2017-09-13 17:22:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሃገረ ኮሎምቢያ


ዕለት 9 መሰክረም 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ናብታ ዘለዓለማዊ ጸዳይት ተባሂላ እትግለጽ ከተማ መደሊን ሓዋርያዊ ዑደት ንኽፍጽሙ ንጐሆ ልክዕ ብናይ ኮሎምቢያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 08፡20 ቦጐታ ካብ ዝርከብ ካታማ መዕርፎ ነፈርቲ ነቒሎም ልክዕ ሰዓት 09፡30 በደሊን ከተማ ኣብ ዝርከብ ዀሴ ማሪያ ኮዶባ መዕርፎ ነፈርቲ ኣትዮም ብናይ መደሊን ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሪካርዶ  ቶቦንን ብናይታ ከተማ ከንቲባ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ናብቲ ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ኤንሪከ ኣላያ ሀረራ ብናይ ወተሃደራዊ ሄሊኮፕተር ተሰንዮም ምስ በጽሑ ኣብዚ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ዝቖመ ተንቀሳቓሲ መንበረ ታቦት ቅድሚ ምብጻሖም ነቲ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽሳተፉ ንዝተኣከቡ በሸሓት ዝቁጽሩ ምእመናን እናተዘዋወሩ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ምስ ኣብቆዑ ብላቲን ስርዓት ዕለቱ ኣቶም ስርዓት ጊልያነት ከብቅዕን ስለእቶም ዝሽየጡን ዝልወጡን ካብ ኣፍሪቃ ዝገዓዙ ዝነበሩ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ዝተጣበቑን ንኣኣቶም ሓዋርይዊ ግብረ ኖልዎ ብምቕራብ ዝድግፉን ዝምህሩን ዝነበሩ ወዲ ቤተ ክርስቲያን  ዝኽሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳዊ ካህን ቅዱስ ፐድሮ ክላቨር ዝዝከርሉ ዕለት ብምንባሩ ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘኪሮም፥ ካብ ቈላስይስ ምዕ. 1 ካብ ፍቕዲ 21-23 ከምኡ እውን ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 6 ካብ ፍቕዲ 1-5 ዝተነበ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣሞርኵይዞም፥ ነቲ ሕጊ ክሓክኽ ዘይኰነስ ናብ ምልኣት ከብጽሕ ዝመጸ ኢየኡስ ክርስቶስ ምስዓብ ኣብ ሕይወት ክርስትና ዘለዎ ኣገዳስነት ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ንሶም ኣብቲ ስፍራ ምርኻቦም ድማ ብእምነትን ተስፋን ንምእመና ከጽንዑን ክርስቶስ ነጻነትና ከምዝኾነ ነቲ ሓቀይና ናጽነት ኣብ ምንባር ትግሁ ንምባልን እዩ እንክብሉ ገሊጾም ኵሉ ብኢየሱስ ክልወጥን ክፍቀርን ሕራይ ይበል። ብቕድስቲ ድንግል ማርያም ዘካንደላሪያ ክርስቲያናዊ ጉዕዞኹም ትደግፍ፡ ወትሩ ኣብ መንጐ ሕዝብታት እሙናት ልኡካነ ወንጌል ንኽትኮኑ ትደግፍኩም እንክብሉ ነቲ ዝለገስዎ ነዊሕ ስብከትን ዘቕረብዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዛዚሞም ልክዕ ፍርቂ መልዓቲ መደሊን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ናይ ምሳሕ መኣዲ ተቛዲሶምን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ድማ ምስ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ንመዘክርታ ስእሊ ተሳኢሎም እንክብል ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን ምንጪ ዜና ገሊጹ።

