2017-09-30 16:48:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ምቁራጽ ናይ ምሕረት መጋበሪያ እያ


“ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ እነብረሉ ዘሎና ፍሉዩ ታሪኻዊ እዋን’ዚ ኣብቲ ነባሪ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ተልእኾኣ ጻዕርታታን ብርቱዕ ተገዳስነታን  ክትሕድስ ከምዘለዋ ተስተውዕል” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 መስከረም 2017 ዓ.ም. ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዝተዛዘመሉ ዕለት ንተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ምዃኑ ልእኽቲ ጋዚጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድርያና ማሶቲ ገሊጸን።

ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መሰረታዊ ተልእኾ ብዓቢይ እምነት ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ ርኽበት ምስጥረ ንስሓን ዕርቅን ዝተነብረ ፍሉይ ናይ ምሕረት ዓመት ኢዮቤል ውጽኢት ነባሪ ኰይኑ ክቕጽልን ክንበርን ምንቕቓሕ ዝብል ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና፥ “እቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝተበረ ውዕዉዕ ስምዒት ክቕህም እንፈቅድ ክንክወን ኣይግባእን” ቤተ ክርስቲያን መጋበሪያ ምሕረት ምዃና ብዘይ ምቁራጽ ቀጻሊ ኣብ ምግባር ዓቢይ ሓላፍነት ኣለዋ። በዚ መገዲ’ዚ ብውልቅን ብማሕበራዊ ሕይወትን ወንጌል ምእንጋድ ናይ ምድሓን ኩነት  ብዘየማትእ መገዲ ትርጉም ዝህብ ምዃኑ ኣብ ምስትውዓሉን ምንባሩን ይቕጽል ከምዝበሉ ማሶቲ ሓቦረን።

ብስራትን ምስክርነትን ምሕረት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወንጌላዊ ልኡኽ ዝተምሓረ ኣብ ምዃኑ ዝጸንዔ ብትኽክል ኣብ ውሽጡ ዘሎ ባህርይ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞተዎስ ኣብ ዝጸሓፎ ቀዳማይ መልእኽቱ እቶም ወንጌል ናይ ምብሳር ሓላፍንት ዘለዎም፥ “ክርስቶስ ኢየሱስ ንሓጥኣን ኬድሕን መጸ ዝብል ቃል እዩ፡ ብምሉእ ክንቅበሎ ዚግብኣና ቃል እዩ። ካብ ኵሎም ሓጥኣን ዝገደደ ኸኣ ኣነ እየ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣየ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ ማለት ክርስቶስ ኢየሱስ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ትዕግስቱ ቅድም ኣባይ ብምግላጽ ናይቶ ናብ ዘለዓለም ሕይወት ኪበጽሑ ኢሎም ብኣኡ ዚኣምኑ ኣርኣያ ገበረኒ”(1ጢሞ. 1. 15)ዝብል ቃል ዘይርሳዕ ክኸውን ኣለዎ።

ኣስፍሆተ ወንጌል ብባህርይኡ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር እዩ። ብቐዳምነት ነፍሲ ወከፍ ሕዝብን ባህልታቱን ኣብ ጉዕዞ ሕዝበ እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ፍጥረት ሰብ ናብ ሓድነት ከብል መታን ሃብትን ብዙህነትን ዘለዎ ክኸውን እንከሎ ብኻልኣይ ደረጃ ጸዋዕታ ነገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቃዊ ቅሩብነት ሰገር ክኸውን እንከሎ እዚ ድማ ጸዋዕታ ኣብቲ ዘሎ ኣብ ዝተሓላለኸ ሓድሕዳዊ ርክብ ዝሳዃዕ እዩ፡ ኣብዚ ንእንነብረሉ ዘሎና ፍሉዩ እዋን ሓድሕዳዊ ርክብን ተገሳስነት ንኻልእን ዘጉድል ናይ ዕደ ጥበብ ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ኣዚዩ ዘገድስ እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ሕይወት ንኸይስተማቐርን ወንጌላዊ ሓሴት ንኸይዕትር ዝድርኽ ናይ ብዙሓት ልቢ ዝህውጽ እቲ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘሎ ሃንቀውታን ትርጉም እግዚኣብሔር ንምርካብ ኣብ ውሽጢ ልቢ ሕዝቢ ምእታው የድሊ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ማሲቲ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.