2017-08-26 14:18:00

ሰንበት ዘዕጕለ ቋዓት (ነሓሰ 21 2009 ዓ.ም. 8/27/2017 )


ምስባክ፡  ዓይነ ኩሉ ይሴፎ ኪያከ፥ አንተ ትህቦሙ ሲሳዮሙ በጊዜሁ፥ ትሰፍሕ የማንከ ወታጸግብ  ለኵሉ እንስሳ ዘበርዓትከ። “ፍጡራት ኩሎም ብተስፋ ንአኻ ይጽበዩ፥ ንስኻ እውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም። ኢድካ ብልግሲ ትዝርግሕ እሞ ንፍጡር ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ” መዝ. 145፡15-16።

መዝሙር፡ “ዝናም ብግዜኡ ይህበና እኽሊ በረኸት ይጽግወና ክረምቲ ይኸፍተልና ምሕረት የውርደልና በረኸት ዝናም የፍስሰልና፥ ዓይኑ ከፊቱ የማኑ ዘርጊሑ ምሕረቱ ይሰደልና፥ ኅጢአት ኪሓድግ ተፈቒድሉ እዩሞ አዒንቲ ኵሎም ንዓኻ ይስፈዋ በብግዜኡ መግቦም ይቕበሉ፥ መን እዩ እቲ ንባሕርን ንነፋሳትን ዚእዝዞም ጎይታ ሰንበት ስለ ዝኾነ ጨቓውቲ ኳዃትን ዓሣታትን አናብርን ይጽውዕዎ ንሱ ከአ ብታሕጓስን ብሰላምን ሰላም” እናበለ ሓልዮትን ፍቕርን ክርስቶስ ይገልጸልና።

ካብ ነሓሰ 10-28 (ማኅበረ በኵር) ዘሎ ሰናብቲ አብርሃም፥ እጓለ ቋአት፥ ደሰያት፥ ዓይነ ኩሉ እናተባህለ ይስመ። ከም አተሓሳስባ ልጡርግያና ክረምቲ ካብ ሰነ 26 ክሳብ መስከረም 25 ዘሎ ጊዜ እዩ፥ ስለዚ ጌና አብ ጊዜ ክረምቲ ኢና ዘሎና፥ ነዚ ዘሎናዮ እዋን ፍሉይ ዝገብሮ ብዓለ ፍልሰታ አብ 16 ነሓሰ ስለ ዘብዓልና አብዚ እዋን እውን አሰር ማርያም ተኸቲልና ንሰማይ ዘበቅዕ ሕይወት ሒዝና ክንጉዓዝ የዘኻኽረና። እዚ እዋን ኩሉ ዝሕጎሰሉ ሰዊት ፍረ ዝርአየሉ ሰብን እንስሳን ዘመስግኑሉ እዋን ስለ ዝኾነ ሕጉስ ሕይወት ክንለብስ ይሓተና። አብ ሕይወትናን አብ ሕይወት ካልኦትን ሓጎስ ክንፈጥር ድላይ አምላኽ እዩ። ምሉእ ሓጎስ ምስ አምላኽ ምስ እንኸውን ጥራሕ እዩ ዝርከብ።

አብ ምውዳእ ዓመት እናተቐራረብና አብ ዘሎናሉ እዋን አብ አምላኽ ክንምለስ ዝሕግዝ ንባባት ኢና ሰሚዕና። ቅዱስ አቦና ዮሓንስ መበል 23 ሓደ እዋን “ክርስቶስ ብዳግም ክመጽእ እንከሎ ከመይ ኮና ክንጸንሖ ይግባእ ኢሎም ምስ ሓተትዎም” “ኩሉ ጊዜ ዝተጸመድኩም ኩኑ” ኢሎም መሊሶም። አምላኽ ክመጽእ እንከሎ ተሰናዲና አብ ጽቡቕ ነገራት ተጊህና እናዓየና ከሎና ክንጽንሖ ይግብአና። አብ ስራሕ አልቦ ከሎና ከይመጽእ ክንጥንቀቕ አሎና። እዚ ማለት ከአ ብእምነትና ድኹማትን አመት ዘይብልናን ከሎና ክመጽአና የብሉን። እምነት ዝመልኦ ሕይወት ሒዝና ክንጸንሕ አሎና።

