2017-09-11 09:51:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኮሎምቢያ


ዕለት 8 መስከረም 2017 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ካብቲ ኣብ ኮሎምቢያ ርእሰ ከተማ ዝርከብ ካታም እተሰምየ ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ልክዕ ብናይታ ሃገር ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 07.20 (ብናይ ሮማ ሰዓት አቆጻጽራ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 02.20 ምዃኑ እዩ) ናብ ቪላቪሰንሲዮ ነቒሎም ሰዓት 07.35  ኣብ ከተማ ቪላቪሰንሲዮ ኣብ ዝርከብ ልዊስ ጎመዝ ኒኞ ኣፒኣይ መዕርፎ ነፈርቲ በጺሖም፡

ካብ ዕለት 3 ሓምለ 2004 ዓ.ም. ናብ ርእሰ ሰበኻ ክብ ዝበለት ብሊቀ ጵጳስና ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ኡርቢና ኦርተጋ እትምራሕ ምዃና ናብ ዝንገረላ ሰበኻ ቅዱስ ኣቦና ልክዕ ሰዓት 09.00 ናይ ሰበኻ ኣሩኣካ ጳጳስ ንዝነበሩ ኣብ 1989 ዓ.ም. ብናይታ ሃገር ዕጡቓት ሓይሊ ዝተቐትሉ ነገልጋሊ እግዚኣብሔር ኸሱስ ኤሚሊዮ ኻራሚሎ ሞንሳልቨን ንሰበኻ ካህን ኣብ 1948 ዓ.ም. መንጐ ኣቃብያንን ሰጓምያንን ኣብ ዝተኻየደ ሕድሕዳዊ ግጭት ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣባ ፐድሮ ማሪያ ራሚረዝ ራሞስን ብፅዕና ንምእዋጅ መስዋዕተ ቅዳሴ ናብ ዘዕርግሉ ኣደባባይ በጺሖምን ነቶም ኣብቲ ስፍራ ንዝተረኽቡ ምእመናን እናተዘዋወሩ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም።

ልክዕ ሰዓት 09.30 በታ ናይ ላቲን ስርዓት ዝክረ በዓለ ልደታ ለማርያም ዝበዓለሉ ዕለት ናይ ምእዋጅ ብፅዕና መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፥

ብላቲን ስርዓት ናይ ዕለቱ ምንባብ ካብ ነቢይ ሚክያስ ምዕ. 5፡ 1-4

                                             ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 1፡ 1-16,18-23

ኣሞርኵይዞም ኣብ ዕርቂ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ዕርቂ ረቒቕ ወይ ከኣ ዘይጭበጥ ኣይኰነን ቢሎም፡ ነቲ ኮሎምቢያ ዘሕለፈቶ ቅድሚ 10 ኣዋርሕ ብስምምዕ ሰላም መዕለቢ ዝረኸበ ናይ 50 ዓመት ኵናት ሓድሕድ ምልስ ቢሎም ብምዝካር። ዕርቂ ብእግዚኣብሔር ኣብ እግዚኣብሔር ምስ ሕዝብን ፍጥረትን ኩሉ የድሊ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ልዕሊ 400 ሺሕ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ብባህላውን ብ112 ደቀባት ኅብረ ቀለማዊ ብዝዀነ ድሙቕ ኣቀባብላ ኣብ ዝተገብረሎም ኣደባባይ ስብከቶም ብምቕጻል፥ እቶም ናይ ዓመጸ ኣደዳ ዝዀኑ ኵሎም ዓወት ኣብ ስዕረት ፈተና ሕነ ምፍዳይ እዩ፡ ነዚ ፈተና ምስ ዝስዕሩ ድማ ኣብ ናይ ዕርቂ ከይዲ ዝእመኑን ዘእምኑን ተዋሳእቲ ይዀኑ። ብዙሓት ኣብ ጐዳና ዕርቂ ቀዳማይ ስጉሚቲ ዘንቀሉ ብዘይ ትዕቢት ናይቲ ካልእ ስጉምቲ ቅድም ይንቀል ዘይበሉ ኣለዉ፡ ንጭቡጥ ህላዌ ተስፋ ናይ ሓደ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ተግባር እዅል እዩ ቢሎም ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣሰር እናማዕደዉ ድማ ናይ ሓባር ናብርራ ኣብ ሕድሕዳዊ ምክብባርን ምቅብባልን ዝቖመ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ዕርቂ ጭቡጥን ጽኑዕን ዝኸውንን ብናይ ኵሉ ኣበርክቶ እዩ። ስለዚህ ዕርቂ ብዘይ ናይ ኵሉ ቅኑዕ ጻዕሪ ወትሩ ትሩፍ እዩ ዝኸውን ኢሎም።

