2017-09-08 09:27:00

መበል 20 ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኮሎምቢያ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 መስከረም 2017 ዓ.ም. ብምኽንያት ኣብ ኮሎምቢያ ዝፍጽምዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ኮሎምቢያ እትርከብ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ከም ናይ ሰላምን ተስፋን ነጋዲ ናባኹም እነቅል። ምሳኹም ሓቢረ ኣብ ጐይታ ዘሎና እምነት ንምቕዳስን ካብቲ ናይ ፍቕርን ስራሕን ንውህደትን ሰላምን ጽኑዕ ድላይኩምን ህርኩት ጻዕርኹምን ንኽመሃር ንምብጻሕኩም ክነቅል እየ ቢሎም ናይቲ ሓዋርያዊ ዑደት መርሕ ቃል ቀዳማይ ስጉምቲ ካባና ይንቀል ዝብል ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ጠቒሶም፥ ሕውነት ንምሕናጽ መታን ክንክእል ድልድል ነቑም፡ ሓደስቲ ናይ ሰላም ከይድታት ንፍጠር ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ቅዱስ ኣቦና እቲ ብግምት ክሳብ 260 ሺሕ ሕይወት ንሞት ዝዳረገን ልዕሊ 60 ሺሕ ዝግመቱ ሃለዋቶም ዘጥፍኤን 7 ሚልዮን ዝግመቱ ንስደትን ምዝብልናን ኣብ ዝዳረገ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዘቑጸረ ኲናት ሓድሕድ ብስምምዕ ሰላም ከብቅዕ ብዙሕ ከምዝጸዓሩን ቅድሚ ዓሰርተ ወርሒ ኣብ ርእሰ ከተማ ሃቫና ብስምምዕ ሰላም ደው ከምዝበለ ክዝከረ እንከሎ፥ ኮሎምቢያ ከይተሓለለት ሰላም ሃረር እትብሎ ኩነት እዩ። ወትሩ ብምጥርጣር ከም ጸላእቲ ብዘይምጥምማት ሕውነታዊ መንፈስ ብሓባር ብምንባር ደለይቲ ሰላም ንኹን። ሰላም ናይቲ ዘፍቅረና እግዚአብሔር ደቂ ምዃንና የዘኻኽረና።

ኮሎምቢያ ሰላምን ውህደታዊ ስምምዕ  ዝነግሰላ ናይ ሕውነት ሃገር ክትከውን መታን ከይተሓለሉ ብጽንዓት ዝተግሁ ናይታ ሃገር ዜጋታት ንዘርእይዎ ህርኩት ጻዕሪ ግቡእ ኣፍልጦ ብምሃብ ቤተ ክርስቲያን ብወገና ኩሉ ምስ ጐይታ ክዕረቕን እዚ ዓይነት ዕርቂ ብምንቕቓሕ ጥራሕ ዘይኰነ እቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ጭካኔ ብዝተመልኦ መገዲ ዝፍጽሞ ግብረ ምዝመዛ ኣወጊዱ ምስ ተፈጥሮ እውን ክዕረቕ ተነቓቕሕ ቢሎም ብሰላም የራኽበና እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ሓዋርያዊ መገሻኦም ከምቲ ልሙድ ሮማ ናብ ዝርከብ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ባዚሊካ ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት ቅድሚ ናብ ኮሎምቢያ ምንቃሎም ብድሮኡ መንፈሳዊ ንገደት ፈጺሞም ኣብ ቅድሚ Salus Populi Romani - ናይ ሮማውያን ዋሕስ ኣብ እተሰምየ ቅድሚ ቅዱስ ምስሊ እኖ ማርያም ፊት ተንበርኪኾም ናይ ኮሎምቢያ ሓዋርያዊ መገሻኦምን ሕዝቢ ኮሎምቢያን ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ንዘሰንይዎም ኮሎም ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ከምዘወከፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ዕለት 5 መሰክረም 2017 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ በቲ ኣብ ትዊተር ብዘሎ @Pontifex ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም እውን፥ ፍቱዋተይ ሓደራ ስለይን ስለ እቲ ሰላም ምልክታኡ ዝገበረ ዝፍሞ ሓዋርያዊ መገሻንይ ጸልዩ” ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ኣመልኪቱ።