ሰብ ካብቲ ሎሚ ብዙሕ አጸጊምዎ ዘሎ ንአምላኽ ዝኸውን ጊዜ ይስእን አሎ። አብ ሸበድበድን አብ ምድላብ ሃብቲ ክጎይን ሃነፍነፍ ክብልን ይርአ ሽዑ ንመጻኢ ሕይወቱ ዝኾነ ከይሓዘ እንከሎ መጸዋዕታ ትአክል እሞ አብ ተስፋ ቍርጸትን ዋሕዲ እምነት አንከሎ አብ ቅድሚ አምላኽ ይቐውም። አብዚ ዘሎናዮ እዋን ነዚ ነገራት ዓው ኢልካ ምዝራብ ዳርጋ ተሪፉ ይመስል ንሰብ በቲ ዘለዎ ሕይወት ክሕጎስ ደፊርካ ግጉይ መገዲ ሒዝካ አሎኻ ተመለስ ተመለሲ ስአን ምባል ዘኽበርናዮም መሲሉና ሱቕ ኢልና ንአይ አይጽልአኒ እምበር ዝገብሮ ንእኡ ይምልከት እናበልና ሓውናን ሓፍትናን ንመገዲ ጥፍአት እናኸዱ ሱቕ ኢልና ንርኢ አሎና።

አብ ጉዳይ እምነት ደፋራት ክንከውን አሎና። ንሓቅን ንድላይ አምላኽን ክንምስክር ትሑዛት ኢና። ከም ዮሓንስ መጥምቕ ንንጉሥ ከይተረፈ ንዝገብሮ ጌጋ ክነግሮ አሎና። ፈሪሕና ወይ ጥቕምና ከይጎድለና ወይ እውን እንታይ ገደሰኒ ኢልና ሰባት ሕይወቶም ዓንቃፊ ክፍአት ዝመልኦ እንከሎ ሱቕ እንተ በልና ንሕና እውን ተሓባበርቶም ኢና። ደፊርና ካብቲ ዝነብርዎ ሕይወት ንአብነት ብዘይ ቃል ኪዳን ንዝነብሩ፥ ሓመይቲ፥ አብ ዝርጋንን ምስኡ ዝኸይድ መስተ ድራግ ዝአመሰሉ ዝነብሩ፥ ሓሰውቲ፥ አብ ቅድሚ ሰብ ንፉዓትን ለባማትን ዝመስሉ ግን ካልእ ሕይወት ዝነብሩ ደፊርና ክንዛረቦም ይግብአና። አብ መልእኽቲ ዮሓንስ ነዚ ብዝርኢ ከምዚ ዝብል ንረክብ “ዝኾነ ይኹን ትምህርቲ ክርስቶስ ከይኃዘ ናባኻትኩም እንተ መጸ አብ ቤትኩም አይትቀበልዎ ሰላምውን አይትበልዎ፥ ከመይ እቲ ሰላም ዚብሎ አብቲ እኩይ ግብሩ ኃቢርዎ እዩ” (2ዮሓ 1፡10-11) ይብል።

