2017-08-31 18:09:00

ቀዳመይቲ ምልክት ጸዋዕታ ካብ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ዝርከብ ሓጐስ እዩ


ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣኃትን! ደሓዶ ሓዲርኩም

ሎሚ ብዛዕባ ሓደ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ማለት ኣብ መንጎ ተስፋን ዝኽርን ብፍላይ ከኣ ዝኽሪ ጸዋዕታ ዘሎ ርክብ ክነስተንትን እዕድም፣ ከም ኣብነት ከኣ ንጸዋዕታ ናይቶም ቀዳሞት ኣርድእቲ ኢየሱስ ክንምልከት እደሊ፣ ናይዞም ኣርድእቲ ዝኽሪ ጸዋዕታ ኣብ ኣእምሮኦም ተሓቲሙ ከምዝተረፈ ንምግላጽ ሓደ ካብኦም ክሳብ ናይታ ጸዋዕታ ሰዓት ‘ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ድሕሪ ቀትሪ እዩ ነሩ’ (ዮሓ 1.39) ክብል ይምዝግቦ፣ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ዝኽሪ ናይ ጸዋዕታኡ ኣንጸሩ እንክገልጽ ብዛዕባ ጉብዛናኡ ይዛረብ ከመይ ነቲ ዝኽሪ ክጽሕፎ እንከሎ ኣመና ሸምጊሉ ነሩ፣ ጸዋዕታኡን ናይቶም ቀዳሞት ገሊላውያን ኣርድእትን ክትንትኖ ከሎ ከኣ፡ እቲ በዅሪ ርክብ ምስ መድኀኔ ዓለም ኢየሱስ ኣብቲ ከም መንፈሳዊ መራሒ ክኾኖም ዝመረጽዎ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ዘጥምቀሉ ዝነበረ ሩባ ጥቃ ሩባ ዮርዳኖስ ከምዝነበረ ይትርኽ፣ ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ናብቲ ሩባ መጺኡ ይጥመቅ ኣብ ዝሰዓበ መዓልቲ ከኣ በቲ ከባቢ ይሓልፍ ነበረ፡ ሽዑ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ንክልተ ካብ ኣርድእቱ ‘እነሆ እቲ ገንሸል ናይ እግዚአብሔር’ (ዮሓ 1.36) ቢሉ ይነግሮም፣ እዛ ቃልዚኣ ነቶም ክልተ ኣርድእቲ ሓንቲ ነጸብራቅ ኮነቶም፣ ነቶም ቀዳማይ መምህሮም ዝነበረ ዮሓንስ ጠንጢኖም ንኢየሱስ ይስዕቡ፣ እናተጓዕዙ ከኣ ኢየሱስ ግልጽ ኢሉ ይጥምቶም እሞ ሱቚ ቢሎም ክስዕብዎ ምስ ረኣየ ‘እንታይ ትደልዩ’ (1.38) ቢሉ ወሳኒ ሕቶ ይሓቶም፣ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ከም ሓደ መርማሪ ልቢ ሰብ ኮይኑ ይግለጽ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ክልተ ኣጓብዝ ኣብ ሃሰሳ ዘለው ይረክብ፣ ንሓቂ ንምፍላጥ ብዘይዕረፍቲ ወይ ቅሳነት ሃሰስ ዝብሉ ንማለት እዩ፣ ንምዃኑ ናይ ኩሉ ትርጉም እንኮላይ ናይ ሕይወት ትርጉም ሃሰስ ዘይብል ቅሱን ንእስነት ንእስነት ወይ ጒብዝና ክንብሎ ኣይከኣልን፣ ምንም ዓይነት ሃሰሳ ዘየካይዱ መንእሰያት መንእሰያት ኣይኮኑን ድሮ ቅድሚ ዕድሚኦም ምእካሉ ጥሮታ ኣትዮም እዮም፣ ኣብ ምሉእ ወንጌል እንተትመልከትና መብዛሕትኡ ምስ ኢየሱስ ዝግበር ርክብ ኣብ መንገዲ እዩ ዝፍጸም፣ ንልብታት ዝፈልጥን ዝዂልዕን ዝልውጥን ኢየሱስ ኣብ ጎፍታ እዩ፣ ድሕሪቲ ቀዳማይ ርክብ እታ ንትርጉም ሕይወትን ምንጪ ሓጐስን ሃሰስ ንዝብል መንእሰይ ‘እንታይ ትደሊ’ ክብል ይውከስ፣ ኣነውን በዚ ዕለትዚ ንኩሎም ኣብዚ ቅርዓት ንዝርከቡ መንእሰያትን ብዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ንዝከታተሉን `ኣታ\ቲ መንእሰይ ንስኻ\ኺ እንታይ ትደሊ\ልዩ ኣብ ልብኻ\ኺ እንታይ ሃሰስ ትብል\ሊ ኣሎኻ\ኺ! ቢለ ክሓቶም ምደለኹ፣

