2017-09-19 14:12:00

ምእንቲ ኣመሓደርትና ምጽላይ የድሊ! እንተዘይገበርናዮ ሓጢኣት ይቊጸረልና! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 18 መስከረም 2017 ዓምፈ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ክርስትያን ኩሎም ንመራሕቶም ብጸሎት ከሰንይዎም ኣለዎም! ወላ እንተተጋገዩውን ምእንታኦም ምጽላዮም ከቋርጹ የብሎምን` እንክብሉ ሓደራ ቢሎም፣ እዚ ግን ብወንገን ኣመሓደርቲ እውን ክግበር ኣለዎ ‘ኣመሓደርቲ ክጽልዩ ኣለዎም እንተዘየሎ ኣብ ሓደ ጉጅለ ወይውን ውድቦም ጥራይ ተዓጽዮም ንካልኦት ናይ ምርሳዕ ሓደጋ ኣሎ፣ ኣብ ቅድሚ ሕዝበ እግዚኣብሔር ቦታኡ ዝፈልጥ ኣመሓዳሪ ወትሩ ምስ ጸለየ እዩ’ እውን ኢሎም፣

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ናይ ትማሊ ግጽው ቀዳማይ ንባብ ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ካልኣይ ምዕራፍ ዝተወስደ ኮይኑ ‘እምብኣርከ ቅድሚ ኩሉ ምእንቲ ዅሉ ሰብ፡ ልመናን ምህለላን ጸሎትን ምስጋናን ኪግበር አማሕጽነካ ኣሎኹ፣ ህዱእን ሰላማውን ሕይወት ምእንቲ ክነሕልፍ። ብፈሪሃ እግዚኣብሔርን ኣገባብ ብዝመልኦ ክብርን ምእንቲ ነገስታትን ሰበሥልጣንን ኩሎም ምጽላይ የድሊ’ ዝብል ክፍሊ ከምኡ እውን ካብ ወንጌል ሉቃስ ሻብዓይ ምዕራፍ ብዛዕባ እምነት ሓደ ሓለቃ ሚእንቲ ዝገልጽ ንሓደ ኣገልጋሊኡ ከሕውየሉ ናብ ኢየሱስ ሽማግለታት ዚልእኽ እሞ እቶም ሕዝቢ ብዛዕባኡ ንኢየሱስ ` ንሱ ንሕዝብና ዜፍቅሮ ምኹራብ ዝሠርሓልና እዩ እሞ። እዚ ክትገብረሉ ዚግብኦ እዩ እናበሉ ተማሕጸንዎ’ ይብል፣

ቅዱስነቶም ካብ ታሪኽ ወንጌል ብምብጋስ ‘ኣብ ወንጌል ዝጽሊ ኣመሓዳሪ ንረክብ። እቲ ሓለቃ ሚእቲ ዝሓመመ ኣገልጋሊ ነበሮ፣ ወላውን ባዕዳዊ ገዛኢ እንተነበረ ነቲ ሕዝቢ የፍቅሮ ነሩ ነቲ ኣገልጋሊኡውን ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ ብዛዕባኦም ይግደስ፣ እዚ ሰብዚ ጸሎት ከምዘድልዮ ይርዳእ፣ ስለዘፍቅር ጥራይ ዘይኮነ ንሱ ናይኩሉ መወዳእታን ኣዛዝን ከምዘይኮነ ይፈልጥ ነሩ፣ ልዕሊኡ ዝእዝዝ ካልእ ሓያል ከምዘሎ ይፈልጥ ነሩ፣ ኣብ ትሕቲኡ ዝእዘዙን ዝለኣኹን ዓሳኽር እውን ነሮሞ፣ ንሱ ንባዕሉ እውን ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ተኣዛዝን ዓስከርን ምዃኑ ይኣምን፣ እዚ ከኣ ንክጽሊ ይሕግዞ፣ ማዕጾ ጸሎት ከኣ እዚ እዩ፣ እዚ ዓይነት ሕልና ዘሎዎ ኣመሓዳሪ ይጽሊ፣ እንተዘይጸልዩ ኣብ ኣነነቱ ይዕጾ ኣብታ ጉጅለኡ ወይ ውድቡ ጥራይ ተወሲኑ ይተርፍ፣ ካብዚ ዓንኬል እዚ ንክወጽእ ከኣ ብዘይመጠን ኣጸጋሚ እዩ፣ በንጻር ናይዚ ነቲ ህልው ኩነታትን ጸገማት ሕዝቡን ብምርኣይን ትሕትና ብምልባስን ልዕሊኡ ካልእ ከምዘሎ ልዕሊ መንግስትን ምምሕዳርን ሥልጣንን ክእለትን ዘለዎ ከምዘሎ ይግንዘብ፣ እቲ ሥልጣን ዝሃቦ ሕዝቢ ልዕሊ ምዃኑ ይግንዘብ ብዝበለጸ ከኣ እቲ ብሕዝቡ ኣቢሉ ብሕዝበ እግዚኣብሔር ሥልጣን ዝሃቦ ዋና ሥልጣን እግዚኣብሔር ከምዘሎ ይግንዘብ፣ እዚ ግንዛቤ እዚ ከኣ ከምዝጽሊ ይገብሮ፣

ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቅጻል ኣመሓደርቲ ጸሎት ክገብሩ ግድን ከምዝኾነ ምስ ገለጹ ብዛዕባ ምንታይ ከምዝጽልዩ ንምግላጽ ከኣ ‘ምእንቲ ቅሳነትን ሰናይን ናይቲ ንኣኦም ሓደራ ዝተዋህበ ሕዝቢ ይጽሊ’ ድሕሪ ቢሎም ናይ ሓደ ዝፈልጥዎ ኣመሓዳሪ ሕይወት ጸሎት ይገልጹ፣ እዚ ኣማሓዳሪእዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ወላውን ጽዑቅ ሥራሕን ጸገማትን ይንበሮ ዕለት ዕለት ንክልተ ሰዓት ዝኸውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብሱቊታን ኣስተንትኖን እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ብጽቡቅ ከመሓድር ጸጋ ክህቦ ከምቲ ንጉሥ ሰሎሞን ወርቅን ሃብትን ዘይኮነ ንምምሕዳር ሕዝቡ ጥበብ ዝለመነ ይልምን፣

ኣመሓደርቲ ካብ እግዚኣብሔር ነዚ ጥበብ እዚ ክልምኑ ኣለዎም፣ ኣመሓደርቲ ክጽልዩ ናይ ግድን እዩ ኣድላዩ እዩ፣ ምስዚ ከምቲ ኣብ ትሕቲኦም ተኣዘዝቲ ዘለውዎም ንሶም እውን ናይቲ ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ እግዚኣብሔር ተኣዘዝትን ተለኣኣኽትን ምዃኖም ክዝክሩ እዚ ከኣ ንእግዚኣብሔርን ንሕዝቡን ስለዝኾነ ሓይሎም ካብ መላእ ሕዝብን እግዚኣብሔርን እምበር ካብ ጉጅለይ ወይ ውድበይ ዝገደደ ከኣ ካብ ፍልጠተይን ክእለተይን ካብ ዝብል ሓደጋ ይድሕን፣

ምናልባት ገሊኦም መራሕቲ ንሕና ኣይነኣምንን ኢና ብዛዕባ ሃይማኖት ኣይግድሰናን እዩ ቢሎም ዝዕበዩን ጸሎት ዘነኣእሱን ቅዱስነቶም ከምዚ ቢሎም ይምልሱ፣ ‘ክትጽሊ ዘይትኽእል እንተኾንካ ምስ ሕልናኻ ተማኸር ምስ ዓበይትን ለባማትን ሕዝብኻ ተማኸር እምበር በይንኻ ምስ ንእሽቶ ውድብካ ተዓጺኻ ኣይትትረፍ ዝገደደ ከኣ ብኣነነት ተዓኒድካ ኣይትትረፍ’ ክብሉ ይመኽሩ፣