አምላኽ ዝደልዮ ሕይወት ክንመርሕ ጽዉዓት ኢና፥ ነዚ ክንገብር አብቲ ቃሉ ዝብለና ብምሉእ ክንእለኽ አሎና። ምስ ክርስቶስ ቀጻሊ ዝኾነ ዘተ ሃልዩና አብ ቅድሚኡ እሙናት ኮና ንካልኦት አብነት ዝኸውን ሕይወት ክንመርሕ አሎና። ጸዋዕታና ንዓለም ብርሃን ክንከውን እሞ ንሓቅን ንጽድቅን እትአምን ዓለም ክንሃንጽ እዩ። አብ ጸልማት ንዘሎ ሕልና ብርሃን ድሕነት እንዅልዓሉ ንሓና ኢና። አብ ሓዲስ ዓመት ነዚ ከዘኻኽረና ሆየ ሆየ እናበልና ንዓድና መብራህቲ ሒዝና ንዘውር እሞ ነዛ ዓመት ከመይ አሕሊፈያ ብርሃን እናህብኩዶ ወይስ ዘንጊዔ አብ ሕይወት ሰባት ጸልማት እናአእቶኹ ኢልና ንርእስና ንሕተት። ዓለም ሎሚ መቐረት ጣዕሚ ክርስትና ጠፊእዋ አብ ሰንፈላልን አብ ጥልመትን ትርከብ አላ፥ እዚ እንርእዮን እንሰምዖን ዘሎና ሓቂ እዩ። ክርስትያን መስካሪ እምነቱ ምዃኑ ሓዲጉ ከምንፋስ ዝወቕዖ የማን ጸጋም ይላኻዕ አሎ። ርግእ ንበል ልቦና ዝመለኾ ሕይወት ሒዝና ዓድናን ቤተ ክርስትያናን ነኽብር ሽዑ ቅሳነት ሰላም ክነግሰና እዩ።

ጌጋ ጨሪሽና ክንገብር አይግብአናን ምኽንያቱ ብእምነት ብዙሕ ተዋሂብና አሎና ብዙሕ ከአ ክንሕተት ኢና። መንግስቲ አምላኽ ክንሃንጽ ብመድሕና ዝተዋህበና ዓቢ እምነት እዩ። ብሕወትናን ብስብከትናን መንግስቲ አምላኽ አብ ልቢ ሰባት ክአቱ ከምኡ ነቶም ዘይሰምዕዎ ክነግሮም ተልእኮና እዩ። ስብከተ ወንጌል ንውሑዳት ካህናትን ማሕበራትን ዝሕደግ አይ ኮነን ኩልና ብጸጋ ጥምቀት አብ ማኅበር ክርስቶስ ዝአቶና እንለብሶ ሓላፍነት እዩ። እዚ ዝበለጸን ዓቢ ሓላፍነትን እዩ።

ቃል አምላኽ አብ ኩሉ ልቢ ክአቱን ክስምዓን ክንገብር፥ ምስጢር አምላኽን ፍቁርን ክነግር እዋኑ ይሕግዘና እዩ። አብ ቅዱስ መጽሓፍን አብ ሕይወት ቅዱሳንን ከም እንርእዮ ጉዕዞ እምነት ነውሕን ተጻብኦ ዝበዝሖን እዩ፥ ነቲ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ክነቋርጽ ከም ፈተናን ጸላእትን ኮይኖም ዝቐርቡና ብዙሓት እዮም። መድኃኒና ኩሉ ጊዜ ንቝሓት ኮና ክንጽበ ይነግረና። “ሰራቒ ዝመጽአላ መዓልቲ አይትፍለጥን እያ እሞ ንቕሑ” ይብለና።

ሓደ ሃብታም አመሪካዊ አብ ቫቲካን ክዛወር ዕድል ረኺቡ ከምኡ አብቲ ጳጳስ አብ ጊዜ ሓጋይ ዘዕርፉሉ አብ ካስትል ጋንደልፎ እውን ወሲዶሞ አብኡ ፍሉይ ቤት ጽሕፈት ጳጳስ እውን ክአቱ ክኢሉ። አብቲ ናይ ጳጳስ ቤት ጽሕፈት ሓንቲ ወርቃዊት ተለፎን ርእዩ ከምኡ በዛ ተለፎን አብ አምላኽ ብቐጥጣ ክድውል ትኽእል ኢሎሞ። ክጥቀመላ ዝኽእል እንተ ኾነ ምስ ሓተተ ግን ፍርቂ ምልዮን ክከፍል ከምዘልኦ ተነጊሩ ስለዚ አይደወለን። ሽዑ ንእግረ መገዱ ብአየርላንድ ካብቲ አብሓጎታቱ ዝመጽእዎ ክርኢ ብእኡ ሓሊፉ አብ ሓንቲ ቍምስና አላጊሱ ነቲ ቆመስ መዝገብ ከርእዮ እና ሓተተ አብ ቅድሚኡ አብ ቤት ጽሕፈት ቆመስ እንደገና ወርቃዊት ተለፎን ርእዩ። ልክዕ ከምታ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብቐጥታ ናብ አምላኽ ክድውል ከምዝኽእል ነጊሮሞ። ክንደይ ከም ዝኸፍል ምስ ሓተቶም 12 ሰናቲም ንሰለስተ ደቒቕ ኢሎሞ። ብምግራም አብ ቫቲካን ፍርቂ ምልዮን ከኽፍሉኒ ደልዮም ነሮም ከመይ ኢሉ አብዚ ሓሲሩ እናበለ ብምግራም ንቆመስ ሓቲቱ። ቆሞስ እወ ከምእዩ እዩ ግን አብዚ አብ ውሽጢ ሃገር ኢኻ ትድውል ዘሎኻ ኢልዎ ይብሃል።