ንዕርቂ ሕራይ ምባል ናትና ይኹን … ምስ ተፈጥሮ እውን ዕርቂ፥ ዕጋበት ንዘይፈልጥ ንናይ ምውናን ድላይናን ህርፋንን ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ገይርና፡ ዓመጽ በቲ ብሓጢኣት ዝኣደፈ ልቢ ሰብ ውሻጠ ኣውን ስለ ዘሎ ኣብ መሬት ድዩ ኣብ ልዕሊ ሃብቲ ማያትን ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየርን ኣብ ህያዋን ፍጥረታትን ከይተረፈ ማህሰይቲ ኣውርዲና። ማርያም ብምኽንያት በዛ ዕለት እነብዕላ በዓለ ልደታ ብብርሃን ልብና ትተንክፍ፡ ነቲ ከም ዝበልካዮ ይኹነለይ ብዝብል መልሲ ማርያም ንእግዚኣሔር ስዒብና መንፈሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ ዝብል ናይ ምድናቕ ጸሎት ብእግዚኣብሔር ከነዝይም ትደግፈና።

ኣብ ናይ ዕለቱ ናይ ኢየሱስ ወለዶ ዝገልጽ ምንባብ ወንጌል ኣሞርኵይዞም ስብከቶም ብምቕጻል፥ ኢየሱስ ናብታ ንእሽተይ ጭራፍ ናይቲ ምሉእ ታሪኽ ናብ ዝዀነ ሰብኣዊ ታሪኽ ብምእታው ብዘይ ሕሉፍ ተዋሳእነት ታርኽና ንምድጋፍ መንፈሳውነት ጥራሕ ብዝብል ፈተና ከይተሰነፈ ካብቲ እንነብሮ ጭቡጥ ታሪኽ ከይፈለየ ንምንባርናን ህላዌናን ተንከፎ፡ ቀጺሎም ከምቲ ንናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ወሳኒ ኣካል ተቐቢሎም ዝበልዎ ተክለ ሰብነት ደቀንስትዮ ዝምልከት ሓሳብ ምልስ ቢሎም ብምዝካር፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ደቀንስትዮ ኣብቲ ናይ ስልጣን ኣርከን ቦታ ከምዘይነበራ እዩ ዝግለጽ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግና ዓቢይ ታሪኽ ክፍጽማ ንርእይ ቢሎም፡ ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ስድራ ቤትን ልዑል ስፍራ ዘለወን እየን ዝብል ልዑል ተከለ ሰብነት ደቀንስትዮ ተንቲኖም ምስ ኣብቅዑ፡ ብፅዕና ናይ ምእዋጅ ስነ ሥርዓት መሪሖም፥ ኢየሱስ ወትሩ ክሳብ ፍጻሜ ዓለም ምሳና እዩ። እዚ ኢየሱሳዊ ቃል ኪዳን’ዚ ድማ ኣብ ኩሉ ዓለም ክውን እዩ። ኣብ ኮሎምቢያ ድማ በዞም ክልተ ሰማዕታት ኣቢሉ ይምስከር ኣሎ።

... ኣብ ጉዕዞና ፍትሒ ንምርግጋጽ ሕነ ምፍዳይ ነወግድ፡ ኣብ ጉዕዞና ብርሃን ክኣትው ንፍቀድ፡ ንሓቂ ንሰናይ ንሓደ ናይ ታሪኽ ክፍሊ ዘይኰነስ ንምልኣተ ታሪኽ ሕራይ ንበል። ምቕርሓም ኣስናንን ትዕቢትን እምቢ ቢልና ንናይ ሓጢኣትና ታሪኽን ዓመጽን ግርጭትን ኩሉ ብወንጌል ክልወጥ ንፍቀድ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ቅዱስነቶም ድሕሪ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብቲ ብምዕልቕላቕ ማይ ኣዚዩ ዝተጠቕዔ ካብቢ ንዝመጹ ምእመናን ቀሪቦም ሰላም ቢሎምን ሓገዝ እውን ብምዕልቕላቕ ማይ ብዝተጎድኣ ሰበኻ ጳጳስ ኣቢሎም ነቲ ዝተጎድአ ሕዝቢ ከምዝለገሱ ኣኵይሊኒ የመልክታ።