ቅዱስነቶም ልክዕ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 02፡45 ደቃይቕ ኣብ መደሊን ከተማ ዝርከብ ቅዱስ ዮሴፍ መእለዪ ዘኽታማት በጺሖንም ምስቶም ዝእለዩ ሕጻናትን ናይቲ መእለዪ ዘኽታማት ኣመሓደርትን ተራኺቦም ቃለ ምዕዳ ለጊሶም ልክዕ ስዓት 03፡45 ደቓይቕ ናብ ቤት ትያትር ማካረና ብምዃድ ምስ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ደናግልን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ተራኺቦም ኣብኡ ድማ ናይ መደሊን ሰበኻ ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳስን ናይ ጸዋዕታ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓላፊ ብብፁዕ ኣቡነ ኤልኪን ፈርናንዶ ኣልቫረስ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልኽቲ ንኽብሪ ቅዱስነቶም ምስ ተሰምዔ፥  ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ.15፡ 1-11 ዘሎ ምስ ተነበን ቃለ መስክርነት ናይ ኣርባዕተ ኣባላት ውሁፍይ ሕይወት ምስ ተሰምዔ፥ ናይ ውፉይ ሕይወን ክህነትን ሕይወት ማእከል ቅዱስ ቁርባን ምዃኑ ተንቲኖም እቲ ዓቢይ ሓጐስ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ እዩ፡ እዚ ምስኡ ምርኻብ ነቲ ቀጺልና እንስዕቦ ጸዋዕታ ኵሉ መሰረት ምዃኑ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ተሰናቢቶም ልክዕ ሰዓት 05.30 ካብ ኾሰ ኮርዶባ መዕርፎ ነፈቲ ነቒሎም ንምሕዳሮም ኣብ ከተማ ቦጎታ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋያዊ ልኡክ ሕንጻ ልክዕ ሰዓት 06፡25 ደቂቕ ካታም ምዕርፎ ነፈርቲ ከምዝኣተዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

 

ዕለት 10 ምስከረም 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ንጎሆ ልክዕ ሰዓት 08.00 ኣብ ቦጎታ መዕርፎ ነፈርቲ ነቒሎም ልክዕ ሰዓት 10፡00 ካርታገና ኣብ ዝርከብ ራፋኤል ኑኘዝ መዕርፎ ነፈርቲ በጺሖም ብናይ ካርታገና ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኾርገ ኤንሪኮኺመነዝ ካርቫያልን ብናይታ ከተማ ወኪላት መግስትን ከንቲባን ናይቲ ከባቢ ኣዘዝቲ ሓይሊ ምክልኻል ኣቀባብላ ተገይርሎም ነቶም ኣብኡ ዝጽበይዎም ንዝነበሩ ኣስታት 300 ሚእቲ ዝግመቱ መንእሰያት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ናብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣደባባይ ምስ በጽሑ ነቶም ኣብቲ ስፍራ ዝጽበይዎም ዝነበሩ ብናይቲ ሰበኻ ሓዋርያዊ ግብረ ሰናይ ዝድገፉ ግዳም ሓደርን ዘኻታማትን ስኡናትን ዜጋታት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ኣብኡ ብናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኣባ ኤልኪን ኣሰቨዶ ኣቀባብላ ተገይርሎም ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝሕነጽ መዕለይ ግዳም ሓደር ዜጋታት ሕንጻ ናይ መሰረተ እምኒ ባሪኾምን ኣንቢሮምን ምስ ኣብቅዑ ንምሳሕ ኣብቲ ታሊታ ኩም እተሰምየ ናይ ግብረ ሰናይ ማእከል ከምዝኸዱን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ልክዕ ሰዓት 11.30 ናብቲ ኣብ 1604 ዓ.ም. ብማሕበር ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ዝተመስረተ ቅዱስ ፐድሮ ክላቨር ገዳም ከይዶም ኣብኡ ድማ ናይ ካርታገና ኢየሱሳያን ማሕበር ሓለቓን ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳያንን ኣቀባብላ ተገይሩሎም፡ ናብቲ ቅዱስ ፐድሮ ክላቨር ቅዱስ ስፍራ ኣትዮም ኣብ ቅድሚ ናይ ቅዱስ ፐድሮ ክላቨር ቅዱስ ትሩፋት ጸሎት ኣዕሪጎምን ፍዮሪ ኣንቢሮምን ምስቶም 65 ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያንን ንሳላሳ ደቓይቕ ዝኸውን ተዘራኢቦምን ተላልዮምን ምስ ኣብቅዑ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅዱስ ፐድሮ ክላቨር ቅዱስ ስፍራ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔ ጉባኤ ኣስተምህሮ ለጊሶም ጸሎት መልእከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ምስ ተፋነዉ ናብ ቅዱስ ዶሚንጎ ገዳመ መናንያን ከይዶም ኣብኡ ናይ ምሳሕ መኣዲ ተቛዲሶም ልክዕ ሰዓት 03፡55 ናብ ናይ ካርታገና ቤተ ሊቀ ጳጳስ ብምኻድ ምስ 300 ዝግመቱ ህሙማን ተራኺቦም ቡራኬ ሂቦም ተፋነዉ እንክብል ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ኣቦና ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ልክዕ ሰዓት 04፡30 ኣዕሪጎምን ካብ ምንባብ ነቢይ እዝቕኤል ምዕ. 1፡ 7-9, ካልኣይ ምንባብ ካብ መልእኽቲ ሓዋርያ ጳውሎ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕ. 13፡ 8-10 ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 18፡ 15-20 ዝተወሰደ ናይ ዕለቱ ንምባባት ኣሞርኵይዞም ስብከት ለጊሶም መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ ንናይ ካርታገና ሊቀጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኾርገ ኤንሪከ ኺመነዝ ካርቫያል ንዘስምዕዎ ጥዑም ቃልን ከምኡ ኣውን ናይ ኮሎምቢያ ርእሰ ብሔር ኽዋን ማኑኤል ሳንቶስ ሃገረ ኮሎምቢያ ንኽበጽሑ ንዘቕረብሎም ዕድመን ኣብ ሃገረ ኮሎምቢያ ንዝተገብረሎም ኣቀባብላን ኩሉ  ደጊሞም ብምምስጋን፡ ደጊመ ዝኸበርኩም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ሓደራ ኣብ ጐደና ሰላም እቲ ቀዳማይ ስጒምቲ ሓደራ ካባይ ይንቀል ንበል ቢሎም ዕለት 8 መስከረም 1654 ዓ.ም. ቅዱስ ፔትሮ ክላቨር ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልደሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም ንሱ ብፍቓዱ ነቶም ዝልወጡን ዝሽየጡን ዝነበሩ ብምጥባቕ ብፍቓዱ ኣነ እውን ጊላ እየ ቢሉ ነርብዓ ዓመት ዝተሳቐየን ንሱ ዘበገሶ ስጉምቲ እነሆ ካልኦት ስለ ዝሰዓብዎ ንልክዕ ከምኦም ሓደ ሰብ ጊልያ ክሳብ ተገይሩ ዝሕሰብ ኩላትና ጊልያዎት ኢና ናበሉ ስለ ናይ ኩሉ ነጻነትን ንምጥፋእ ስርዓት ጊልያነት ዝተዓጥቁ ብምንባሮም ድማ እቲ ጸረ ሰብኣዊ ስርዓት ጠሪሹ ተወጊዱ እዩ። ኣብነቱ ካብቲ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ናይ ገዛእ ርእስኻ ምቑሕ ምዃን ብምልቓቕ ናብ ብጻይና ከነብል የተባብዓና።