ምስ አምላኽ ምርኻብ ከም ሓደ ተለፎን እንድውሎ ክሳብ ክንድኡ ቀሊል ድዩ? አምላኽ ክራኸበካ/ኪ ፈቲኑዶ ይፈልጥ? አምላኽ ተለፎን ገሩልካዶ/ኪዶ ይፈልጥ? እወ አምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ይራኸበና። እቲ ሕቶ ንሰምዕዶ እዩ። መደበር ራድዮታት 24 ሰዓት ይዛረባ እየን እንተ ሰማዕናየን ጥራሕ እዩ ከምዚ ተባሂሉ ክንብል እንኽእል እምበር ብስም አብ አየር ፈነውኦ ተሰሚዑ ማለት አይኮነን። አምላኽ ዕለት ዕለት ይዛረበና እዩ ግን ንሕና እንተ ሰማዕናዮ እዩ እቲ ቁምነገር። አብ ወንጌል “ሓቛቝኹም ዕጡቕ መብራህትኹም ብሩህ ይኹን” (ሉቃ 12፡35) ይብለና።

አብ ገለ እዋን ብዘይተጸበናዮ መገዲ ገሩ ይራኸበና። “ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብክምዋ ጊዜ ኪመጽእ እዩ እሞ ዝተዳለኹም ኩኑ” (ሉቃ 12፡40) ይብለና። አምላኽ ብዘይ ተሓስበ ጊዜን ብዘይተጸበናዮ መገድን ይጽውዓና። ነፍስወከፍን አምላኽ ዝዛረቦ አሎና ገሊኡ እዋን ክንርእዮ የጸግመና እና አንጸርጸና አምላኽ ካባይ እንታይ ይደሊ አሎ ኢልና አምሪርና ንሓትት። ብጸሎትን ብትዕግስትን ንነገራት አብ አምላኽ እንተ አንበርና ዘይፍታሕ ጸገም ዘይስገር ፈተና የለን ሓንትስ ትዕግስትን ጸሎትን ንግበር።

ሓደ ካብቲ ዓመት ክውዳእ እንከሎ ክንገብሮ ዝግብአና ንርእስና ዝኸውን ጊዜ ወሲድና ምስ ነፍስና ክንዛረብ ከመሎኹ ዘጉደልክዎ እንታይ አሎ? ክገብሮ ዝግብአኒ እሞ ብሕመቐይን ብኽፍአተይን ዘይገበርክዎ እንታይ አሎኒ ኢልና እንሓተሉ እዋን እዩ። ምሕታት ጥራሕ ዘይኮነ መልሲ ሂብና ክንክእል እሞ ክንገብሮ ዘሎና ክንገብር አሎና። አፍደገ ዓመት ክትዕጾ ቀሪባ አላ ምስ ዕዳና ኸሎና ንሓዲስ ዓመት አይንእተዎ። ዓመትና አምላኽ ሒዝና ተሓዲስና ምስ ሓዲስ መንፈስን ተስፋን ንጀምር።