 

ቅዱስ ኣቦና ሰዓት 11.30 ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፈጺሞም ሰዓት 11.50 ናብ ማሎካ ደል ኾሮፖ እተሰምየ መእንገዲ ስፍራ ብምዃድ ምሳሕ ተቛዲሶም ዕረፍቲ ገይሮም ልክዕ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 03.30 ናብቲ ዓቢይ መደብ ስነ ስርዓት  ዕርቂ ንምስታፍ ናብቲ ኣብ ቪላቪሰንሲዮ ዝርከብ ልዕሊ 6ሺሕ ተጋባእያን ዝሕዝ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ በጺሖም ነቶም ኣብቲ ኣዳራሽ ዝተረኽቡ ናይቲ ኣብ ኮሎምቢያ ናይ ዝተኻየደ ኵናት ሕድሕድ ጉዳኣትን ኣደዳ ዝዀኑን ዜጋታትን ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ነበር ኣባላት ዕጡቓት ሃይልን ቀሪቦም ሰላም ቢሎም ናብቲ ናይቲ ኣዳራሽ መድረኽ ምስ ደየቡ፡ ካብ ናይ ቪላቪንሰንሲዮ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ኡርቢና ኦርተጋ ናይ እንቋን ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ምስ ቀረበሎም ስዒቡ ናይ ዕርቂ መንፈሳዊ ስነ ስርዓት መዝሙረ ዳዊት ምዕራፍ 85 ተነቢቡን ሰላም ዘቃልሑ መዛሙራት ቀሪቡን ስዒቡ ኣርባትዕተ ናይቲ ኵናት ሓድሕድ ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ቃለ ምስክርነት ቀሪቡን ነፍሲ ወከፎም ድማ ኣብ ትሕቲ ኣብቲ ኣብ መድረኽ ዝቖመ መስቀል እግሪ ሽምዓ ኣንቢሮም ምስ ኣብቅዑ ሰላምታ ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ተፈጺሙ።

ቅጺሎም ቅዱስ ኣቦና ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ብዝብል ኣብቲ ዕለት 2 ግንቦት 2002 ዓ.ም. ኣብ ቦኻያ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስቲያን ዝተዓቖቡን መጉዳእት ወሪዱን ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ዝነበረ ናይ ስቑል ኢየሱስ ናይቲ መጥቓዒቲ ኣደዳ ኰይኑ ሎሚ ስንኩል መስቀል ዘቦኻያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብቲ መድረኽ ክቐውም ኣብ ዝተገብረ ምስሊ ስቑል ኢየሱ ዙሪያ ስቓይን ምድንፋቕን ተስፋን ዘድምዔ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ናይ ዕርቂ ናይ ጸሎት ስነ ስነርዓት መሪሖም ዘስምዕዎ ቃል፥ እቶም ኣብቲ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ዝሳተፉ ዝነበሩ ኣካሎም ዝሰንከለ ናይቲ ኵናት ሕድሕድ በሰላ ኣብ ኣካሎም ዝረአይ ነበር ኣባላት ዕጡቓት ሓይልን ናይ መግስቲ ወትሃደራትን ንጹሓን ዜጋታትን፥ ኵሉ ኣብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዝፍጸም ዓመጽ ናይ ሰብኣዊ ኣካል ቁስሊ እዩ።  … ፍቕሪ ካብ ሞትን ዓመጽን እዚዩ በዓል ሓይልን ሓያልን ምዃኑ ዝገልጽ ቃል ንዅሎም ኣረኪቦም፡ እቲ በቲ ኣብ ቦኻያ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ምኽንያት መጉዳእቲ ዝወረዶ ስቑል ኢየሱስ ናይቲ ኵናት ሕድሕድ ስቓይን ሞትን ሕልቂትን ፍሉይ ትእምርቲ እዩ ኢሎም።