ኣብ አብ መደምደምታ ናብታ ቀዳመይቲ ንባብ ናይ መልእኽቲ ጳውሎስ ምልስ ቢሎም ስለ ንጉሥ ክንጽሊ ግድን እዩ ይብሉ፣ ምኽንያቱ ሰላማውን ቅሱንን ሕይወት ንምንባር ክብሪ ወዲሰብ ዝሕለወሉን ንእግዚኣብሔር ዝተወፈየ ሕይወት ንክህልወናን፣ ውሕስነት ክህበና ክሕልወና ጥበብን ብርሃንን ረኺቡ ብግቡእ ንከመሓድር ምእንቲ ንጉሥ ምጽላይ የድሊ ቢሎም፣ ሓንሳብ ሓንሳብ ሓደ ኣመሓዳሪ ዘይሕጉሰና ነገር ምስ ዝግበር ንነቅፎ ካልእ ግዜ ከኣ ንንእዶ፣ ኣብ ጉጅሊኡን ፓርላመንትን ተሓጺሩ ይተርፍ፣ ኣነ ኣይመረጽክዎን ባዕሉ ይፈልጥ ኢልና ኣብ ጉዳይና ንኸይድ። በይኖም ክንገድፎም የብልናን ብጸሎት ክነሰንዮም ኣሎና፣ ምናልባት ሓደ ካባኹም ዋእ ኣባቴ ነዚ እዚ ኩሉ ክፋእ ዝገብር ምእንታኡ ከመይ ገረ ክጽሊ ክብለኒ ይኽእል፣ ኣነ ኸኣ እኳ ደኣ ብዙሕ ጸሎት ዘድልዮ እዚ እዩ ምእንታኡ ጸሊ ምእንታኡ ጹም ምእንቲ ኣመሓደርቲ ተጋድሎ ግበሩ እብለኩም፣ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ምምላድ ጸሎት ክግበር ምናዳ ምእንቲ ሓለፍቲ ይምሕጸን ስለምንታይ እንተቢልኩም ሰላምን ቅሳነትን ዝዓሰሎ ሕይወት ክነብር፣ ሓደ ኣመሓዳሪ ነጻ እንተኾይኑን ብሰላም ከመሓድር እንተኽኢሉን ሕዝቢ በዚ ይጥቀም` ድሕሪ ቢሎም ነቶም ኣብቲ ቅዳሴ ዝተሳተፉን ብመራኸቢ ብዙሓን ነዚ ስብከቶም ንዝሰምዑን ብዛዕብዚ ጉዳይዚ ናይ ሕልና መርመራ ክገብሩ ይዕድሙ፣

‘ሓደ ግንዖ ክትገብሩለይ ክሓተኩም! ነፍሲወከፍኩም ሎሚ መዓልቲ ሓሙሽተ ደቂቅ ይውሰድ እሞ! ካብ ሓሙሽተ ደቂቅ ዘይበዝሕ! ኣመሓዳሪ እንተኾይኑ ነቲ ብማእከልነት ሕዝቢ ገሩ ሥልጣን ንዝሃበኒ እልምኖዶ እጽልዶ! ኢሉ ሕልናኡ ክምርምር! ኣመሓዳሪ እንተዘይኮይኑ ከኣ ኣነ ምእንቲ ኣመሓደርቲ እልምንዶ! እጽልዶ! ምናልባ ነቲኦም ደስ ዝብሉኒ በዓል እከለ እወ ነቶም ደስ ዘይብሉኒ ከኣ ኣይፋል ኣይኮነን!  እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ ምናልባ እቲኦም ዝበዝሔ ጸሎት ዘድልዮም ይኸውን! ስለዚ ምእንቲ ኣመሓደርቲ ኩሎምዶ እጽሊ! ቢልኩም ሕልናኹም መርምሩ፣ ኣብ መርመራ ሕልና ምእንቲ ኣመሓደርቲ ዘይትጽልዩ ምዃንኩም እንተዘኪርኩም ሰላሕ ኢልኩም ናብ መንበረ ኑዛዜ ከድኩም ተነስሑ ከመይ ምእንቲ ኣመሓደርት ጸሎት ዘይምግባር ሓጢኣት ኣዩ’ እንክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.