2017-09-15 09:16:00

ብፁዕ ኣቡነ ጂረሊ ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን


ናይ ቀጵሮስ ስዩም ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ለዮፖልዶ ጂረሊ ኣብ እስራኤል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ኣብ ፍልስጥኤም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ  ወኪልን ንኽኾኑ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተሰየሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።    

ብፁዕ ኣቡነ ለዮፖልዶ ጂረሊ ክሳብ ናብ እስርኤልን ፍልስጥኤምን ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽን ወኪልን ከይኖም ዝተሾሙሉ እዋን ኣብ ሲንጋፑር ዋና መንበሩ ኣብ ዝገበረ ናይ ደቡብ ምብራቕ ሃገራት እስያ ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ወኬልን ኣብ ቨትናም ዘይቅመጡ ኣብ ቨትናም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪልን ከይኖም ከምዘገልገሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ብፁዕነቶም ነቶም ኣብ እስራኤል ናይ ቅድስት መንበር ወኪልን ኣብ ፍልስጥኤን ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽን ከይኖም ንሓሙሽተ ዓመት ንዘገልገሉ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጁዜፐ ላዛሮቶ ዝትክኡ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ኣቡነ ጂረሊ ኣብ ኢጣሊያ ሰበኻ በርጋሞ ኣብ እትርከብ ከተማ ፕረዶረ ዕለት 13 መጋቢት 1953 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብ 1978 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም ካብ 1987 ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ውክል ስርሒት ተመዲቦም ምግልጋል ከምዝጀመሩን ኣብ ካመሩንን ደሓር እውን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ተመዲቦም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ከምዘገልገሉ መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን እንከመልክት፥ ኣብ 2006 ዓ.ም. መዓርግ ሊቃነ ጵጵስ ለቢሶም መንበሩ ኣብ ኢንዶነዢያ ናይ ዝኾነ ኣብ ኢንዶነዢያን ቲሞር ኤስትን ናይ ቅዱሲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ኰይኖም ኣብ 2011 ዓ.ም. ድማ ኣብ ሲንጋፖር መንበሩ ዝገበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪልን (ክሳብ 2013 ዓ.ም.) ኣብ ማለዢያን ብሩነይን ድማ ልኡኽን ኰይኖም ከምዘገልገሉ ኣፍሊጡ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.