ኮሎምቢያ ሓውኽን ሓብትኽን የድልየክን ትድልየክን እያ። ሰላም ከተካፍልን ካብ ኩሉ ዓመጽ ናጻ ንምውጻእ ናብ ኣሓውትን ኣሓትን ኣብሊ፡ ናይ ዓመጽ ዘይኰነስ ናይ ሰላም ግዙኣት ንኹን ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ቅዳሴ ተሰናቢቶም ናብቲ ናብ ሮማ ዝነቕልሉ መዕርፎ ነፈርቲ ራፋኤል ኑኘዝ ምስ በጽሑ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክቡር ርእሰ ብሔር ኮሎምቢያ ማኑኤል ሳንቶስን ክብርቲ በዓልቲ ቤቶም ኣቀባብላ ተገይሩሎም ሓጺር ናይ ግሊ ርክብ ምስ ኣካየዱ ወተሃደራዊ ኦርከስትራ ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ሃገረ ኮሎምቢያን መዝሙር ምስ ኣስምዑን ወተሃደራዊ ሰላምታ ንኽብሮም ቀሪቡ ንኹሎም ናይታ ኣብ ኮሎምቢያ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መንፍሳዊ መራሕቲ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ካብ ኮሎሚያ ተሰናቢቶም ልክዕ ሰዓት ሸውዓተ ናብ ኢጣሊያ ከተማ ሮማ ምስ ተበገሱ ዕለት 11 መስከረም ሰዓት 12፡55 ደቓይቕ ሮማ ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ቻምፒኖ ምስ በጽሑ ከምቲ ልሙድ ሮማ ናብ ዝርከብ ቅድስተ መርያም ዓቢይ ባዚሊካ ብምዃድ ኣብ ቅድሚ እታ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ኣብ እተሰምየ ቅዱስ ምስሊ ፊት ጸሎት ኣዕሪጎም ብሰላም ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ከምዝኣተዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ኣብ ምምላሶ በቲ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣራሻኦም ኣቢሎም፥ “ኣብ ኮሎምቢያ ልበይ ምስ ዝተንከፉ ቡዝሓት ሰባት ተላልየ፡ ናባኹም ምምጻአይ ሰናይ ኰነለይ” ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነዉ መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.