2017-09-15 09:12:00

ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና


ረቡዕ ዕለት 12 መስከረም 2017 ዓ.ም.  ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ መእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ፥ ካብ ዕለት 6 መስከረም ክሳብ ዕለት 11 መስከረም 2017 ዓ.ም. ኣብ ኮሎምቢያ ዘካየድዎ መበል 20 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ኣማእኪሎም ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ኣብ ኮሎምቢያ ዘካይድክዎ ምብጻሕ ነቲ ሕዝቢ ኮሎምቢያ ብዙሕ ማህሰይትን መቑሰልትን ካብ ዘስዓበሉ ድሕሪ ናይ ፍርቂ ዘመን ኵናት ሓድሕድ ተላቒቑ ዝፍጽሞ ዘሎ ከይዲ ዕርቂ ንምብራኽ ዝብል ድላይ ዘማእከለ እዩ ኔሩ ከምዚ ምንባሩ ድማ እቲ ናይቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሖ Demos el primer paso ቀዳማይ ስጉምቲ ካባና ይንቀል ዝብል ምንባሩ ድማ ኣዘኻኺሮም ኮሎምቢያ ብእግዚአብሔር ተደጊፊ እዚ ስጉምቲ ድሮ ኣንቂላቶ እያ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ቅድም ቀዳድም ንኮሎምቢያ ንኽበጽሑን ንዝዓደምዎምን ኣብ ኮሎምቢያ ምስ ኣተዉ ድሙቕን ክቡርን ኣቀባብላን ገይሮም ነዘኽበርዎም ንናይ ኮሎምቢያ ርእሰ ብሔር ክብረት ይሃበለይ ቢሎምን ነቶም ድሙቕን ውዕዉዕን ኣቀባብላ ንዝገበሩሎም ብፁዓን ጳጳሳት ብፍላይ ድማ ንሕዝቢ ኮሎምቢያ ብምምስጋን እቲ ዘደንቕ ምስቲ ኩሉ ስቓዩ ዘርእዮ ዝነበረ መንፈስ ሃሴት ብሓቂ ዝድነቕ እዩ። እቲ ናተይ ናብ ኮሎምቢያ ብምጻሕ ካብቲ ሕዝቢ ካብ ዝህቦ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን እውን ሃብቲ ዝኾነ ምስክርነት ሕይወት ገዛእ ርእሰይ ንኽመሃር እውን ዕድል እዩ። እቲ ሕዝቢ ናይ ተስፋ ህዝቢ እዩ። እቲ ዘደንቕ ኣብ ይሓለፍሉ ኣብ ዝነበሩ ስፍራ ዝርከብ ዝነበረ ሕዝቢ ወለዲ ደቃቶም ሓፍ እናበለኡ ክባርኸሎም ዘቕርብዎ ዝነበረ ሕቶ እዩ። ወደይ እዩ ቢሎም ንኽርእይዎ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ ወለዲ ናይ ምዃኖም ሓበን ዝምስክር እዩ። ሃብተይ ውላደይ እዩ። እዚ ተስፋይ እዩ እዮም ዝብሉ ዝነበሩ። ወላድ ሕዝቢ ውላዱ ተሓቢኑን ብተስፋን ዘርእይ ሕዝቢ በዓል መጻኢ እዩ  ብሓቂ ደስ ዘበለኒ ኣጋጣሚ ድማ እዩ ከምዝበሉ ዶኒኒ ገሊጸን

ኮሎምቢያ ልክዕ ከም ኩለን ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ጽኑዕ ክርስቲያናዊ መሰረት ዘለዋ ሃገር እያ፡ እዚ ድማ ብሓደ ሸነኽ እቲ ዘጋጠማ ዘሕዝን ፍጻሜ ዘስዓቦ ስቓይ ጭሙት ምስትውዓል ክገብረሉ ዝድርኾ እውን እንተኾነ ብኻልእ መዳይ ዋሕስ ሰላም እዩ፡ እቲ ንሕዝቢ ክገማምዕ ዝደለየ መንፈስ ክፍእት ብዘየገድስ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ካብ ሞት ኣዚዩ ብርቱዕ እዩ።

