2017-10-02 16:03:00

ቅዱስ ኣቦና፥ “ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ” ሓሳዊ ዜናን ጋዜጠይናነት ንሰላም


ኣብ 2018 ዓ.ም. መበል 52 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን “ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ(ዮሓ. 8,32)፡ ሓሳዊ ዜናን ጋዜጠይናነት ንሰላም” ብዝብል መርሕ ቃል ክበዓል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝወሰኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

እዚ መርሕ ቃል’ዚ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኰነ ተባሂሉ ርእይቶታት ንምምስራቕ ዝመሓዝን ዝውልትውን መሰረት ዘይብሉ  ዝሰፍሕ ዘሎ ናይ ሓሶት ዜና ናይ ምቕራብ ከይዲ ብትኽክል ዝምልከት ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ነቲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ኣሞርኵይዙ ዕለት 29 መስከረም 2017 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከምዝሓበረ ዘመልከቱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፥ ንኽውንን ጭቡጥ ኩነትን ብምጥምዛዝ ኣብ ውልቅን ማሕበርን ጠባያት ሳዕቤን ክህልዎ ተባሂሉ ንዝንዛሕ ዜና ዝምልከት ምዃኑን ብዛዕባ ናይ ሓሶት ዜና ዝምልከት ጉዳይ ናይ ዜና ማዕከናትን መራኸቢ ብዙሓንን ናይ መንግስትን ናይ ፖሊቲካ ተቕዋማትን ነዚ ሓድሽ ክስተት ብቐረባ ዝከታተልዎ ጉዳይ ክኸውን እንከሎ ቤተ ክርስቲያን ብወገና ናይ ሓሶት ዜና መበቆሉ እንታይ ምዃኑን ዝምርኮዞ ዋቒዕን ወይ ከኣ ኣመክንዮን ሳዕቤናቱን ክልለይን በዚ መገዲ’ዚ ብቑዕ ሙያውን ሓላፍነትን ዘለዎ ወትሩ ሓቂ ዝደልይ ጋዜጠይናነት ንምንቕቓሕ ዝሕግዝ ዓሚዩቕ ኣስተንትኖ ተቕርብ። ስለዚ እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ፍጥረት ምርድዳእ ክህሉ ዝድግፍ ናይ ሰላም ጋዜጠይናነትን ተነቓቕሕ ምዃና ከምእተሰምረሉ ኣፍሊጦም።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ንፈለማ ጊዜ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን በቲ ዘደንቝ ምሕዞታት ብዝብል ውሳኔ ኣብ 1963 ዓ.ም. ብመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቀዳመይቲ ሰንበት ድሕሪ በዓለ ጰራቅሊጦስ ክበዓል ብዝብል ድላይ መሰረት ዘበገሶ ምዃኑ እንክዝከር ኣብ ብዙሓት ሃገራት ድማ በታ ዕለት ዝበዓል ኰይኑ ይቕጽል ከምዘሎን ናይቲ ዕለት 13 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ዝበዓል መበል 52 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሃን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. መልእክቲ ዕለት 24 ጥሪ ናይ ጋዜጠይናታት ሓላዊ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘሳለስ ዝበዓለሉ ዕለት ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቅዕ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ የዘኻኽሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.