እቶም ናይቲ ኵናት ኣዕቤን ምስክርነት ዝሃብዎ ዜጋታት ዝበልዎ ቃል ምልስ ቢሎም ብምሕሳብ፥ ብርግጽ ዓመጽ ዓመጽ እዩ ዝወልድ ብምሕረት ግና እቲ ናይ ጽልእ ሰንሰለት ይብተኽ፡ ናይ መፈጸምታ ቃል ጽልእ ዘይኰነስ ዓወት እዩ ቢሎም ነቶም ምስክርነት ዝሃቡ ኣመስጊኖም፥ ብፍላይ ድማ እታ ኣካላ ዝሰንከለት ሉዝ ዳርይ ንቕዱስነቶም እትጥቀመላ ምርኩስ ከም ገጸ በረከት ዘቕረበትሎም እናጠመቱ፥ መንፈሳዊ ጉዕዞኺ እዚዩ ፍጡንን ጽኑዕን እዩ። ስለምንታይ ንኻልኦት ስለ እትሓስብን እትድግፍን። ናይ ልቢ ቁስሊ ካብቲ ናይ ኣካል መቕሰልቲ ጥልቅን ከተሕውዮ ኣዚዩ ከቢድን እዩ፡ ፍቕሪ ግና ናጻ የውጽእን ይሓንጽን ይጽግንን፡ ነቲ ዓመጽን እዚ ዅሉ ቑስልን መጉዳእትን ምኽንያት ንዝነበረ እውን ተስፋ ኣሎ። ኢየሱስ ንጥዑያት ዘይኰነስ ንህሙማን እዩ መጺኡ። ይኹን ደኣ እምበር ነቲ ዝነበረ ሓቂ ምቕባል ወሳኒ እዩ። ሓቂ ምቕባል ዓቢይ ብድሆ እዩ። ሓቂ ናብ ሕነ ምፍዳይ ዘይኰነስ ናብ ዕርቂ እዩ ዝመረሕ። ብርግጽ እቶም ዓመጽን ክፋእን ዝፈጸሙ ዘርእይዎ ምልዋጥን ጣዕሳን ምቕባሉ ከቢድ እዩ። እዚ ንዅላትና እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ካባና ይኹን፡ ዝብል ዕላማ መሰረት ገይርና ነቶም ንመላእ ሕብረተሰብን ንመላእ ሃገርን ሰብኣውን ስቓይን መከራን ዘውረዱ ሰባት ኣብ ይቕረ ምብሃሃል ቀዳማይ ስጉምቲ ካብኦም ክነቅል ከምዝኽእል ምእማን ብርግጽ ዓቢይ ብድሆ እዩ። ኣብ ምሕረት ምቕዳም የድሊ። ቀዳማይ ስጉምቲ ካባይ ንበል ከምዝሉሉ ጂሶቲ ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብደም ንጹሓን ዝጨቀወ መሬት ቅዱስ መሬት ቢሎም፡ እግዚኣብሔር ምሳኹም ሓቢረ ስለ ምስቓይኩምን ስንክልናኹም ክነብዕ ጸጋኡ ይሃበኒ፡ ኣነ እውን ምሕረት እሓትት ኵላትና ብሓባር ምሕረት ንሕተትት ንሓድ ሕድና ንመሓሓር በዚ መገዲ’ዚ ኣቢልና ብተስፋ ንቕድሚት ንበል ዝብል ሓሳብ ዝተንተንሉ ቃሎም ኣጠቓሊሎም፡ ኮሎምቢያ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ልብኺ ንእግዚኣብሔር ኣርህዊ፡ ክትዕረቒ ንዕርቂ ገዛእ ርእስኺ ፍቑድ ግበሪ፡ ንዕርቂ እነኹ በሊ፡ ሓቅን ፍትሕን ኣይትፍርሒ ቢሎም ምሕረት ምሃብን ምሕረት ምቕባልን ኣይትፍርሑ፡ ነቲ ተጻባእነት ካብ መንጐኹም ዘምሕው ንምቅርራብን ከም ኣሕዋት ንኽትራኸቡን ዘብቅዓኩም ዕርቂ ኣይትቃወሙ። ኣቑሳል ዝፍወሰሉ ሰዓቱ ሕጂ እዩ መራኸቢ ድልድል እነቑመሉ ምፍልላይ እነጽብበሉ እዋኑ በጺሑ እዩ። ሕነ ምፍዳይ እንቃወምሉ ጽልእን ተጻባኦነትን እነጥፍኣሉ ኣብ ፍትሕን ሓቅን ሓቀይና ኣብ ሕውነት ዝቖመ ናይ ምርኻብ ባህሊ እነቑመሉ ንሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ገዛእ ርእስና እነርህወሉ ኣዋን እዩ። ከምቲ ጐይታ ዝደልዮ ብውህደትን ሕውነትን ክንነብር የኽእለና። ጽልእን ምምራርን ቅሬታን ኣብ ዘለሉ ቦታ ፍቕርን ምሕረትን ምንባርብር መታን ክንክእል ሓነጽቲ ሰላም ግበረና ንበሎ  ዝብል ጸሎት ከምዘቕረቡ ሉእኽ ጋዚጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣፍሊጦም።