ቅዱስ ኣቦና በቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣቢሎም ሕዝቢ ኮሎምቢያ ነቲ ኣብ ቦጎታ ርእሰ ከተማ ኣብ ኣሽሓት ህዝብን ሕጻናትን መንእሰያትን የዕይንቲ ኣቢሉ ንዝገለጾ ድላይ ሰላም ናይ ክርስቶስ ቡራኬ ንምብጻሕ እዩ።

ኮሎምቢያ ካብተን ኣብ ዓለም ብብዙሓ ሕይወት ሃብታማት ተባሂለን ካብ ዝጥቀሳ ሃገራት ውሽጢ ካልኣይቲ ምዃና ዘኪሮም ብጸጋታት እግዚኣብሔር ዝተባርኸት ሃገር እያ ምስ በሉ፥ ቀጺሎም ምስ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኰሎምቢያን ምስ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ወሳኒ ኣካል እውን ከምእተራኸቡ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም ቀንዲ ዕላማ ንሱ  ዕርቅን ናይ ንስሓ ሊጡርጊያን ናብ ዝብል ሓሳብ ምልስ ቢሎም፥ ኣብ ቪላቪሰንሲዮ ዓርቢ ዕለት 8 መስከረም 2017 ዓ.ም. ዘካይድዎ ርክብ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ቅድሚ እዚ ናይ ዕርቂ ሊጡርጊያ ምክያዱ ንጐሆ ንሰማዕት ብፁዕ ኣቡነ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኸሱስ ኤሚሊዮ ኻራሚሎ ሞንሳልቨን ንሰማዕት ናይ ሰበኻ ካህን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ፐድሮ ራሚረዝ ራሞስ ቅድስና ንምእዋጅ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘኪሮም፡ ስለ እምነቶም ዝተቐሉ ደም ሰማዕታን ብዙሓት ከምኣቶም ናይ ፍትሒ መሰኻኽር፡ ኣብ ዝኸፈልዎ መስዋዕቲ ሰላም ይጸንዕ፡ ናይቶም ብፁዓን ታሪኽ ሕይወት ኣብ ቅዳሴ ክንበብ እንከሎ ክሳብ ንኽትነብዕ ዝድርኽ ምድንፋቕ ኣሕዲሩልና እዩ። ናይ ስቓይን ናይ ሓሴትን ንብዓት። ኣብ ቅድሚ ናይቶም ብፁዓን ቅዱሳት ትሩፋት ዝነበረ ሕዝቢ መለለይኡ ብልዑል መንፈስ ክሰምዕ ክኢሉ እዩ፡ ስለ እቶም ብዙሓት ኣደዳ ዓመጽ ምኽንያት ብዙሕ ስቓይ ስለ ምሕረት እግዚኣብሔር ድማ ሓሴት። ምሕረትን ሓቅን ተራኸባ ጽድቅን ሰላምን ተሰዓዓማ (መዝ. 85.10)፡ ዝብል ኣብ መኽፈቲ እቲ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተነበ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ነቲ ናይቲ ኵናት ሓድሕድ ኣደዳ ዝዀኑን ዝቖሰሉን ዜጋታትን ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ነበር ዕጡቓት ሓይልን፡ ናይ መንግስቲ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ነበር ኣባላት ዕጡቓት ሓይልን ዘሳተፈ ኣብ ቪላቪሰንሲዮ ዝተነብረ ብሔራዊ ናይ ዕርቂ ሊጡርጊያ (ናይ ንስሓ ሊጡርጊያ) ዝገልጽ እዩ። … እዚ ትንቢታዊ ቃል ኣብቶም ኣብቲ ናይ ንስሓ ሊጡርጊያ ቃል ምስክርነት ዝሃቡ ናይ ኣካል መቑሰልቲ ዘጋነፎምን ኣድማይን ደማይን ኩሉ ብጸጋ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሶም ከፊቶም ንምሕረትን ንዕርቅን ረሃዉ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ሕይወት ክርስትና ሓዋርያነት እዩ። ጸዋዕታን ተልእኾን እዩ ቢሎም ዕለት 9 መስከረም 2017 ዓ.ም. ኣብ ከተማ መደሊን ዝተነብረ መንፈስ ከምዝነበረ ገሊጾም። ክርስትና ጸዋዕታን ተልእኾን ምስ ዝኸውን ክርስቲያን ጨውን ብርሃንን መባኹዕትን ይኸውን። ከምዚ ምዃኑ ድማ ኣኺሉ ዝተፍር ፍረ ይህብ። ከምዚ ምዃኑ እውን እቲ ኣብ ሆጋረስ ናይቲ ናይ ዝተኻየደ ኵናት ሓድሕድ ኣደዳ ዝዀኑ ዘኽታማት ዝእለይሉ ቤትን ከምኡ እውን ምስቶም ኣባላት ውፉይ ሕይወን ካህናኣትን ደናግልን ዘካይድዎ ርክብ እናዘከሩ፡ እቲ ዝረአይዎ ኣብ ኮሎምቢያ ዘሎ ጽዋዕታ ውፉይ ሕይወት ዝምስክሮ ፍድፋድ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ከተማ ቅዱስ ፔትሮ ክላቨር ተባሂላ ኣብ እትግለጽ ከተማ ካርታገና ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ጠቒሶም። ቅዱስ ክላቨር ኣቦ እቶም ዝልወጡን ዝሽየጡን ዝነበሩ ጊልያውያን ናጻ ንምውጻእን ንኣኣቶም ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብምቕራብን ስሌኦም ስለ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝተጣበቑን  ከምእዉ እውን ቅድስቲ ማሪያ በርናርዳ ቢዩልተር ዘኪሮም፡ ናይቲ ፖለቲካዊ ዘይኰነ ናይቲ ሓቀይና ጐደና ሰውራ ወንጌል ምዃኑ ብሕይወቶም ዝመሰክሩን እቲ ንሳቶም ዝሃብዎ ኣብነት ነቲ ትማሊ ዝነበረ ስርዓት ጊልያነትን ነቲ ሎሚ እውን ዘሎ ሓድሽ ዓይነት ስርዓትን ተግባርን ጊልያነት ንምውጋድ ዘተባብዕ እዩ።

እቲ ናይቲ ሓዋርያዊ ምገሻኦም ዋና መርሕ ቃል ቀዳማይ ስጉምቲ ካባና ይንቀል ዝብል ጠቒሶም ናይ ሓውን ሓብትን ቁስሊ ምስቲ ስሌና ጊልያን ኣገልግልን ምስ ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይንካ ብምትንካፍ እቲ ናይ ጐይታ ፍቕሪ ስግው ንምግባር ቀዳማይ ስጉምቲ ካባና ይንቀል። ነፍሲ ወከፍ ኮሎምቢያዊ ቀዳማይ ስጉምቲ በታ ኣብ ኮሎምቢያ ቀሪበ ዝራእክዋን ኣብ ቅድሜኣ ኮይነ ኣማላድነታ ብዝጸለኹላ ቅድስተ ማርያም ዘቺኵይንኵይራ ድጋፍን ሓልዮትን ካብኡ ኣበጊሱ ሰላም ይሕነጽ። እዚ እዩ እቲ ቅድመይ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይን ደሓር ድማ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኮሎምቢያ ብምጻሕ ኣካይዶም ዝሃብዎ ለበዋ እውን ንሱ እዩ ኔሩ እንክብሉ ዘለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.