2017-09-26 16:55:00

ምጽንናዕ ምዝንጋዕ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ሰላም ጐይታ ኣብ ልቢ ምንጋሥ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 25 መስከረም 2017 ዓምፈ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕቲ ቅዳሴ ‘ጐይታ ናብ ድሕነትና እነተኲረሉ ጸጋ ይዓድለና! እግዚኣብሔር ከምቲ ኣብ ኦሪት ንሕዝቡ ቊሊሕ ዝበለን ካብ ስደት ንኢየሩሳሌም ከምዝምለሱ ዝገበረን ንዓናውን ቊሊሕ ይበለና፣ ከመይ ዝኾነ ሓርነት ዝኾነ ካብ ኣምላኽ ዝመጽእ ድሕነት በቲ ናቱ ቊሊሕ ምባል ምብጻሕ እዩ ዝፍጸም! እሞ ክዝክረና ክበጽሓና ቊሊሕ ክብለና ንለምኖ’ እንክብሉ በቲ ከም ሥርዓተ ኣምልኾ ላቲን ዝቀረበ ቀዳማይ ንባብ ቃለ እግዚኣብሔር ካብ መጽሓፈ ዕዝራ ምርኲስ ብምግባር ሰቢኾም፣

ትሕዝቶ ናይቲ ንባብ ነቲ ነዊሕን ኣሰቃቅን ስደትን ባርነትን እስራኤላውያን ቊሊሕ ዝበለ እግዚአብሔር ድሕሪ ናይ ሰብዓ ዓመት ስደት እዩ፣ ገና ምድረሰማይ ብደሓኑ እንከሎ ሕዝበ እስራኤል ናብ ጐይታ ክምለስን መንገዱ ከመሓይሽን ክንሳሓን ምስ ተነገረ ኣይተዓወተን፣ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ብነቢይ ኤርምያስ ገሩ ‘ኲላ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ክትባድምን ክትዓኑን እያ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከኣ ሰብዓ ዓመት ንንጉስ ባቢሎም ክግዝኡ እዮም።’ (25.11) ዝበሎ ተፈጺሙስ ካብቲ ምርኮ ንክምለሱን ቤተመቅደስ ኣምላኽ ኣብ ኢየሩሳሌም ክሃንጹን ‘ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፡ እቲ ብኣፍ ኤርምያስ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጸም፡ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ ኩለን መንግስትታት ምድሪ ሀበኒ፡ ንሱ ኸአ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ዮርሳሌም ቤት ክሰርሓሉ አዘዘኒ።’ (ዕዝ 1.1-) ክብል ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ተመሊሶም ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ክሰርሑሉ ንኪኸዱ ኣወጀ፣ ዝብል ቃል ነበረ፣

እግዚኣብሔር ክበጽሓና እንከሎ ሓጐስ ይህበና ኣብ ዓቢ ኩነተ ምጽንናዕ የብጽሓና፣ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ (125) ዝብሎ አሜሀ መልአ ፍሥሓ ኣፉነ ‘እግዚኣብሄር ንምሩኻት ጽዮን ምስ መለሶም፣ ከም ሓለምቲ ነበርና። ኣፍና ብሰሓቅ መልአ.’ ዝበሎ እሞ ንኩሉ ነቲ ዝሓለፈ መከራን ስቃይን ንዘይምርሳዕ ከኣ `ብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዐጽዱ። ዘርኢ ተሰኪሙ ብብኽያት ይወፍር፣ እንዳእቱ ተሰኪሙ ብእልልታ ይምለስ።’ ዝበሎ እዩ እዚ ምጽንናዕ እዚ፣ እዚ ምጽንናዕዚ መንፈሳዊ ኮይኑ ንሕይወት ነፍሲወከፍ ክርስትያን ዘሰኒ ምጽንናዕ እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉኡ ነዚ እዩ ዘስተምህረና፣ ጐይታ ንነፍስወከፍና ንከብጽሓና ቊሊሕ ክብለና ወትሩ ክንጽበዮ ኣሎና፣ ኣብ ሕይወትና ከበድትን ቀለልትን ኩነታት ከጓንፉ ይኽእሉ ጐይታ ግን ወትሩ ኣብ ጐድንና ከምዘሎ ክገልጸና እዩ! ወትሩ ብመንፈሳዊ ምጽንናዕ ደሪዑ ብሓጐስ ክመልኣና እዩ፣ ነዚ ጸጋዚ ብዓቢ ትሕና ንጸበዮ ወላ በታ ዝነኣሰት ተስፋ ንጸበዮ፣ እዚ ንኡስ ተስፋ እንብሎ ከም ኣብ ሓሙዂሽቲ ተሓቢኡ ዘሎ ሓዊ ብርቱዕ ሓይሊ ኣለዎ፣ ብከምዚኸስ ክርስትያን ወትሩ ምስ እግዚኣብሔር ክራኸብ ብብርቱዕ ሃረርታ ኣብ ወጥሪ እዩ ዝርከብ፣ እዚ ኩነት እዚ ዘይግለጸሉ ክርስትያን ኣብ መኻዚኖ ናይ ሕይወት ተዓጽዩ እንታይ ከምዝገብር ዝጠፍኦ እዩ ዝመስል፣’ እንክብሉ ብዛዕባ ምጽንናዕ ክርስትያን ምስ ኣዘኻኸሩ ካብ ሓሰውቲ ነቢያት ምጥንቃ ከምዘድሊ ከኣ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

