2017-09-22 08:49:00

ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ኣብ ሂሮሺማ፥ ተዘክሮ ሳዕቤን ግብረ ክፋእ ፍቱን መድሃኒ እዩ


ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ ኣብ ጃፓን ክሳብ ዕለት 26 መስከረም 2017 ዓ.ም. ዝቕጽል ካብ ዕለት 17 መስከረም 2017 ዓ.ም. ጀሚሮም ዘካይድዎ ዘለዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብምቕጻል ዕለት 20 መስከረም 2017 ዓ.ም. ኣብታ ዕለት 6 ነሓሰ 1945 ዓ.ም. ኣደዳ ኣቶሚክ ቦምቢ ዝዀነት ከተማ ሂሮሺማ ምብጻሕ ኣክይዶም ኣብ ሰበኻ ሂሮሺማ ምስ ዝርከቡ ኣባላት ውሉደ ህነትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናን ተራኺቦም እቶም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ሰላም ኣብ ምንቕቓሕ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንኢዶም ሂሮሺማ ንዓለም ናይ ሰብኣዊ ደወል ሕልና እያ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ኣብቲ ምእቲ ኣደዳ ኣቶሚክ ቦምብ ዝዀኑ ጃፓናውያንን ካልኦት ዜጋታት ዓለምን ዝኽሪ ዝቖመ ሓወልቲ ናብ ዝርከበሉ ስፍራ በጺሖምን ናይ ሕሊና ጸሎት ከምዘዕረጉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒበን፥ ብፁዕነቶም ሂሮሺማ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል መስዋዕቲ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ እቲ ን85 ሚእታዊ ንጹሓን ዜጋታት ህልቂት ምኽንያት ዝዀነ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ኣቶሚክ ቦምቢ ዘኪሮም፡ ሳዕቤን፥ ናይ ግብረ ክፍኣት ከስዕቦ ዝክእል ሞትን ሓደጋን ኩሉ ንምስውዓልን ተመሳሳሊ ጥፋኣት ንዘይፍጸም ዝድግፍን ተመሳሳሊ ጥፍኣት ከይሁሉ ዘሕውይ ፍቱን መድሃኒት እዩ። ጌጋኻ ምዝካር ንኸይትጋገ ይሕግዝ ቢሎም። ምሕረትን ሓቅን ፍትሕን ኣብ ዝብሉ ክብርታት ዝቐውመ ተዘክሮ ድማ ይኹን ቢሎም፡ ሓቂ ነፍልጦን ንርድኢትን ዝድርኽ ክኸውን እንከሎ ፍትሒ ድማ ብውስንነት ንውልቃዊ ኦጎነት ዝተቓልዔ ውሱን እውን እንተዀነ ምሕረት ግና ነቑሳል ዝፍውስን ነቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተናወጸ ሰብኣዊ ርክብ ዘሕውይን ዝዕርይን እዩ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ክርስቲያናዊ ምሕረት ነቲ ሰንሰለት ሕነ ምፍዳይ ዝበትኽ ትእምርቲ ትብዓት እዩ። እቲ እውነተይና ጅግንነት ኣብ ምምሓር እምበር ኣብ ምቓታል ከምዘይኰነ ዝነግር እዩ። እዚ ክርስቲያናዊ መንፈስ ድማ ኣብ መዳይ ዓለም ለኻዊ ተመክሮታት ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ውልቃዊ ሕይወት እውን ክንበር ዘለዎ ሓቂ እዩ። ኣብ መነባብሮናን ማሕበራዊ ርክባትናን ኣብ እነንብረሉ ማሕበረሰብን ክንበር ዝግብኦ ክቡር ዋጋ እዩ። ስለዚህ እቲ እምነት ክርስትና ዘነቓቕሖ ሰላም ማሕበራዊ ጥራሕ ዘይኰነስ ብመሰረቱ መንፈሳዊ ባህርይ ዘለዎ እውን እዩ ከምዝበሉ ጂሶቲ ሓቢረን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዒራቕን ሶሪያን ሊቢያን ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣትን ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ኣብ ካልኦት ክፍሊ ዓለምን ዝኽሰቱ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ኩናት ሓድሕድን እንነብረሉ ዓለም መወዳእታ ዘይብሉ ዓውደ ኵናት ኰይኑ ከምዘሎ ዝምስክር እዩ፡ እዚ ዅሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ምህርቲ ውግእ ኣጽዋር ዘተባብዖን መዕለቢ ከይህልዎ ዝገብሮ እዩ። ኩላትና ናይቲ መዕለቢ ዘይብሉ ውግእ መሰኻኽር ኢና፡ ንውግእ ዘይኰነስ ንሰላም ተበዓት ንዅን ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ጂሶቲ ሓቢረን።

ኣስፍሆተ ወንጌል ጸቕጥን ኣእምሮን ኣመለኻኽታን ብዓሓይሊ ዝዓጽፍ ናይ መስድዒ መጋበርያ ኣይኰነን። ናይ ኰርያ ሰማዕታትን ከምኡ እውን ጃፓናውያን ናይ እምነት ሰማዕታትን ዘኪሮም ንሰማዕትነት ዝዳርግ ውሳኔ ጠሪሹ ዘይምኽንያታዊ እዩ። ንሞት ኣሕሊፍካ ምሃብ ትኽክለይና ዘብሎ ሓደ ብቑዕ ኣመክንዮ የልቦን። ኣስፍሆተ ወንጌል ብሰረተ እምነት ኣእምሮ ምጥምዛዝን ብግብረ ጸቕጢ ዝቐረብ ኣይኰነን ወንጌል ምስዓብ ኣብ ነጻነት እዩ ዝቐውም። እቲ ምስ ወልደ እግዚኣብሔር ዘራኸብ ሰብ ብውሽጣዊ ነጻነት ዝቕበሎ እምነት እዩ። ምእንቲ’ዚ ኣስፍሆተ ወንጌል ልክዕ ከም ፖለቲካዊ ርእየት መጋበርያ መስድዒ ኣይኰነን። ፍቕራዊ መስሕብ እዩ። ነቲ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ክድሕኑ ብዘይ ቋንቋን ዓሌትን ሕብሪ ቆርበትን ባህልን ማሕበራዊ ኩነትን ማዕርግን ፍልልያት ከም ሓደ ስድራ ክሓብሩን ዝብል ፍቕርን መለኰታዊ ሰናይን ምስዓብ ማለት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒበን፥

ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ፥ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ምስቲ ቀደም ዝነበረ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝኽልክል ዝነበረ ተግባር ዝተመዓራረየ ናይ ገዛእ ርእሱ መኸላእታ ዝተመአ እዩ። ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝነጽግ ባህልን ሄዶንነትን ሸለልተይናነትን ዘይምግዳስን ኣምልኾ ጣዖት ስልጣንን ገንዘብን ኵሉ እቲ ሕይወትና ዝምንዝዕ ባህሊ ኣዚዩ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን እዩ። ንኣስፍሆተ ወንጌል ዘሰናኽል ንወንጌል እምቢ ዘብልን ባህሊ ኹሉ ንኣስፍሆተ ወንጌል ዝብድህን ልዑል ሰብኣውን መንፈሳውን ባህላውን ሕንጸት ዘድልይ ምዃኑ የመላኽት እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ገሊጸን።  








All the contents on this site are copyrighted ©.