ጸዋዕታ ቅዱስ ዮሓንስን ቅዱስ እንድርያስን ከስ ብኸምዚ ይጅምር፣ እዚ ናይቲ ምስኡ ሓቢሮም ናይ ዝነበሩሉን ክግለጽ ብዘይከኣል ፍቅሪ ዝኽተልዎን ምስ ኢየሱስ ዝግበር ዕርከት መጀመርያ እዩ፣ እዞም ክልተ ኣርድእቲ ምስ ኢየሱስ ይውዕሉ ብኡ ንብኡ ከኣ ልኡካን ይኾኑ ከመይ እቲ ርክብ ምስ ተወድኤ ንገዛ ኣይኮኑን ዝተመልሱ እንታይ ደኣ ነናብ ኣሕዋቶም ይኸዱ እሞ ‘እቲ መጺሕ እምበር ረኺብናዮ፡ ሓደ ዓቢይ ነቢይ ረኺብና’ እንክብሉ የውርዩ የበስሩ። ናይቲ ርክቦም ልኡኻት ኮይኖም፣ እዚ ርክብዚ ንሕይወቶም ዝልውጥ ልቦም ዝትንክፍ ሓጐስ ዝመልእ ብምንባሩ ንሕይወቶም ዘብረሄን ጉዕዞ ንእስነቶም ኣንፈት ዘትሓዘን በኹሪ ርክብ ብምንባሩ ንዘለዓለም ይዝክርዎ፣

