2017-09-22 08:45:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ


ብሉጽ ዓለም ዝኣመተ ሕልሚ! ንምሕላም ኣይትፍራሕ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 መስከረም 2017 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ በሸሓት ንዝቝጸሩ ምእመናን ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ሓደርኩም ቢሎም ሰላምታ ብምቕራብ ነቲ ኣብ ክርስቲያናዊ ተስፋ ኣማእኪሎም ዝጀመርዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል ናይ ሎሚ (ዕለት 20 መስከረም 2017 ዓ.ም.) ትምህርተ ክርስቶስ ሕንጸት ኣብ ተስፋ ዝብል ኣርእስቲ ዝገበረ ኰይኑ፡ ብሓሻዊ ኣዘራርባ ዘኰነስ ብቐጥታ ንነፍሲ ወከፍና ዝምልከት ኰይኑ ንስኻ/ንስኺ ዝብል ክንዲ ስም ወይ ከኣ ተውላጠ ስብ ብምጥቃት ዘቕርብዎ ምዃኑ ምስ ገለጹ፡

ነቲ ኣብ ሕይወት ዘጋጥም ጋህሚ ለሽ ከየብለካ ንበር ኣፍቅር ሕለም እመን! እንተተጋገኻ ኣብ ጌጋ የዕርፍ ከይበልካ ተንስእ! ዝብል ልክዕ ከም ሓደ መምህር ወይ ከኣ ከም ሓደ ኣቦ ንውላዱ ንሓደ መንእሰይ ዝብሎ ንዝዀነ ክመሃርን ክሕነጽን ንዝደሊ ሰብ ዘቕርቦ ምኽሪ ኣምሪሖም፥ ኣመታዊ ምዕዶ ይዝርዝሩ፥ በቐዳምነት ድማ ንኣሉታውያን ሓሳባት ዕድል ዘምሃብ፡ ስለምታይ ጸላኢ ኣብ ውሻጠ እምበር ኣብ ግዳም ኣይኰነን ዝብል ምዕዳን ለጊሶም፡ ዓለም እቲ ቀዳማይ እግዚኣብሔር ዝኸወኖ ዘደንቕ ተኣምር ኣዩ። ወትሩ ድማ እምነትን ተስፋን ሓቢሮም ንቕድሚት ከምርሑ ስለ ዝገበረ ተስፋ ምግባር ድማ ነዛእ ርእሱ ተኣምር እውን እዩ። ኣብ ጠርዚ ወይ ከኣ ኣብ ፍጻሜ ህላዌ (ምድራዊ ሕይወት) ምሽማሸ (ዕንወት) ኣይኰነን ዝጽበየካ። ስለምታይ እግዚኣብሔር ዘየደናግር እዩ። ኣብ ልብኻ ተስፋ ዘንበረ እንተድኣ ኰይኑ ነቲ ኣባኻ ዘንበሮ ብኑባሬ ዝተዓደልካዮ ተስፋ ፈጺሙ ኣይፍሽልን እዩ። ስለዚህ እቲ ከም ዕንባባ ንኽንዕንብብ ኣብ ዝፈጠረና እግዚኣብሔር ምእምና የድሊ።

ሕጽር ብዘበ ኣገላልጻ “ተስፋ ኣይትቝረጽ፡ ኣብ ዝዀነ ቦታ ሃልው ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንበር ወትሩ ሕነጽ! ኣብ ባይታ እንተለኻ ሓፍ በል ተንስእ ንቕድሚት ድማ ሰጉም እንክብሉ ሓሳቦም ብምቕራብ፥ ኣብ ዝወደቕካሉ ዘይምትራፍ፡ ተስእ እንክብሉ ምዒዶም፡ ተንሲእካ ደው ንኽትብል መታን ንኽትድገፍ ገዛእ ርእስኻ ፍቐድ፡ ኣብ ሮማዕታ እንተለኻ ተንስእ ሰጉም። ምስልካይ ዘልመሶ እንተድኣ ኰይንካ ብግብረ ሰናይ ነቲ ስልክይና ገስጾ! ባዶነት ዝስምዓካ ወይ ከኣ ግብረ ገብ ምስ ዝዓርብ ዝተኣታተወካ ስሉብነት ክስምዓካ እንከሎ ከም ብሓድሽ እቲ ባዶነትካ ክተኻኸልን ምሉእ ክኸውን ንመንፈስ ቅዱስ ጸልይ፡ ናይቲ ጽልእን ምግምማዕን ዝዘርእ ድምጺ ኣይትስማዕ፡ ኣብ መንጐ ኣሕዛብ መጋበርያ ሰላም ኩን ገቢረ ሰላም ኩን እንክብሉ ይምዕዱ። ኣብ ምግራጫውን ምንጽጻርን ትዕግስቲ ይሃልኻ! ስለምታይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍንጫል ሓቂ (ኣሰር ሓቂ) ዝተዓቀቦን ዝተነብሮን እዩ።

ሰብ ኣፍቅር! ሓደ ብሓደ ኣፍቅር፡ እዚ ማለት ካኣ ስሩዕ ይኹን ዝተሓላለኸን ብዙሕ ሓደጋ ዝተጓነፎ እውን ይኹን ናይ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ኣኽብር። ነፍሲ ወከፍና ናይ ገዛእ ርእስና ተመክሮ ውጽኢት ዝጽሕፎ ታሪኽ ዘሎና ሰባት ኢና። ነፍሲ ወከፍና ዘዘንትዎ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽ በዓል ቤት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ዝውለድ ሕጻን ቃል ዝተኣትወ ሕይወት እዩ። ስለዚህ ህላዌነት ሕይወት ብናትካ ሕላዌ ኣይድምደምን። ወለዶ ብውላድ ይትካእ። 

“ኣምት፡ ሕለም! ንምሕላም ኣይትፍራሕ፡ ሕለም! ብሉጽ ዓለም ሕለም፡ ፍትሕን ሰላን ፍቕርን ዝዓሰሎ ብሉጽ ዓለም ሕለም። እንነብረሉ ዓለም ብሓቂ ንቕድሚት ዘብሎን ዘንቀሳቕሶን ሽሕኳ ባጫን ላግጽን ዘኸበቦም ክነሶም ተስፋ ከይቆረጹ ውትሩ ሰናይ ዓለም ሕልሞምን ሰናይ ድላዮምን እዩ ኣሞ ምስጋና ንኣኣቶም።

ሓሳብያውያንን መሓዛውያንን ሰብ ምናባውያን ንዘርኢ ሰብ ዓበይቲ ናይ ስነ ምርምርን ዕደ ጥበብን ተበጽሖታት ለጊሶም እዮም። ውቅያኖስ (ኣውክያኖስን) ዝሰንጠቑን ማንም ዘይረገጾ መሬት ረጊጾም ዘቛረጹን ተስፋ ዝዘርኡን ጊልያነት ዝሰዓሩን ስቓይ ካልኦት ክውገድ ዝገበሩን ኣብዛ እንነብረላ መሬት ናይ ብዙሓት ናይ ሕይወት ኩነት ክመሓየሽን ብሉጽን ንክኸውን ዝገበሩ ክብሪ ሰብ ክኽበር ዝጸዓሩን ዘኪሮም ናይ እንነብረሉ ዓለም ሓላፍነት ይሃልወና፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ሕይወት ሓላፍነት ይሃልወና። ኣብ ልዕሊ ነዳይን ዝዀነ ይኹን ስኡን ሰብ ዝወርድ ኢፍትሓውነት ልክዕ ከም ሓደ ክፉት ቁስል ናትካ ሰብኣዊ ክብሪ ዘናሽው እውን እዩ። ናይ ሓው ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክገሃስ እንከሎ ናትካ እውን እዩ ዝገሃስ ከምዝበሉ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ናይ ትብዓት ጸጋ እግዚኣብሔር ክዕድለካ ለምኖ፡ ስለምታይ ኢየሱስ ነቲ ኣብ ልዕሊ እምነትና ዝዀነ ይኹን እንቅፋት ክፈጥር ዘይከኣሎ ጸላኢና ዝዀነ መታለሊ ንዝነዝሖ ፍርሒ ስዒሩ እዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ናይ ሕይወት ጸገም ምስ እትርከብ ስለ ገዛእ ርእስካ ጥራሕ ትነብር ዘይምዃንካ ዘክር። ስለምታይ ብሚስጥረ ጥምቀት ሕይወትካ ኣብቲ ምስጢረ ቅድስተ ስላሴ እትያ እያ። ናይ ቅድስቲ ስላሴ ሕይወት ተኻፋሊት ኰይና እያ። ናይ ኢየሱስ ወገን ኢኻ። ስጋዊ ስለ ዝዀንካ ምውዳቕ እንተጓነፈካ ወይ ከኣ መንፈስ ክፍኣት ንኽትገጥሞ ዘይከኣለካ ከቢድ እዩ ቢልካ ምስ እትሓስብ፡ ህልወተ ኢየሱስ ኣብ ውሽጥኻ ዘክር። ንሱ ኣብ ውሽጥኻ ብለውሃቱን ርህራሄኡን ነቲ ጸላኢ ፍጥረ ሰብ ዝዀነ ሓጢኣት ጽልእን ጥፍኣትን ዓመጽን ኩሉ ትሕቲ እግሩ ኣእትይዎ እዩ፡ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ኣስዒበን፥ ወትሩ ኣብ ሓቂ ካብ ምንባርካ ዝምንጨው ብርታዔ ይሃልውካ። ኰይኑ ግና ካብ ካልኦት ዝበለጽካን ልዕሊካልኦት ዘይምዃንካ ዘክር። ኣብዛ ዓለም ኣብ ሓቂ ጸኒዕካ እትነብርን በዓል እምነት ንስኻ ጥራሕ ኰይኑ ምስ ዝስመዓካ ካብ ካልኦት ገዛእ ርእስኻ ኣይተግልል። ኣይትፍለይ። ኣብ ሕይወትካ ስንዮታ ዘድልየካ ማሕበራዊ ፍጥረት ኢኻ። ጽሞና ባሕታዊ እትነብር እንተድኣ ኰይንካ እውን ናይ ካልኦት ስቓይ ኣብ ልብኻ ኣንብር። ክርስትያን ስለዝኾንካ ድማ ኩሉ ንእግዚኣብሔር ሕደግ። ሰናይ ዕላማ ኣማዕብል። ሰገር ፍጥረት ሰብ ንዝኾነ ንልዑል ዕላማ ንበር። ሓደ መዓልቲ እቶም ልዑላንን ሰናይን ዕላማታት መስዋዕቲ እውን ዘኽፍሉኻ ኰይኖም እንተተረኽቡ ብልብኻ ዓቂብካዮም ምንባር ኣይተቋርጽ። ብልብኻ ዓቅቦም፡ ተኣማኒ ምዃን ኩሉ የርክብ (ዘድሊ ኩሉ ንኽትረክብ የብቅዓካ)።

