2017-09-06 09:53:00

ኮሎምቢያ ኣብ ጐዳና ሰላም


ካብ ዕለት 6 መስከረም ክሳብ ዕለት 10 መስከረም 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መበል 20 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ኮሎምቢያ ክፍጽሙ ምዃኖም ቅድም ክብል ተገሊጹ ከምዝነበረ እንክዝከር። ሃገረ ኮሎምቢያ ቅዱስነቶም ብውዕዉዕ ስምዒት ንምቕባሎም ኣብ ዝተቐረበትሉ እዋን በቲ ኣብ ሃገረ ኵባ ርእሰ ከተማ ሃቫና ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ሰውራዊ ግንባር ዕጡቓት ሓይሊ ኮሎምቢያን መንግስቲ ኮሎምቢያን ዝተበጽሔ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ሰላምን ከምኡ እውን ዕለት 2 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ሕዝቢ ብዝሃቦ ድምጸ ውሳኔ ውድቂ ብዝገበረሉን ስዕቡ ሕዝባዊ ባይቶ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2016 ዓ.ም. ነቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ከምዝጸደቐን ኣብ ወርሒ ሰነ 2017 ዓ.ም. ዕጡቓት ሓይሊ ዕጥቃዊ ቃልሲ ደው ከምዘበሉ ዘረጋጽ ምርጋፍ ውግእ ኣጽዋር ገቢራዊ ብዝገበርሉ ሃዋሁ ዝተሰነየ ከምዝኸውን ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ የመልክታ።

ብዛዕባ እቲ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ ኢጣሊያ ረጆ ኤሚሊያን ሞደናን መናብርተ ጥበብ ናይ እዋናዊ ታሪኽ ዓለም መምህር ንካቶሊካዊ ማሕበረ ሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ወኪሎም ነቲ ናይ ኮሎምቢያ ከይዲ ሰላም ዝተኸታተሉ ናይ ታሪኽ ሊቅ ጃኒ ላ በላ፥ እቲ ብርእሰ ብሔር ኹዋን ማኑኤል ሳቶስ ዝምራሕ መንግስቲ ኮሎምቢያ ምስ ሰውራዊ ዕጡቓት ሓይሊ ኮሎምቢያ ብዝበጽሖ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣቢሉ ኮሎምቢያ ነቶም ዕጡቓት ሓይሊ ኣሕሊፉ ሂቡ ዝብል ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝወሃብ ትንታኔ ጌጋ እዩ። ካቶሊካዊ ማሕበረ ሰብ ቅዱስ ኤጂዶዮ ኣብ ኮሎምቢያ ሰላም ክረጋገጽ ኣዚዮ ዘይሕለል ጻዕሪ ዘካየደ ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ ንፍርቂ ዘመን ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ብግምት ክሳብ 260 ሺሕ ሕይወት ንሞት ዝዳረገን ልዕሊ 60 ሺሕ ዝግመቱ ሃለዋቶም ዘጥፍኤን ሸውዓተ ሚልዮን ዝግመቱ እውን ንስደትን ምዝብልናን ኣብ ዝዳረገ ኲናት ሓድሕድ ካልኦት ኣስታት ሰላሳ ዝግመቱ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይሊ እውን ኢድ ከምዘለዎም ጠቒሶም፥ እቲ ቅድሚ 50 ዓመታት ኣቢሉ ዝተባርዔ ውግእ ደው ንምባል ዝሓለፉ ናይ ኮሎምቢያ መንግስታትን መራሔ መንግስታትን ፈቲኖም እዮም። እንተዀነ ግና እቶም ዝሓለፉ ናይ ሰላም ዘተ ውጽኢት ከዘይሃበን ኣብ መወዳእታ ርእሰ ብሔር ዅዋን ማኑኤል ሳንቶስ ዘካይድዎ ናይ ሰላም ዘተ ናብቲ ዝድለ ሕዝቢ ኮሎምቢያ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ሃረር ዝብሎ ናብ ዝነበረ ሰላም ከብጽሕ ኪኢሉ ኣሎ። እቲ ሓቂ እዚ እንከሎ ንኣብነት ነበር ርእሰ ብሔር ኣልቫሮ ኡሪበ ርእሰ ብሔር ዅዋን ማኑኤል ሳንቶስ ኮሎምቢያ ንዕጡቓት ሓይሊ ኣሕሊፎም ሂቦም እንክብሉ ይነቕፉ። እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ሕዝብን ሃገርን ንሰላም እዩ ኣሕሊፉ ዝህብ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ሃገረ ኮሎምቢያ ንኽበጽሑ ዘለዎን ድላይ ክውን ንኽገብሩ ኣብታ ሃገር ናይ ሰላም ስምምዕ ወሳኒ ምዃኑ ደጋጊሞም ገሊጾምዎ እዮም፡ እነሆ ድማ እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ተበጺሑን ቅዱነቶም ካብ ዕለት 6 መሰከረም ክሳብ ዕለት 10 መስከረም 2017 ዓ.ም. ኣብ ኰሎምቢያ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ እዮም።

እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ዕጡቓት ሓይሊ ናብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክልወጡን ካሕሳ ንዝተጐድኡን ካሕሳ ንስድራ ቤት ስዉኣትን ዓደዳ ንዝዀኑ ዜጋታትን ዝብሉ ነጥብታት ዘጠቓለል እዩ። እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ፖለቲካውን ስነ ዘታዊ ሜላን ለበስ ክኸውን እንከሎ፡ ንሃገረ ኮሎምቢያ ብብሔራውን ዓለም ለኻውን መድረኻት ሓድሽ መልክዕ ዘውህባ እዩ። ኣብቲ ስምምዕ ሰፊሩ ዘሎ ፍትሒ ዝብል ቃል ብምምሕሓርን ይቕረ ብምብህሃልን ዝትርጐም እምበር ሕነ ምፍዳይ ዘይብል ማለት እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ንውትህድርና ዝዳረጉን ኣብቲ ውግእ ዘሳተፈን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ናይ ወሲብ ዓመጽ ፈጺሞም ዝበሃሉ ገበነይናታት ንፍርዲ ኣይቀርቡን እዮም ማለት ኣይኰነን። ስለዚህ በዞም ዝጠቕሱ ገበናት ዝሕተቱ ብዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ተዛማዲ ፍርዶም ክቕበሉ ኣለዎም ዝብል ምዃኑ ይገልጹ።

እቲ ኣብ ኮሎምቢያ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ እቲ ኣብ ቨነዝወላን ካልኦት ሃገራትን ንዘሎ ውጥረት ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣብነት እዩ። ከይዲ ሰላምን ዴሞክራስን ዘበራትዕ እዩ። እቲ ኣብ ቨነዝዋላ ዘሎ ውጥረት ንናይ ኮሎምቢያ ናይ ሰላም ስምምዕ ዝጠማመት ጭማራ እዩ። ስለዚህ እቲ ናይ ኮሎምቢያ ናይ ሰላም ስምምዕ ናይ ቨነዝዋላ ውጥረት ሰላማዊ መፍትሒ ንኽረክብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕብረሰብ ኣበርቲዑ ክዓይን ዝዕድም ተግባር እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.