 

ቅዱስ ኣቦና ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተን ኣርብዓን ደቓይቕ ብናይ ኮሎምቢያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ናብቲ ኣብ ቪላቪንሰንሲዮ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ተፋኒዮም  ሰዓት ሽዱሽተን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ ቦጎታ ኣብ ዝርከብ ካታም ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ በጺሖም ናብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋያዊ ልኡኽ ሕንጻ ልክዕ ሰዓት ሸውዓተን ርብዕን በጺሖም  ኣብቲ ከባቢ ድማ ናይቲ ኣብ ኮሎምቢያ ዝተኻየደ ኵናት ሕድሕድ ዝተፈላለየ መጉዳእቲ ዝወረዶም ዜጋታት ኣቀባብላ ተገይርሎም ንኹሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ተፋንዮምን ኣብቲ ሓዋርያዊ ወኪል ሕንጻ ድራር ተቛዲሶም ናይ ዕለት 8 መስከረም 2017 ዓ.ም. መርሓ ግብሮም ዛዘሙ።

 

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 9 መስከረም 2017 ዓ.ም. ሰዓት 08፡10 ካብ ካታም ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ነቒሎም ሰዓት 09፡30  ኣብታ ዘለዓለማዊት ጽድያዊት ከተማ ተባሂላ እትጽዋዕ ከተማ መደሊን ኣብ ዘሎ ኤንሪከ ኦላያ ሄረራ መዕርፎ ነፈርቲ በጺሖም ብናይ ሰበኻ መደሊን ሊቀ ጳጳስ ብዑዕ ኣቡነ ሪካርዶ ቶቦንን ብናይታ ከተማ ኣመሓዳርን ከንቲባን ኣቀባብላ ተገይርሎም መስዋዕተ ቅዳሴ ነኸዕርጉ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ናብ ዝተዳለወ ተንቀሳቃሲ መንበረ ታቦት ዝርከብሉ ስፍራ በጺሖም በሸሓት ዝቑጸር ሕዝቢ ዝተሳተፈሉ ብብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ተዓጂቦም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ስብከት ከምዝለገሱን ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪፍ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ ናብ ናይ መደሊን ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ነቒሎም ልክዕ ፍርቂ መዓልትን ፈረቓን ዝቐረበሎም ናይ ምሳሕ መኣዲ ተቛዲሶም ምስ ኣብቕዑን ምስ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ንመዘከርታ ናይ ሓባር ስዕሊ ከምተሳእሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ፡

