2017-08-26 14:27:00

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ፣ " ኣብዚ ናይ ዝኽትምና ዓለም ወላ ሓደ ካባ ዘኽታታም ኰይኑ ክስምዖ የብሉን"


ቅዱስነቶም ነቶም ሎሚ ዕለት 26 ነሓሰ 2017 ኣብ ቸስቶኮቫ ሃገረ ፖላንድ ናብታ ተኣምራታዊት ማርያም ናብ ዝግበር ዝኽሪ ዓመታዊ ክብረ በዓል  ንዝነግዱ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቊጸሩ ነጋድያን ውሉደ ክህነትን ምእመናን መልእኽቲ ብቪድዮ ከምዘለኣኹ እንክምልከት ሎምዘመን ነዚ ንግደት ፍሉይ ዝግብሮ እታ ተኣምራታዊት ስእሊ እኖና እግዚእትነ ማርያም ኣብ መካነ ንግደት ጃዝና ጎራ ብ8 መስከረም 1717 ዓም ከም ተኣምራታዊት ስእሊ ማርያም ዘውዲ ናይ ዝደፍኣትሉ መበል 300 ዓመት እውን ይዝከር ኣሎ፣ ቅዱስነቶም ነቶም ነጋዶ ከምዚ ክብሉ ሰላምታኦም ቡራኬኦምን ለጊሶም፣

ዝኸበርኩም መንፈሳውያን ነገድቲ! ንኩሉኹም ምውቕ ሰላምታይ አቅርብ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ነቶም ሎሚ መዓልቲ ኣብዚኣ መንፈሳዊት ዋና ከተማ መካነ ንግደት ናይ ሃገረፖላድ ዝኾነት ቦታ ንክትበጽሑ ካብ ነዊሕ ግዜ መዲብኩም ምስቶም ፍቁራት ኣሕዋተይ ዝኾኑ ኣቡናትኩምን ካህናትኩምን ነዊሕ ንዝተጓዓዝኩም ዕዙዝ ሰላምታይ አቅርብ፣ ቸስቶኮቫ ኣብ ሕምብርቲ ፖላንድ ምህላዋ ትርከብ እንተደኣ ኢልና ፖላንድ ልቢ ወላዲት ኣለዋ ማለት እዩ፣ እዚ ከኣ ዝኾነት ትርግታ ልቢ ፖላንድ ምስ ህርመት ልቢ ወላዲተ ኣምላኽ ዱግ ዱግ ትብል ማለት እዩ፣ ናይ ሃገረ ፖላንድ ሕሉፍን ዘሎን መጻእን ኩሉ ናይ ሕይወትኩም ታሕጓስን ጓህን ናብኣ ይምዕቈብ፣ እዚ ከኣ ዓቢይ ሠናይ ነገር እዩ፣

ዓሚ ከምዚ እዋን ምሳኹም ኣብ ትሕቲ ገጽታ ተኣምራታዊ ስእሊ ማርያም ኰይነ ዓይነይ ናብኣ ገጸም ቊሊሕ ምስ በልኩን ኣብ ልበይ ንዘሎ ኩሉ ኣብ ንጹሕ ልባ እንከማዕቊቦን ዝተሰመዓኒ መንፈሳዊ ዕግበት ብዓቢ ምንፋቅ እዝክሮ፣ ናይተን ጸጋ ዝመልአን ግዝያት ዝኽሪ ንወትሩ ኣብ ልበይ እንክሕዞ ምስ ሕዝቢ ፖላንድ ሓቢረ ናይታ ዓዲ መበል 1050 ዓመት ጥምቀታ ኣብ ትሕቲ ርሕሩሓት ኣዕይንቲ ወላዲተ ኣምላኽ ዝዝከርክሉ ብዓቢ ናፍቆት እዝክሮ፣

ካልእ ናይ ጸጋ ዕድል ከኣ ሎሚ ብብዝሒ ኣብ ትሕቲ እታ ቅድሚ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ር.ሊ.ጳ ነቲ ኣኽሊል ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስእሊ እታ ብማዶና ዘጃዝና ጎራ እትለጥ ድንግል ማርያም ዝደፍእዎ ዘውዲ ምዝካርኩም እዩ፣ ከም ኣደ ሓንቲ ንግሥቲ ክትህልወካ ከላ እሞ ብክብሪ ኣብ ሰማይ እትገዝእ ንግሥተ መላእኽትን ንግሥተ ኩሎሙ ቅዱሳንን ዓቢ ክብሪ እዩ፣ እንደገና ካብዚ ብዝዓበየ ከኣ ኣደኻ ሓንቲ ንግሥቲ ምዃና ምፍላጥን ነታ እመቤት ተባሂላ እትስመ ከም ኣደ ክተፍቅርን ዓቢ ሓጐስ ይህብ፣ እታ ቅድስት ስእሊ ድንግል ማርያም ሓንቲ ንበይና ርሕቅ ኢላ ኣብ ዙፋን እትቅመጥ ንግሥቲ ዘይኮነስ ወዳ ሓቊፋ ዘላ ኣደ ምሳኡ ከኣ ንዓና ኩልና ዝሓቈፈት ኣደ እያ፣ ሓቀኛ ኣደ እያ፣ ገጻ ኣተኲርኩም እንተጠመትኩም ጸገማትና ኩሉ ኣብ ልባ ስለዝትሕዞ ትሳቀ ኣደ እያ ትመስል፣ ካብ ምጥማትናን ምሕላውናን ዓዲ ዘይትውዕል ኣብ ዕለታዊ ጉዕዞና ብኢድና ሒዛ እትሰላየና ርሕርሕቲ ኣደ እያ፣

ኣብቲ ተብዕልዎ ዘለኹም ኢዮቤል ነዚ ክተስተማቅሩ እምነየልኩም፣ ኣብዚ ናይ ዝኽትምና ዓለም ወላ ሓደ ካባ ዘኽታታም ኰይኑ ክስምዖ የብሉን ምኽንያቱ ነፍሲወከፍና ኣብ ጥቃና መወዳድርቲ ዘይብላ ንግሥቲ ናይ ርሕራሔ ዝኾነት ኣደ ኣላትና፣ ንሳ ንነፍሲወከፍና ትፈልጠና ኣያ በቲ ትሑትን ተባዕን ዝኾነ እናታዊ ሓልዮታ ትሕብሕብና፣ ወትሩ ንድላይና ኣኽቢራ ንሠናይና ትጽዕት፣ ኣብ ሕመቅና ትዕግሰና ሰላምን ዕርቅን ክህሉ ወትሩ ምስ ሰርሐት እያ፣

ከም ኣብ ዙርያ ኣደ ተጋቢኡ ዘሎ ብሓባር ንክትድሰቱ እኖና እግዚእትነ ማርያም ጸጋ ትዓድልኩም፣ በዚ ንሃገረ ፖላንድ ብሓያል ምትእስሳር ምስ ተላዌ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘተሓሕዝ መንፈስ ውህደት ቤተክርስትያ ብምሉእ ልበይ ሓዋርያዊ ቡራኬ እልግሰልኩም፣ በጃኻትኩም ኩልኹም ምእንታትይ ክትጽልዩ ሓደራ፣ እግዚኣብሔር ይሃበለይ፣ ከኣሌ ኩሉ እግዚኣብሔር ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ይባርኽኩም፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.