 

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና እዚ ትከታተልዎ ዘለኹም ራዲዮ ቫቲካን መደብ ቋንቋ ትግርይና እዩ።

 

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ንኮሎምቢያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካየዱ ሳልሳይ ር..ሊ.ጳጳስን ቀዳማይ ተወላዲ ላቲን ኣመሪካን እዮም ዝበለ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ፡ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ካብ ዕለት 22 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 25 ነሓሰ 1968 ዓ.ም. ኣብ ኮሎምቢያ ሓዋያርያዊ ምብጻሕ ዘካየዱ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳ. ክዀኑ እንከለዉ ካልእይ ድማ ኣብታ ሃገር ካብ ዕለት 1 ሓምለ ክሳብ ዕለት 8 ሓምለ 1986 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻ ዘካየዱ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምዃኖም ኣስዒቡ የመልክት።

 

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ኮሎምቢያ ዕለት 6 መሰከረም 2017 ዓ.ም. ምንቃሎም ነተን ናይ በረራ ዶባተን ንዘቋርጹለን ሃገራት፥ ንናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላን፡ ንናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ንናይ ስፐይን ንጉስ ፊሊፐ ሻድሻይን ንናይ ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ማርቸሎ ረበሎ ደ ሱሳን ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕን ንናይ ባርባዶስ ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ፊሊፕ ግረቨስን ግረናዳ ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ቸቺለ ላ ግረናዳን ንናይ ቨነዝዋላን ርእሰ ብሔር ኒኮላስ ማዱሮ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን  ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽታት ተለግራም ድማ ነተን ዝተገልጻ ሃገራትን ሕዝብታት ኣብ ጸሎትም ህልዋት ምዃነን ብምርግጋጽ ናይ ነፍሲ ወከፍ እተን ሃገራት ህልው ኩነት ኣማእኪሎም ድማ ምዕባለን ሰላምን ፍትሕን ምትሕብባርን ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ከምዘቃለሑ ካብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

 

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና እምበአር ከስ ምስታ ቅዱስነቶም ምብጻሕ ዘካይዱላ ዘለዉ ሃገረ ኮሎምቢያ ርእሰ ከተማ ከነላልየኩም፥

ቦጎታ ወግዓዊ ስማ ሳንታ ፈ ደ ቦጎታ ክኸውን እንከሎ ልምዕቲ ስፍራን ቅድመ ኮሎምቢያ ዝበሃሉ ኢንዶስ ሙይስካ ባህልታት ይንበረለን ብዝነበሩ ጎቦታት ዝተኸበትን ዕለት 6 ነሓሰ 1538 ዓ.ም. ብወራሪ ተወላዲ ስፐይን ጎንዛሎ ኺመነዝ ደ ኵወሳዳ ዝተመስረተትን በደቀባት ኢንዶስ ባካታ ተባህላ ትጽዋዕ ዝነበረት እውን ክትከውን እንከላ፡ ስለ ክብሪ 12 ደቀመዝሙርቲ ብዓሰርተ ክልተ ኣጓዱ ዝተኸበትን ዕለት 27 ሐምለ 1540 ዓ.ም. ሓው ዶሚንጎ ደ ላስ ካሳስ ቀዳማይ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረገላ ቤተ ክርስቲያን ዝማእከለትን ናይ ስፐይን ልዑል ካርሎ ሓምሻይ ሳንታ ፈ ዝብል ስም ከምእተሓወሳ ይንገር።

