2017-08-23 19:37:00

ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ምብጻሕ ሃገረ ሩስያ


ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ሰበሥልጣን ሃገረ ሩስያ ብዝገበሩሎም ዕድመ መሠረት ካብ ዝሓለፈ ዕለት 21 ነሓሰ ክሳብ ሎሚ ዕለት 24 ነሓሰ 2017 ዓምፈ ሰፊሕ ምብጻሕ ከምዝገበሩ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ፣

እዚ ንነዊሕ ግዜ ዝተዘተየሉን ር.ሊ.ጳ  ፍራንቸስኮስ ንፈደራላዊት ሩስያ ንክበጽሑ ዓቢ ባብ ዘርሑ ምዃኑ ዝእመነሉን ምብጻሕ እዚ ምስ ላዕለዎት ሰበሥልጣን መንግስትን ሲቭላውያንን ክምኡ እውን ምስ ላዕለዎት ሰበሥልጣን ኦርቶዶካሳዊት ቤተክርስትያን ሩስያ ንምርኻብ እንክኸውን ንብጹዕነቶም ዘሰነዩ ከኣ ብፁዕ ኣቡነ ቪስቫልዳስ ኩቦካስ ኣማኻሪ ናይ ሓዋርያዊ እንደራሴታትን ኣብ ቅድስት መንበር ምስ መንግሥታት ኣብ ዝግበር ርክብ ሓላፍን ነሮም፣ ኣብ ርእሲ እዚ መደብ እዚ ነታ ኣብ ሩስያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እውን ቅርበት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምዝገለጸ ተመልኪቱ፣  ቀቅድሚ ምንቃሎም ብፁዕነቶም ምስ ኣገልግሎት ዜና ታስ ናይ ሩስያ ኣብ ዝገበርዎ ነዊሕ ቃለ ምልልስ ‘እዚ ምብጻሕ እዚ ነቲ ሰበሥልጣን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሩስያ ኣብዚ መጨረሻ ዓመታት ክሳብ እቲ ዓሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ክዩባ ሃቫን ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ፓትርያርክ ኪሪል(ቄርሎስ)ን ዝተገብረ ርክብ ዘበርከትዎ ንምዝካርን ነቲ እዚ ርክብ እዚ ዘበርከቶ ንርክባት ብሓዲስ ዓይኒ ንምርኣይ ዝገበረ እዩ።’ እንክብሉ ኣድላይነትን ኣድማዕነትን ናይዚ ምብጻሕ ገሊጾም ነሮም፣ ኣብቲ ዘካየድዎ ሰፊሕ ቃለ መሕተት ብዛዕባ ህልው ኩነታት ዓለምና ካብ ፕረሲደንት ትራምፕ ናይ ኣመሪካ ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ቨነዝወላን ካልእ ከባቢታትን ዝረኤ ዘሎ ነገራት ብዓይኒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ገሊጾም ነሮም፣

ስለዝኾነ ከኣ ከም መርሓ ግብሮም መሠረት ሰኑይ ዕለት 21 ነሓሰ ንግሆ ምስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ናይታ ሃገር ተራኺቦም ኣማስያኡ ኣብቲ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ካተድራል ፅንሰታ ንጽሕት ድንግል ማርያም ቀዲሶም ድሕሪ ቅዳሴ ከኣ ምስ ወከልቲ ቤተክህነትን ምእመናንን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሞስኮ ተራኾም እሂን ምሂን ምስ ተባሃሉ ኣማስያኡ ምስ ናይ ሞስኮ ፓትርያርክ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ሂላርዮን (ሕርያስቆስ) ዘቮሎኮላምስክ ተራኺቦም።