ነቲ ምጽንናዕ ኣለልይዎ ከመይ እናኣደናገሩ ዘጸናንዑና ዝመስሉ ናይ ሓሶት ነቢያት ስለዘለው፣ ምጽንናዕ ብገንዘብ ዝዕደግ ሓጐስ ኣይኮነን፣ ናይ ጐይታ ምጽንናዕ መዓሙቊ ልብኻ ተንኪፉ የንቀሳቅሰካ እምነትካን ተስፋኻን ፍቅርኻን የዕብዮ፣ ስለሓጢኣትካ ከምትበኪ ይገብረካ፣ ነቲ ጐይታ ምእንታና ዘሕለፎ ስቃይ ምስ እንምልከት እውን ንበኪ። ንመንፈስካ ኣብ ናይ ሰማይ ነገራት ሓፍ የብሎ፣ ሰማያዊ ሰላም ከምዝዓስለካ ይገብር፣ እቲ ሓቀኛ ምጽንናዕከስ እዚ እዩ ምዝንጋዕ ኣይኮነን፣ ርግጽ ደቂሰባት ኢና ምዝንጋዕ የድልየና እዩ፣ ምዝንጋዕ ሕማቅ እዩ ማለት ኣይኮነን። ምጽንናዕ ግን ክንዮኡ እዩ ናብ ህላዌ እግዚብሔር የብጻሓካ። እዚ እዩ እንኣምኖ ኣምላኽ፣ ስለዚኸስ ነዚ ወትሩ ዝበጽሓና ኣምላኽ ብጸሎት ነመስግኖ፣ እዚ ምብጻሕ ናቱ ንቅድሚት ንክንስጉም ብተስፋ ክንጐዓዝ ንመስቀልና ጸርና ክንክእል ይሕግዘና፣ ምጽንናዕ ኣምላኽ ሓያል እዩ ከምቲ ሓይሉ ክንሕዞ ኣይንኽእልን ንኸውን ግን ወትሩ ኣሰር ምስ ሓደገ እዩ፣ ነዚ ኣሰር እዚ ወትሩ ምዝካሩን ነቲ ሓርነት ምልባሱን የድሊ፣ ሕዝበ እስራኤል ካብ ስደት ባቢሎን ናብ እስራኤል ምስ ተመልሰ እግዚኣብሔር ሓራ ኣውጺኡና ኢሉ ከመስግንን ነቲ ፍጻሜ ክዝክሮን ይነብር፣ ንምጽንናዕ ኣምላኽ ምጽባይ ምፍላጡን ምዕቃቡን የድሊ፣ ድሕሪ ምብጻሕ ኣምላኽ ድሕርዚ ሓያል ፍጻሜ እንታይ ይተርፍ እንተበልኩም ሰላም ይተርፍ፣ ሰላም ከኣ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ምጽንናዕ እዩ` እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.