ድሕሪ ሰለስተ ዘመን ልክዕ ድሕሪ  ካብ መግዛእት ስፐይን ኣብ 1819 ዓ.ም. ናጽነት ኮሎምቢያ በቲ ናይ ቀደም ስማ ሙይስካ ቦጎታ ዝብል ስም ክትጽዋዕ ተገይሩን፡ ካብ 1717 ዓ.ም. ኣትሒዛ ናይ ሓዳስ ግራናዳ ርእሰ ከተማ ክይና ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1830 ዓ./ም. ድማ ናይ ዓባይ ኰሎምቢያ ርእሰ ከተማ ኰይናን ድሓር እታ ዓባይ ኮሎምቢያ ድማ ኤኳዶርን ቨነዝዋላን ኮሎምቢያን ድሓር እውን ኣብ 1903 ዓ.ም. ናጻ ናብ ዝኾነት ፓናማን ናብ ዝበሃላ ሃገራት ከምእተኸፍለት ናይ ኮሎምቢያ ናይ ታሪኽ ማህደር የረጋግጽ።

ኣብ ዕለት 22 መጋቢት 1564 ዓ.ም. ሜጥሮፖሊታ ንምዃን ዝበቕዔት ርእሰ ሰበኻ ቦጎታ ኣብዚ እዋን’ዚ 4.486.980 ተቐማጦ እትሓቁፍን ካብዚኣቶም ድማ እቶም 3.866.879 ካቶሊክ ምእመናን ከምዝኾኑን ብጠቕላላ 279 ቁምስናታትን 443 ኣቢያተ ክርስቲያንን 380 ካህናትን 481 ናይ ሰበኻ ካህናትን 138 ቀወምቲ ዲያቆናትን 90 ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን 1.011 ኣባላት ገዳማውያን ማሕበራትን 1.497 ናይ ዝተፈላለያ ደናግል ማሕበር አባላትን 546 ናይ ካቶልካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቢያተ ትምህርትን 237 ናይ ግብረ ሰናይ ማእከላንትን ዝርከብዋን 41.850 ዜጋታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበሉላ ሰበኻ ብብፁዕ ካርዲናል ሩበን ሳላዛር ጎመዝ ሊቀ ጵጵስና ትምራሕ ምዃና ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግልጺ የመልክት።

 

ሓጺር ታሪኽ ኑንዚያቱራ (መንበረ ሓዋርያዊ ልኡኽ)

ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ኣብ ቦጎታ ኣብቲ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብን ከምኡ እውን ናይ ኮሎምቢያ ናይ ራዲዮን ቴለቪዥንን ብሔራዊ ማእከልን ዝተፈላለዩ ናይ መንግስቲ ሚኒስትራዊ ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣብ ዝርከበሉ ብዙሕ ተቐማጦ ዘለዎ ክፍለ ከተማ ተኡሳኲይሎ ዝቖመ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ቦጎታ ብጠቕላላ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ዘጠቓልል 200 ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣለዉ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ኣብ ኮሎምቢያ ናይ ቪቶሪያና ሰበኻ ስዩም ጳጳስ ኮይኖም ካብ ዕለት 22 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ዝተሾሙ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኤቶረ ባለስትረሮ ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ መንግስቲ ሃገረ ኮሎምቢያ ልኡኽ ድማ ጉሌርሞ ለዮነ ኤስኮባር ሄራን ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

 

ክቡር ርእሰ ብሔር

ክቡራትን ክቡራንን ኣባላት መንግስቲ ሪፓብሊካዊት ኮሎምቢያን ልኡካነ መንግስታትን

ሰበ ስልጣናትን

ክቡራትን ክቡራንን

ንርእሰ ብሔር ኮሎምቢያ ዶክተር ዅዋን ማኑኤል ሳንቶስ ልባዊ ሰላምታይ ብምቕራብ ኮሎምቢያ ኣብ እትርከበሉ ታሪኻዊ እዋን ኣብ ኮሎምቢያ ምብጻሕ ንኸካይድ ስለ ዝዓደምኩምኒ አመስግን። ንኹላትንኩም ኣብዚ ንእትርከቡ ልኡካነ መንግስታት ሰላምታይ አቕርብ። ናይ ሕዝባውያን ተቛማት ወከልትን ንመላእ ህዝቢ ኮሎምቢያ ውዕዉዕ ሰላምታይ አቕርብ።

ቅድመይ ናይ ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ኣሰር ስዒበ እየ ናብ ኰሎምቢያ ዝመጻእኩ ከምኣቶም ኣነ ምስ ኮሎምቢያውያን ኣሕዋተይ ናይ እምነት ጸጋ ንኽቋደስ ኣብዚ እርከብን….