አብ ታሪክ ሓዲስ ዓመት ክአቱ እንከሎ እሱራት ይፍትሑ ብኡሳት ይዕረቑ ብዙሕ ነገራት አብ ጽቡቕን ዘሓጉስን ነገራት ይልወጡ ብሓቂ ጽቡቕ ባህሊ እዩ። ሎሚ ከምትማሊ ንሕና እውን ካልኦት ክገብርዎ ዘለዎም ክንርኢ ዘይኮነ ንሕና እውን ሕይወትናን ሕይወት ካልኦት ክልወጥ ጽቡቅ ንግበር። ልዕሊ ኹሉ ሰላም ዝሰፈኖ ልቢ ሒዝና ሓዲስ ዓመትና ንእተዎ።

አምላኽ ክንሰምዖ ብዝተፈላለየ መገዲ ክንገብሮ ዘሎና ክሕብረና ኢሉ ይዛረበና አሎ። ንገለና ምስ መባእስትና ክንዕረቕ፥ ንገለና ተቐይምናዮ ንዘሎና ክንሓድግን ክንዕረቅን፥ ንገለና ብኃጢአትና ክንሳሕ፥ ንገለና ካብ ክፍአት ግብሪ ክንወጽእ፥ ንገለና ኽአ ካብ ዘራእቲ ጽልኢ ዘራእቲ ፍቕሪ ክንከውን ይዛረበና አሎ።

ዘስተውዕል ልቢ ሃበኒ ጎይታይ፥ ዝሰምዕ እዝኒ ሃበኒ ጎይታይ ክንብል እዋኑ እዩ። አእዛና ቃል አምላኽ ካብ ምስማዕ ዘንጊዐን እንተ አለዋ ሎሚ ወደይ/ጓለይ ስምዑኒ እናበለ ቃል ወላዲ የስምዓና አሎ። ልብና ተሪሩ እንተሎ ከለስልሰልና ንጸሊ ደረቕ ልቢ ሒዝና እንተ ተጎዓዝና ክንሳቐ ኢና። ሕማምና ሎሚ ሕክምና ንርከበሉ ሽዑ ክንሓዊ እሞ ደቂ ብርሃን ኮና ብሩኽ መስቀል ክበርቀልና።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ንቤተ ክርስትያን ሰማዕቲ ክንከውን ይነግረና። “ዲያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዝውሕጦ ደልዩ ከም ዚጓዝም አንበሳ ይዘውር አሎ እሞ ተጠንቐቑ ንቕሑ” (1ጴጥ 5፡8)። ጸላኢ ዘለዎ ሰብ ኵሉ ጊዜ ይጥንቀቅ እዩ ምኽንያቱ ጸላኢኡ እንታይ ከም ዝገብሮ ይፈልጥ እዩ። ንሕና እውን ሰይጣን ጸላኢና ከይዕወተልና ነቒሕና መገዲ አምላኽ ንሓዝ።

አምላኽ ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ ዕለት ዕለት ድላዩ ይነግረና አሎ፥ ንአኹም ዝሰምዐ ንአይ ሰምዐ” እናበለ ቤተ ክርስትያን እትብለና ክንሰምዕ ድላይ አምላኽ ከም ዝኾነን እቲ ሓቂ ንሱ ስለ ዝኾነ ክንአምን ይግብአና።

ኦ ክርስቶስ መድኃኒና ንቝሓትን ዕጡቓትን ኮና ክንጸንሕ ብአፍ ቤተ ክርስትያንካ ገርካ እትምህሮ ኩሉ ጊዜ ሰምዕቲ ክነክውን ሓግዘና፥ ብአአ ገርካ እትህበና ጸጋ ነመስግነካ አሎና ንበሎ። ዕለት ዕለት ጸሎት እናገበርና ስንድዋት ክንከውን፥ ሰንበት ሰንበት ቅዳሴ እናሰማዕና ካብ ሥጋኻን ደምካን እናተሳተፍና ማኅደርካ ክንከውን ብኃጢአትና እናተነሳሕና ናይ ፍቕሪ ስራሕ እና አዘውተርና ከም እንነብር ግበረና። አብ ጽንኩር እዋን ከይተረፈ ካብ ፍቕርኻ ከይንፍለ ጸጋኻ ሃበና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.