2017-08-23 19:30:00

ተስፋ ክርስትያን ንዘሕዝን ፍጻሜታት ዓለምና ኩሉ ተሸንፍ! ር.ሊ.ጳ


“እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፡ “እነኹ አነ ንኵሉ ነገራት አሐድሶ ኣሎኹ” ፡ ወሲኹ ከኣ፡ “እዚ ቃል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ’ሞ ጸሓፎ” በለኒ። እንሆ ድሮ ተፈጺሙ እዩ፡ ኣነ ኣልፋን ኦመጋን። ቀዳማይን ዳኅረዋይን እየ” በለኒ። “ኣነ ንዝጸምኤ ነቲ ኵሉ ናይ ሕይወት ዓይኒ ማይ ብጥራሑ ክህቦ እየ። እቲ ዚዕወት ነዚ ሃብታት እዚ ኪወርስ እዩ፡ ኣነ ኣምላኹ፡ ንሱ ድማ ወደይ ኪኸውን እዩ። (ራእ 21.5)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣኃትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ክንበብ ኣብ ዝሰማዕናዮ ቃል ኣምላኽ ኣብ ራእዩ ለዮሓንስ ““እነኹ አነ ንኵሉ ነገራት አሐድሶ ኣሎኹ” (ራእ 21.5) ዝብል ተነቢቡልና፣ ተስፋ ክርስትያን ኣብቲ ወትሩ ኣብ ሕይወት ደቂ ሰባት ሓዲስ ነገራት ዝፈጥር ኣብ ታሪኽ እውን ሕዳሴ ዝገብር እግዚአብሔር ኣብ ዘልና  እምነት ይምስረት፣ ኣምላኽና ብሃንደበት ድንቂ ነገራት ዝገብር ኣምላኽ ስለዝኾነ ኣምላኽ ሕዳሴ ዘደንቁ ሓደስቲ ነገራት ዝፈጥር እዩ፣ ከምቲ ሓሳሙ ዝገብርዎ ጉዕዞ ዓይኑ ንላዕልን የማነጸጋምን ቊልሕ ከይበለ ተስፋ ቈሪጹ ምድሪ ምድሪ እናጠመተ ዝኸይድ ክርስትያን ኣይኮነን፣ ጒዕዞ ሕይወትና ኣብ ስጉምትታት ናይ ሒደት ሜትሮታት ከምዝዛዘም ወይውን ሕይወትና ምንም ዕላማን ትርጉምን ከምዘይብሉ ወይውን ኰለል ክንብል ንድኻም ሱቚ ቢልና ንህውተታ ከምዝተፈተጠርና ኮና ምድሪ ምድሪ እናጠመትና ንኸይድ እንተኾና ክርስትያን ኣይኮናን፣ ናይ ቅዱስ መጽሓፍና ናይ መጨረጻ ገጻት ናይ ሓደ ኣማኒ ጉዕዞ ኣበይ ምዃኑ ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ቢሉ የረጋግጸልና፣ እዛ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ከም ዓቢይ ድንኳን ተመሲላ “እቲ ምስ ሰብ እግዚአብሔር ዝኃድረሉ ዱንኳን እንሆ ንሱ ኣብ ማእከሎም ክኃድር እዩ፣ ንሳቶም ሕዝቡ ኪኾኑ እዮም፣ ንሱ ከኣ ኣምላኾም ኪኸውን እዩ፡ ምሳታቶም’ውን ኪቕመጥ እዩ” (ራእ 21.3) ይብል፣ ተስፋ ክርስትያንከስ እዚ እዩ፣ ኵልና ምሳኡ ኣብ ሰማይ ምስ ተኣከብናኸ እግዚአብሔር እንታይ ኮን ክገብር እዩ ቢልኩም እንተሓተትኩም፣ ከምቲ ንነዊሕ ግዜ ንዝጸዓሩን ንዝተሳቀዩን ደቁ ዝቅበል ኣቦ ኣቦ መወዳእታ ብዘይብሉ ሕያውነቱ ፍቅሩን ይቅበለና ይጓስየናን ይሓልየልናን፣ ዮሓንስ ኣብ ራእዩ ከምዚ እናበለ ይንበ ‘እግዚአብሔር ምሳታቶም ኪቕመጥ እዩ ንኩሉ ንብዓቶም ኪደርዘሎም እዩ፡ ድኅሪ ደጊም ሞት ኣይክረኽቦምን እዩ። ደጊም ኃዘን ኮነ ብኽያት ወይ ጭንቂ ኣይክህልዎምን እዩ። ከመይ እዚ ቀደም ሓሊፉ እዩ፣ እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ ፡”እነኹ ኣነ ንኵሉ ነገር ኣሐድሶ ኣሎኹ’’ (21.3-5) ይብል፣ እስኪ ነዚ ክተስተንትኑ ፈትኑ ምናልባት ዘይጭበጥ ከይመስለኩም ከምቲ ወትሩ ዘሕዝን ነገር ዘይሰኣኖም ዕለታዊ  ጋዜጣ ወይ ዜና ተለቪዥን  ምስ ኣንበብኩምን ምስ ረኣኹምን ዝስመዓኩም ርግጽነት ይሰማዕኩም፣ ሰላም ክብለኩም ብማእከልኩም ኣብ ዝሓለፍኩሉ ግዜ ካብ ባርሰሎና ዝመጹ ሰባት ከምኡ ካብ ኮንጎ ዝመጹ ሰባት ሰላም ኢለ ንምጥቃስ ዚኣክል ክንደይ ዘሕዝን ዜናታት ካብዘን ዓድታት እዚኤን ንሰምዕ ኣሎና፣ እስኪ ብዛዕባ እቶም ኣብዘን ዓድታትን ኣብ ካልእ ውግእን ጸገምን ራዕድን ዘለዎ ዓድታት ዝነበሩ ሕጻናት ኣስተንትኑ ዝሓድሮም ፍርሕን ራዕድን ሕሰብዎ ኣደታቶም ዝሻቀላኦን ዘልቅሶኦን ዝጭነቃኦን ሕሰብዎ፣ ክንደይ መንእሰያት ኣይስራሕ ኣይበዓል ኮይኖም ካብ ሕልሞምን ትልሞምን ተዓንቂፎም ኣብ ዘይደልይዎ ስደትን መከራን ብዙሓት ክምዝምዝዎም ክንደይ የሕዝን፣ ሕይወትና ከምዚ ምዃኑ ብጣዕሚ የሕዝነኒ፣