ብእምነትን ተስፋን ጥራሕ እዩ ናይ ጉዕዞ ጽንኩር ኩነት ዝስገርን ሓንቲ ሃገር ዓደቦን ናይ ኵሉ ኮሎምቢያዊ ቤት እትኸውን።

ኮሎምቢያ ብዝተፈላለየ ኣገባብብ ዝተባርከት ሃገር እያ። ተፈጥሮኣውን መልክዓ ምድራውን ጽባቔኣ ኩሉ፡ ኣብ ዓለም ብብዝሓ ሕይወት ብኻልእይ ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዋ ብምዃና ነዚ ርኢኻ ብምድናቕ ድማ “እግዚኣብሔር ክንደይ ሰናይ ምዃኑ” (መዝ. 33.9) ተረጋግጽን ሰናይ እዩ እውን ትብል። … ሃገረ ኮሎምቢያ ብትዕድላት እግዚኣብሔር እዚያ ሃብታም ብናይ ሕዝባ ዓይነተይና ሰብኣውነት ጽንዓትን ትብዓትን ዝተዓደለት እያ።

… እዚ ዘካይዶ ርክብ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ነቲ ኣብ ኮሎምቢያ ዝነበረ ብረታዊ ዓመጽ ንምውጋድ ናይ ዕርቅን ሰላምን መገዲ ኣብ ምድላይ ንዝተገብረ ዘይሕለል ጻዕሪ ቀሪበ ከድንቕ ዕድል ኰይኑኒ ኣሎ። ኣብ ናይ ሓባር ሰላም ተስፋ ብሓባር ንምድላይ ዝተገብሩ ጻዕርታት ነቲ ኣብ ናይ ሓባር ናብራ ዘሎ ተስፋ ዘደንፍዕ እዩ … ድሕሪ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት እናጸበበን ናብ ስምምዕ ሰላም ተበጺሑ እዩ። ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንምርግጋጽ ዘኽእሉ መገድታት ተባሂሎም ዝግለጹ ዝነበሩ ናይ ኣመለኻኽታ ፍልልያት እናጸበቡን ተወጊዶም ድማ እቲ ዝድለይ ስምምዕ ሰላም ተረጋጊጹ ኣሎ። እዚ ጻዕሪ’ዚ ውልቃዊ ረብሓን ርሑቕ ዘይጥምት ረብሓ ካብ ምጥማት የድሕነና። ኣብ ዝዀነ ይኹን ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን መዳይ ሰብኣውነት ይማእከል። … እቲ ናብ ሰላምን ስምምዕን ዝመርሕ ጉዕዞ ኣድካሚ ክሳብ ዝዀነ ክሳብ ክንደይ ነቲ ካባና ዝተፈልየ ኣፍልጦ ምሃብን ምቕባልን ቁስልታት ምፍዋስን መራኸቢ ድልድላ ምቛምን ሓድሕድ ምድግጋፍ መታን ክክኣል ህርኩት ጻዕሪ ከድሊ እዩ (ወንጌላዊ ሓሴት፡ ፍቕዲ 67 ረአ)።