ድኹም ኢኻሞ ምስ እትጋገይ ካብ ዝወደቕካሉ ምግጋይ ተንስእ፡ ጌጋ ምስ እትፍጽም ብዝለዓለ ደረጃ ጌጋ ካብ ምፍጻም ኣዚዩ ዝለዓለ ሰብ ከብለና ዝኽእል ካልእ ሓደ’ኳ የልቦን። ኰይኑ ግና እቶም ጌጋታትን ምውዳቕን ቤት መሕቡስ ክዀነካ የብሎምን። ኣብ ምግጋይካ ኣይትተዓጸው፡ ምቑሕ ናይ ጌጋ ኣይትኹን። ወልደ እግዚኣብሔር ንሕሙማን እምበር ንጥዑያት ኣይኰነን ዝመጸ። በዚ ምኽንያታ’ዚ ንኣኻ እውን መጺኡ። ምግጋይ ከፍርሃካ የብሉን። ምስ እትጋገይ ኣይትፍራሕ ብትግ ቢልካ ምትንሳእ ፍለጥ። እግዚኣብሔር ፈታዊኻ እዩ።

ምረት እንተጸቐጠካን ቂር ምስ ዝብለካን ጸኒዕካ ምእንቲ ሰናይ ዝተግሁ ሰባት ከምዘለዉ እመን። ኣብቶም ዘራእቲ ሰናይ ውሽጢ ናይቲ ብሉጽ ዓለም ዘርኢ ኣሎ። ካብቶም ዘደንቑ ነገራት ተመሃር። ምድናቕ ኣኻዕብት።

ንበር ኣፍቅር እመን፡ ብጸጋ እግዚኣብሔር ከቶ ቀቢጸ ተስፋ እይትኹን እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስስቶስ ዛዚሞም ነቶም ኣብቲ ኣስተምህሮ ብማሕበርን ብውልቅን ንዝተረኽቡ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ ዝሓለፈ ሰኑዕ ዕለት 18 መስከረም 2017 ብላቲን ስርዓት ዝተበዓለ ሓላዊ ሕጻናትን መንእሰያትን በዓል ቅዱስ ስታኒስላው ኮስትካ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያንን ከምኡ እውን ዕለት 21 መስከረም 2017 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ቅዱስ ስታኒስላው ክስትካ ልዑል ማሕበራዊ ደረጃ ንምዕታር ዝብል ትጽቢት መንእሰያት ነቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝቐርበሎም ጸዋዕታ እዝኒ ልቦም ክዓጽዉ ከይገብሮም ሓደራ ምስ በሉ ከምኡ እውን ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ዝመስከሮ ምልዋጥ ንመንእሰያት ሕይወት ብናይ እምነት ማዕቀን ክንበር ዘተባብዕ እዩ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከማተፋነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዶቦራ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.