ኣብዚ ዓለም ጸዋዕታኻ ከመይ ቢሉ ክበርሃልካ ይኽእል! ብብዙሕ መንገዲ ክግለጸልና ይኽእል ኮይኑ ግን ኣብዚ ዝጠቀስናዮ ቃለ ወንጌል እታ ቀዳመይቲ ምልክት ካብ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ዝርከብ ሓጐስ እዩ፣ ቃል ኪዳንዶ ውፉይ ሕይወትዶ ክህነትዶ ወዘተ ሓቀኛ ጸዋዕታ ዝኾነ ኩሉ ምስቲ ሓዲስ ሓጐስን ሓዲስ ተስፋን ሂቡ ወላውን ብብርቱዕ ፈተናን ሽግርን ስገር ወትሩ ምሉእ ዝኾነ ርክብን ዕለት ዕለት ዝዓብን ርክብ ምስ ኢየሱስ እዩ! ምስ ኢየሱስ ምርኻብን ምልኣት ሓጐስን ልዕሊ ኩሉ እዩ፣ ጐይታ ኣብ ልቦም ናይ ታሕጓስ ንፋስ ዘይብሎም ብዘይድላዮም ደድሪኡ ዝስዕብዎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣይደልን እዩ፣ እስኪ ነዞም ኣብዚ ቅርዓት ዘሎኹም ክሓተኩም! ነፍሲወከፍኩም ንሕልናኹም መልሹ! ኣብ ልብኹም ቊሩብ ሽውሽውታ ታሕጓስዶ ኣሎ! እስኪ ነፍስወከፍኩም ተመሊሱ ንገዛእ ርእሱ ‘ኣብ ውሽጠይ ኣብ ልበይ ናይ ታሕጓስ ንፍስዶ ኣሎ! ኢልኩም ሕተቱ፣ ኢየሱስ ዝደልዮም ሰባት ምሳኡ ብምርኻቦም ዕለት ዕለት ዝሕደስ መጠን ኣልቦ ታሕጓስ ዘስተማቀሩ እዩ፣ ነዚ ዓለምዚ ብታሕጓስ ወንጌል ክሰብከሉ ዘይደሊ ረድኢ መንግስቲ ኣምላኽ ሕዙን እዩ! ሰበኽቲ ኢየሱስ እንኾነሉ ብኽእለት ዘረባ ኣይኮነን ንነዊሕ ክትዛረብ ትኽእል ኮይኑ ግን ዘረባ ጥራሕ እንተኾይኑ ከመይ ቢልካ ሰባኺ ክርስቶስ ክትከውን ይከኣል! ኣብ ዓይንኻ ናይ ሓቀኛ ታሕጓስ ንብዓት እንተዘይእንጸባሪቊ ከመይ ቢልካ ክስበኽ ይከኣል! ኣብ መንጎናውን ከይተረፈ ብዙሓት ክርስትያን ብኣዕይንቶም ናይ እምነት ሓጐስ ከመሓላልፉልና ንዕዘብ፣ ስለዚኸስ ንክርስቶስ ዘፍቅር ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ከም እኖና ድንግል ማርያም ነቲ ናይ ፍቅሩ ሃልሃልታ ኣብ ልቡ ይዓቅቦ፣ ርግጽ እዩ ኣብ ሕይወትና ፈተናታ ኣሎው ኮይኑ ከምቲ ዛሕልን ማይን ተጻራሪ ንፋስን ተጻዊርካ ንቅድሚት ክትጐዓዝ ዘሎካ ዝመረረ ይምረር ክርስትያን ንቅድሚት እዩ ክጐዓዝ ዘለዎ፡ በዚ ከኣ ክርስትያን ኩሎም ነታ ናብ ሓንሳብ ንወትሩ ልቦም ዝዀለዔ ቅዱስ ሓዊ እትወስድ መንገዲ ይፈልጥዋ እዮም፣ ኮይኑ ግን ሓደራ ዝብልኩም ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተስፋ ቊርጸትን ሓዘንን ዝዘርኡ ሰባት ከይዕወቱልና እዩ! ኣብ ሕይወት ተስፋ ከምዘየልቦ ብዘሕዝን መንገዲ ንዝእውጁ ኣይንስመዓዮም! በቶም ዕለት ዕለት ንዝውለድ ሰናይ ምንዮትን ተበግሶን ንምጥፋእ ክላእ ኣብዚ ዓለምዚ ዝግበር የሎን ሱቊ ኢልኩም ዘየድሊ መስዋዕቲ ኣይትኽፈሉ ዝብሉ ዕሩባት ሕልና ኣይንእመኖም፣ ነቶም ከይተወልዱ ዝኣረጉ ንንእስነትን ጉብዝናን ክዕፍኑ ዝደልዩ ኣይንስመዓዮም፣ እኳ ደኣ ናብቶም ናይ ብርሃን ነጸብራቅ ኣብ ኣዕይንቶም ዝርኤ ሽማግለታት ንኺድ፣ ጥዑይ ምንዮትን ሓሳብን ንኰኲስ፣ ዕለት ዕለት እንረግጾን እንኸዶን መንገዲ ተጠንቂቅና እንተመልከትና ከምቲ እግዚአብሔር ዝምነየልናን ዝሓልመልናን ንክንረክብ ምሳኡ ኰና ከም ናቱ ንሕልም፣ ፍሉይ ዓለም ንሕለም! ሓደ ሕልሚ እንተጠፊኡና እንደገና ኣብቲ ናይ መጀመርያ ተስፋ ዝኽሪ ተመርኲስና ከምብሓድሽ ንሕለም፣

ከምዚ ገርካ እዩ እምበኣር ምንቅስቃስ ሕይወት ክርስትና ዝምራሕ! እናናሻዕ ንኢየሱስ እናዘከርካ! ቅዱስ ጳውሎስ ንጠማሃራዩ ጢሞቴዎስ ‘ንኢየሱስ ክርስቶስ ዘክር` *2ጢሞ 2.8) ይብሎ ነሩ፣ እዚ እዩ ኣምበኣር ናይቲ ዓቢ ሓዋርያ ጳውሎስ ምኽሪ ‘ንኢየሱስ ክርስቶስ ምዝካር`! ንኢየሱስ ምዝካር ማለት ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ምልስ ኢልና እታ ብፍቅሪ ክርስቶስ ተቃጺልና ሕይወትና ንከንቱ ከምዘይኮነን ዕላማ ከምዘለዋ ዝተረዳእናላ ዕለት እያ! ዝኽሪ ናይዚኣ ከኣ ነቲ ተስፋና ከምብሓዲሽ ሕያው ይገብሮ ይዂልዖ! እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.