…. ናይ ሃገረ ኮሎምቢያ ሃገራዊ መርሆ ነጻነትን ስርዓትን ዝብል እዩ ኣብዘን ክልተ ቃላት እዚኣተን ናይ ሕዝብን ሃገርን ጻዕርን ጉዕዞን ከመይን ናበይን ተመልኪቱ ኣሎ። ስርዓት ናይቶም ሕጊ ናይ ዘርቅቑን ዘድጽቑን ናይ ሓያላት ሕጊ ማለተ ዘይኰነስ ውሕስነት ውህደትን ምትሕብባርን ምድግጋፍን ሰላማዊ ናይ ሓባራን ማለት እዩ። … ኢፍትሓውነት ናይ ኩሉ ክፋእ መበቆል እዩ (ወንጌላዊ ሓሴት፡ ፍቕዲ 202 ረአ)።  በዚ መርእያዚ ድማ ናብቶም ዝተናዕቁን ካብ ሕብረተሰብ ዝተነጸሉን ምስ ሕዝቢ ርክብ ምስ ዘይብሎም ምስ ኩሎም ኣብ ፈቐዶ ኩርናዕ ዝተነጸሉ ቀረባ ንኽትኮኑን ክትጥምቱን እተባብዕ …. ።

… ደቀንስትዮ ብዘለወን ምዃናዊ ባህርይን ክእለትን ኣደነትን መሰረት ገይርና ንጠምተን። ኮሎምቢያ ናይ ኵሉ ሕዝባ ደላይት እያ።

ቤተ ክርስትያን ንተልእኾኣ እምንቲ እያ። ሰላምን ፍትሕን ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ምርግጋጽ ከይዲ እዩ እቲ ሕርኩት ጻዕራ። እቲ ናይ ኮሎምቢያ ማሕበራውነት ፍሉዩ ትርጉም ዝህቦ ኣብቲ ናይ ሕዝቢ ማሕበራዊ ቅዋመ ብፍሉዩ ዝልለይ ወንጌላውያን መትከላት ንናይ ሃገር ምዕባለ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ። እዚ ድማ ናይ ሕይወት ክቡርነትን ብፍላይ ናይቶም ጽጉማትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓት ዘይብሎምን ዘነጽር እዩ፡ … ከምኡ እውን ሕይወት ስድራ ቤት ናይ ሰብ ቃል ኪዳን ፍቕሪ ጻማ እዩ (ወንጌላዊ ሓሴት፡ ፍቕዲ 66 ረአ)።

ክቡራትን ክቡራንን ኣብ ቅድሜኹም ኣዚዩ ልዑል ዝዀነ ተልእኾ እዩ ዘሎ። ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ተልእኾ እዩ። ኣብ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን መከራን ሓሳርን ጸቕጥን ከምቲ ዓቢይ ወዲ ሃገረ ኮሎምቢያ ጋብሬለ ጋርሲያ ማርከዝ ዝብሎ ሕይወት ምዕዱው ይኸውን። እቲ ዝሓለፈን ዘሎን ውግእን ኣይሂን ማዕበላትን ጥምየትን ፈጺሙ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ዓወት ኣይረክብን እዩ። ክቡርነት ሕይወት ይተዓቀብ ሕይወት ብምጥፋእ ሓጐስ ኣይርከብን።

ኣብ ጽልዕን ሕነ ምፍዳይን ተግባራት ብዙሕ ጊዜ ባኺኑ … ስለዚህ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ጸረ ሕይወት ንዝዀኑ ተግባር ኩሉ ኣይፋል ንበል።

ንበይንኹም ከምዘይኮንኩም ንኸረጋግጸልኩም ክሳብ ኣብዚ መጽኤ እኔዅ። ኣብ እትርከብሉ ጉዕዞ ምሳኹም ኣሎና እንብል ብዙሓት ኢና። ንይንኹም ኣይኰንኩምን። ናተይ ምብጻሕ ዘተባብዓኩምን ነቲ ናብ ዕርቅን ሰላምን ዝግበር ጎዳጉድ ዝመልኦ ጉዕዞ ንምትኽኻል ዝብል ድላይ ዘለዎ እዩ።

ኣብ ጸሎተይ ህልዋት ኢኻትኩም ስለሌኹም ስለ ህልውን መጻእን ኮሎምቢያ እጽልይ።








All the contents on this site are copyrighted ©.