እዚ ኩሉ ክኸውን ግን ሓደ ኣቦ ኣሎና! እዚ ኣቦ እዚ ምሳና ይበኪ ኣሎ፣ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ርሕራሔ ንብዓት ምእንቲ ደቁ ዝበኪ ኣቦ ኣሎና፣ ክበኪ ዝኽእልን ምሳና ዝበክን ኣቦ ኣሎና፣ ንስቃያትና ስለዝፈልጥ ንከጸናንዓና ዝጽበየና ኣቦ ኣሎና፣ ካብዚ ዝተፈልየ ዘለዓለማዊ ታሕጓስን ዕረፍትን ዘለዎ ቦታ ኣሰናድዩልና ኣሎ፣ እዚኣ እያ እታ ዓባይ ራእይ ናይ ተስፋ ክርስትያን፣ ናብ ኩሉ መዋእል ሕይወትና ተዘርጊሓ መስተርሖት ክርህቦና ትደሊ፣

እግዚኣብሔር ንገዛእ ርእሱን ንዓናን ከቢድ ስቃይ ዘለዎ ድቃስ ዘይብሉ ለይቲ ንክነሕልፍ ኢሉ ንሕይወታትና ብጌጋ ኣይፈጠረንን። እኳ ደኣ ሕጉሳት ክንከውን ስለዝደለየና እዩ ፈጢሩና፣ ንሱ ኣቦና እዩ፣ ንሕና ኣብዚ ሕጂ በቲ ንሱ ዝመደበልና መንገዲ ንነብር እንተሃሊና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቦይ ይሰርሕ ኣሎ ኣነውን እሰርሕ ኣሎኹ እናበለ ንድሕነትና ወትሩ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ከምዝሰርሑ የረጋግጸልና፣