ሰሉስ ንግሆ ዕለት 22 ነሓሰ ምስ ናይ ሩስያ ወጻኢ ጉዳያት ምኒስትሪ ሚኒስተር ሰርገይ ላቭሮቭ ተራኺቦም እንክዝትዩ ኣማስያኡ ከኣ ምስ ናይ ሞስኮ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኪሪል (ቄርሎስ) ተራኺቦም ሰፊሕ ዘተ ከምዘካየዱ ተመልኪቱ፣ካብተን ኣገደስቲ ርክባት ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ  ፓሮሊን ኣብ ሃገረ ሩስያ ምስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሩስያ ምርኻብ እዩ ነሩ፣ እዚ ርክብዚ ከኣ ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ሩስያ ኣብ ገዳም ዳኒሎቭስክይ ተኻየዱ፣ ብፁዕነቶም ብቀዳምነት ዘቅረብዎ ‘ንሓወይ ኪሪል ፓትርያርክ ሞስኮን ንመላእ ሃገረ ሩስያን ሰላምታይ አቅርብ’ ዝብል መልእኽቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እንክኸውን  ፓትርያርክ ኪሪል እውን ብወገኖም ምስጋናኦም ብምቅራብ ነቲ ፍሉይ ታሪኻዊ ፍጻሜ ብማለት ዝተገልጸ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካብ ከተማ ባሪ ሃገረ ጣልያን ናይ ቅዱስ ኒኮላ ቅዱሳት ቅርያት ንሩስያ ምልኣኽ ናይ ቅድስና ሓድነት ቤተክርስትያን ሓቂ ምዃኑን ከምዘሎን ህያው መግለጺ ምዃኑ ገሊጾም፣ ነዚ ቅዱስ ቅርያት ዛጊት ልዕሊ 2.3 ሚልዮን ምእመናን ከምዝተሳለምዎ ጸብጻባት የመልክቱ፣ ኣብቲ ርክብ ብዛዕባ ሓድነትን ሰላምን ኣብያተክርስትያንን ሃገራትን ምስ ተዛተዩ ብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ ኪሪል ‘ግጭት ንዘለዓለም ኣይነብርን እዩ፡ ቀዲሙ ወይ ድሒሩ ክውዳእ እዩ፣ ኮይኑ ግን ኩሎም ማሕበራውያን ሓይልታት ናብ ግጭት እንተወፊሮም ንሰላም መህነጺ ዝኸውን ኣእማን መን ክኣሪ እዩ!’ ይሓቱ እሞ ኣብቲ ህልው ኩነታት ናይ ሰላም ምፍጣር ክልቲኤን ኣብያተ ክርስትያን ብሕልፊ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኡክርያና ዕርቂ ንምምጻእ ዝግበር ጻዕሪ ኣመጒሶም ኣብ ማእከላይ ምብራቅ እውን ንዝግበር ጻዕሪ ምናዳ ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት ክልቲኤን ኣብያተ ክርስትያን ብሓባር ንዘበርክቶኦ ኣመስጊኖም፣  

ዕለተ 23 ሮቡዕ ንግሆ ምስ ፕረሲደትን ሃገረ ሩስያ ንክራኸቡ ናብ ሶኺ እትበሃል ክፍለሃገር ተጓዒዞም፣ ኣብቲ መንበረ ፕረሲደንት ሃገረ ራሽያ ፑቲን ዝነብረሉ ዘሎ ሶኺ ዝበሃል ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝርከብ ቦታ ዝተኻየደ ርክብ ልባውን ኣዎንታውን ኣብ ርእሲ ምንባሩ ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊንን ፕረሲደንት ፑትንን ጸን ቢሎም ርእይቶ ሓድሕዶም ዝሰምዑሉ ሃናጺ ርክብ ከምዝተፈጸመ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ፣ ኣብቲ ፕረሲደንት ፑቲን ምስ ቫቲካን ዘሎና ርክብ ኣብ ሃንጺ ዘተን ሓባራዊ ሰብኣዊ ክብርታትን ዝተመሥረተ ነሩ ዝበልዎ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ንዓለምና ኣናዊጾም ዘለው ካብ ውግእን ወጥሪ ውግእን ራዕድን ጥሜትን ጀሚሩ ክሳብ ዕርቅን ሰላምን ከምዝተዛተዩ ተመልኪቱ፣

ሓሙስ ዕለት 24 ነሓሰ ኩሉ ዑደቶም ብዓወት ፈጺሞም ናብ መንበሮም ብሰላም ከምዝኣተው ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.