ ተኣፈፍቲ ንዝኾኑ መተሓላለፊ ኮሪደር ወይ መረባ ክፍጠር ሓደራ ይብሉ፣ ካብዚ ስግር ኢሎም ከኣ ‘ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ገፊፍካ ንዓዳቶም ምምላስ ብዘይመጠን ኣስጋኢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ምናዳ እተን ዝጥረዛሎም ሃገራት ንመሰረታዊ መሰል ደቂ ሰባት ዘየኽብራ እንተኾይነን ከኣ ብዝገደደ ኣደዳ ማእሰርትን ሞትን ምግባሮም ማለት ስለዝኾነ ክብረት ወዲሰብ ማእከል ዝገበረ መሪሕ ተኣንጊብካ ግላዊ ውሕስነት ናይ ነፍሲወከፍ ንሃገራዊ ውሕስነት ከምዝቅድሞ ክንዝንግዕ የብልናን ይብሉ፣

እታ ካልአይቲ ዓንቀጽ ‘ምክልኻል’ ኮይና እዚ ከኣ ነቲ ዝተቀበልካዮ ስደተኛ ካብ ሓደጋ ክትሕልዎ ክትከላኸለሉ ከተዕቊቦ ከምዘሎካ ዘመልክት እዩ፣ ሽሕ’ኳ እዚ ሓለዋ እዚ ኣብ ገዛእ ዓዶም ክጅምር ኣንተነበሮ ኣብቲ ዝተቀበሎም ምድሪ ስደት ክሕሎ ኣለዎ፣ እቶም ስደተኛታት እውን ብግዲኦም ዘበርክትዎ ብዙሕ ነገራት ክህልዎም ስለዝኽእል ኣብታ ዝተቀበለቶም ሃገር ብነጻ ዝንቀሳቀሱሉን ክሰርሑሉ ዝከኣል ኩነታት ምፍጣር የድሊ፣ ቅዱስነቶም ኣብዚ ዘስምሩሉ ካልእ ነጥቢ ንትሕቲ ዕድመ ብዝምልከት ካብ ዝኾነ ይኹን ምዝመዛን ዓመጽን ብምክልኻል ብዝተኻእለ መጠን ምስ ስድራኦም ክነብሩ ምሕጋዝ የድሊ ይብሉ፣  ስደትን ምክልባትን ዘስዕቦ ዓቢ ጸገም ናይ ሃገር-ኣልቦነት ሽግር ንምፍታሕ ንዜግነት ዝምልከት ምስ ዓለምለኸ ሕጊ ዝሰማማዕ ሕግን መምርሕን ክገብራ ይምሕጸኑ፣

እታ ሳልሰይቲ ዓንቀጽ ‘ምትብባዕ’ትብል ኮይኑ ኩሎም ስደተኛታት ከም ደቂሰባት መጠን ዝምዕብሉሉን ዝዓብዩሉን ሕልምታቶም ዘግህዱሉን ሜዳ ንክረኽቡ ምሕብሓቦምን ምትብባዖምን ከምዘድሊ ይገልጹ እሞ ኣብ ዝኣተውዎ ዓዲ ሕውሳት ክኾኑን ማዕረ ዕድል ናይ ስራሕ ክወሃቦም ክተሓዋወሱ ጓንነት ከይስምዖም ሓደራ ይብሉ፣ ዓለምለኸ ሓገዝ ከኣ ነተን ንስደተኛታት ተቀቢለን ዘእንግዳ ዘለዋ ድኻ ሃገራት ክሕግዝወን የሰኽኽሩ፣

እታ ራብዐይትን ናይ መወዳእታን ዓንቀጽ ‘ምውህሃድ’ ትብል ኰይና ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝፍጠር ውህደት ኣብ ቦታኡ እንከሎ እዚ ውህደት እዚ ግን ሰባት ኣብ ባህልን ቋንቋን ናይቶም ዝቅበልዎም ተዋሒጦም ከይተርፉ ዝገደደ ከኣ መንነቶም ከይርስዑ ባህሎምን ቋንቋኦምን ቀጥ ኣቢሎም ሒዞም ምስቶም ዝቅበልዎም ክወሃሃዱ ኣለዎም፣ እዚ ጉዕዞ እዚ ነዊሕ ግዜን ዓቅልን ሕድሕዳዊ ምቅብባልን ዘድልዮ ስለዝኾነ ትዕግስቲ የድልዮ። ምናልባት ከቀላጥፎ ዝኽእል ካብ ቅድመ ኩነታዊ ሕቶታት ቁጠባን ቋንቋን ነጻ ዝኾነ ዜግነት ምዕዳል እዩ፣ ናይ ምርኻብ ባህሊ ከማዕብሉ ሓደራ ድሕሪ ቢሎም ናብ ኩሎም ፖሎቲካውያን መራሕቲ ዘቅንዔ ጻውዒት ብምቅራብ ኩሎም ነቲ ሕቡራት መንግስታት ዘጽደቅዎ ዓለምለኸ ሕጊ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ሓደራ ይብሉ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.