ካብኡ ተሰናቢቶም  ልክዕ ሰዓት 02፡45 ደቓይቕ ናቲ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ብሰበኻ መደሊን ዝመሓደር ቅዱስ ዮሴፍ ናብ እተሰምየ ብምኽንያት ሕድሕድ ውግእ ብዘይ ወለዲ ዝተረፉ ዝእለይሉ መዕቆቢ ዘኽታማት በጺሖም ምስቲ ናይቲ መዕቆቢ ቤት ኣመሓደርትን ዘኽታማት ሕጻናትን ተራኺቦም  ከምዘስምዑን፡ ልክዕ ሰዓት 03፡45 ኣብ ቤት ትያትር ማካረና በጺሖም ሰዓት 04.00 (ኣብ ሮማ ሰዓት 11.30 ናይ ለይቲ ምዃኑ እዩ) ምስ ካህናትን ገዳማውያንን ደናግልን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ናይታ ቀዳማዊት ኮሎምቢያዊት ቅድስቲ እናቴ ላውራ ቅዱስ ትሩፋት ኣብ ኣብ ዝተነብረሉ መድረኽ ናይ መደሊን ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ተሓባባሪ ናይታ ሰበኻ ቤት ጽሕፈ ሓልዮ ጸዋዕታ ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ኤልኪን ፈርናንዶ ኣልቫረስ ቦተሮ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩል ቃልን ናይ ሓደ ካህንን ሓንቲ ድንግልን ናይ ሓደ ተመሃራይ ዘርአ ክህነት ቃል ምስክርነት ምስ ተሰምዔ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 15 ካብ ፍቕዲ 1-11  ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም ቃል ኣስሚዖም ብሓባር ኣቡነ ዘበሰማያት ጸሎት ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፋንዮም ልክዕ ሰዓት 05፡30 ካብ ኾሰ ኮርዶባ መዕርፎ ነፈርቲ ነቒሎም ቦጋታ ኣብ ዝርከብ ካታም ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ልክዕ ሰዓት 06፡25 በጺሖም ናብ ዘዕርፍሉ ሕንጻ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ልኡኽ ከምዝበጽሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰንበት ብናይ ኮሎምቢያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 08፡30 ካብቲ ኣብ ቦጎታ ዝርከብ ካታም ወተሃደራው መዕርፎ ነፈርቲ ናብ ካርታጀና መዕርፎ ነፈርቲ ራፋኤለ ኑኘዝ ዘካታጀና  ሰዓት 10፡00 ክበጽሑን ሰዓት 10፡15 ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ፍራቸስኮ ኣብታ ከተማ ንግዳም ሓደር ዜጋታት መእለይ ሕንጻ ዝቖመሉ ስፍራ ቀዳማይ ናይ መሰረት እምኒ ባሪኾም ከንብሩን ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ጸኦት መልኣከ እዚኣብሔር ኣዕሪጎም ናይ ዕለቱ ኣስተንትኖ ለጊሶም ኣብ ካርታጀና ዝርክበ ቤተ መቕደስ ቅዱስ ፒየትሮ ክላቨር ክበጽሑ እዮም፡

ሰዓት ሓደ ኣብ ቅዱስ ዶሚንጎ ዘካርታጀና

 ኣብ ዝርከብ ቤተ ማእድ ምሳሕ ተቛዲሶም ናብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርግሉ ስፍራ ብሄሊኮፕተር ካብ ካርተጀና ባሕሪ ሓይሊ መዕፍሮ ሄሊኮፕተር ክነቕሉ እዮም። ልክዕ ሰዓት 04.30 ብዙሕ ሕዝቢ ዝሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ስብከት ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ናብታ ካብ ሃገረ ኮሎምቢያ ዝሳናበትሉ ናብ ሃገረቫቲካን ዝነቕሉሉ መዕፍሮ ነፈርቲ ራፋኤለ ኑኘዝ ምስ በጽሑ ካብኡ ወግዓዉ ስነ ስርዓት ስንብታ ካብ ናይ ሃገረ ኮሎምቢያ ርእሰ ብሔርን በዓልቲ ቤቶም ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ሓጺር ርክብ ተገይሩ ወጎዓዊ ስንብታ ምስ ተገብረሎም ሰዓት 07፡30 ናብ ሃገረ ኢጣሊያ ከተማ ሮማ ክነቕሉን ሰኑይ ዕለት 11 መስከረም 2017 ዓ.ም. ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ፍርቂ መዓልቲን 40 ደቓይቕን ሮማ ኣብ ዝርከብ ቻምፒኖ መዕርፎ ነፈርቲ ክበጽሑ ንጽበይ።








All the contents on this site are copyrighted ©.