ኣብ ምሳሌ ህልውና ደቂ ሰባት ናይ መጨረሻ ቃላት ሞትን ጽልእን ከምዘይኮና ንኣምን! ንፈልጥ ከኣ! ክርስትያን ምዃና ሓዲሽ ጠመተ ይፈጥር፣ እዚ ጠመተ እዚ ብተስፋ ምሉእ እዩ፣ ምናልባት ገሊና ናይ ታሕጉስ ሕይወት ኣብ ጉብዝናን ሕሉፍን ገሩ ዝግምት እሞ ድሕሪዚ ኩሉ እናኣንቆልቆለ ከምዝኸይድ ገሩ ዝግምት ይህሉ ይኸውን፣ ገሊኦም ከኣ ታሕጓስ ግዝያውን ሓላፍን እዩ ጽሕፍቶ ሕይወት ድቂ ሰባት ባዶሽ እዩ ዝብሉ እውን ኣይሰኣኑን፣ እዚኦም ሰባት እዚኦም ዝኾኖ ሓደጋን ጥፍኣትን ከጓንፍ እንከሎ ኩሉ ከንቱ እዩ እናበሉ ሰብ ዘጽምሙ ኣዮም፣ ንሕና ክርስትያን ግን ነዚ ኣይንኣምንን፣ ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ደቂ ሰባት ወትሩ ዘንጸባርቅ ጸሓይ ከምዘሎ ንኣምን፣ እተን ዝሓሻ መዓልታት ናይ ሕይወትና ገና ክመጻ ምዃነን ንኣምን፣ ናይ ቀውዒ ሰባት ኣይኮናን ናይ ጸደይ ብሩህ መጻኢ ሰባት ኢና፣ ሓንቲ ሕቶ ክሓተኩም ደስ ምበለኒ ኮይኑ ግን ነፍሲወከፍ ንሕልናኹም መልሹ ብጸጥታ ዘረባ ኣይደልን። ‘ኣነስ ናይ ቀውዒ ሰብዶ ወይስ ናይ ጸደይ ብሩህ መጻብ ሰብ እየ ኢልኩም ንነፍስኹም ሕተትዋ። ነፍሰይሲ ኣብ ቀውዕዶ ትርከብ ወይስ ኣብ ጸደይ ብሩህ መጻኢ! ክንዲ ነቲ ክረግፍ ዝቀራረብ ዘሎ ቊጽ ቆጽሊ ቀውዒ ንርስዕ ነቲ ዘገርም ነቲ ዝዕምብብን ዝልምልምን ኣቊጽልቲ ጸደይ ንርስዕ፣ ኣብ ጣዕሳን ናፍቆትን ምስቊርቋርን መታን ከይንወድቅ እግዚኣብሔር ነታ ኪዳን ዝኣተወልና ህገር ክንወርስ ከምዝደልየና ፈሊጥና ናይታ ተስፋ ዘይደኽሙ ኣፍረይቲ ንኹን፣ ነታ ኣብ ላዕሊ ዝሓተትኩኹም ሕቶ ኣይትረስዕዋ፣ ናይ ጸደይዶ ናይ ቀውዒ! ጸደይ ዕምባብን ፍረን ዝጽበ ነቲ ጽሓይ ዝኾነ ኢየሱስ ዝጽበ እቲ ሓደ ግን ምስ ጽምልው ገጹ ምድሪ ምድሪ እናጠመተ ወትሩ ምስ ኣንጸርጸረ እዩ፣

ክርስትያን መንግስቲ እግዚአብሔርን ፍቅራዊ ልዑላውነቱን ወላውን ኣብ ማእከሉ ክርዳድ እንተሎ  ከም ሓደ ሰፊሕ ግራት ይዓቢ ከምዘሎ ይፈልጥ ኣዩ፣ ወትሩ ጸገማትን ሕሜታን ውግእን ወረ ውግእን ሕማምን ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ፣ ኮይኑ እቲ እኽሊ ይዓቢ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣቲ ሕማቅ ክእለ ምዃኑ ምሳሌ ጽቡቅ ዘርእን ክርዳድን ምዝካር ይኣክል፣ ብዛዕባ መጻኢ ክንጭነቅ የብልናን ናትና ኣይኮነን ኮይኑ ግን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ዝዓበየ ጸጋ ናይ ሕይወት ምዃኑ ንፈልጥ፣ ገና ኣብዚ ምድራዊ ጉዕዞና ዘሰንየናን ዘጸናንዓናን ዘሎ እግዚኣብሔር ኣብ መወዳእታ ኣብ ሕቊፉ ክቅበለና ይጽበየና ኣሎ፣ ንሱ ምስ ብዙሓት ካልኦት ኣሕዋትን ኣኃትን ኣብቲ ዓቢ ድንኳን እግዚኣብሔርን ደቂ ሰባትን ከብጸሓና እዩ፣ ሽዑ ኣብዚ ምድርዚ ናይ ዘሕለፍናየን ዕለታት ዝኽሪ ክነቅርበሉ ኢና፣ ኣብቲ ግዜቲ ካብቲ ዝሰሓቅናዮ ዝበኸናዮን ሓንቲ እኳ ከምዘይጠፍኤት ምፍላጥ ክንደይ ኮን ክጥዕም እዩ፣ ኣብ ምድሪ ዝነበርና ዝነውሐ ይንዋሕ ኣብቲ ሽዑ ከም ሰምታ ዓይኒ ኰይኑ ክስመዓና ኣዩ፣ ፍጥረት ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት ተመልኪቱ ዘሎ ኣብ ሻድሻይ መዓልቲ ደው ከምዘይበለን እግዚኣብሔር ብኣና ስለዝግደስን ስለዝሓልየልናን ወትሩ ከይደኸመን ከይሰልቸዎን ከምዝሠርሕ ክንዕዘብ ኢና፣ ኣብታ እታ ጐይታ “እነሆ ንኩሉ ነገራት ኣሐድሶ ኣሎኹ” ዝብለላ ሰዓትን ኩሉ ንብዓት ደው ዝብለላን ጊሓትን ኩሉ ኪፍጸም እዩ፣ ኣብቲ ዕለትቲ ንሕና ኩልና ብሓቂ ክንሕጐስ ኣይክነብዕን ኢና ምናልባት ናይ ታሕጓስ ንብዓት ንነብዕ ንኸውን፣








All the contents on this site are copyrighted ©.