2017-10-02 16:07:00

የኔታ ቪጋኖ፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኣገዳስነት ሓቂ የተሓሳስቡ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዕለት 13 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ዝበዓል መበል 52 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓብ “ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ(ዮሓ. 8,32)፡ ሓሳዊ ዜናን ጋዜጠይናነት ንሰላም” ብዝብል ኣርእስቲ ክምራሕ ከምዝኸውን ዕለት 29 መስከረም 2017 ዓ.ም. በቲ ትዊተር ማሕብራዊ መርበብ ብዘሎ  @Pontifex ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከምዝሓበሩ ክምልከት እንከሎ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ኅየንተ የኔታ ዳሪዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ናይ ሓሶት ዜናታት ከም ምፍጣር ሰብ ኦሪታዊ እዩ። ኣብ ምድረ ኤደን እቲ ተመን፥ “ካብቲ ኦም እንተድኣ በሊዕኩም ከም እግዚኣብሔር ክትዀኑ ኢኹም” ድላዩ ንኸፈጽሞ ዝሕግዞ ናይ ሓሶት ሓበሬታ የቕርብ፡ እቲ ተመን ዘቕርቦ ሓበሬታ ናይ ሓሶት እዩ። ስለዚህ ሓደ ዘይተረጋገጸን ሓቅን ሓሶትን ምዃኑ ከይተጸንዔ ዝቐርብ ዜና ዘደናግር ክኸውን እንከሎ ብሓቂ ሓደጋ እዩ። መንገዲ የስሕት፡ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ናይ ሓሶት ዜና ብምዕባለ ዕደ ጥበብን ብዝተራቀ መጋበርያታት ኣቢሉ ኣብ ድግምቲ ውሽጢ ይሰፍሕ። ሕዝባዊ ምርጫታት ኣብ ዝቐርበሉ ሰዓትን ኣብ ፖለቲካዊ ውደራታትን ኣዚዩ ዝረአይን እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ሓሶት ዜና ሳዕቤኑ እንታይ ምዃኑ ንኸረድኡና ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ ዝብል ወንጌላዊ ቃል ይጥቀሙ። ሓሶት ዘይኰነስ ሓቂ እንታይ ማለት ምዃኑ ይትንትኑ። ሓቂ ከም ደረት ትርኢት የቕርቡልና። ስለምታይ ናጽነት ዝውለድ ሓቂ ኣብ ምስዓብ እዩ። ሓቂ ኣብ ዘይምስዓብ ኣብ ጊልያነት ምንባር የስዕብ ኢሎም።

ሓደ ጋዜጠይና ንሓደ ክሱት ኩነት ውድዓዊ ብዘለዎ ስምዒተ-ግንዛቤ እዩ ዘንብቦን ዝትንትኖን። ናይ ምርዳእ ብቕዓት ወሳኒ እዩ። ነቲ ክውናዊ ኩነት ክትገልጾ እንከለኻ ናይቲ ክውናዊ መንቀልን እንታይነትን እዩ ክሕበር ዘለዎ። እቲ ካልእ ክሰምዖ ዝደልዮ መምዘኒ ናይ እተቕርቦ ዜና ክኸውን የብሉ። ሓቂ ምቕራብ እዩ ዘገድስ። ሓቅነት እዩ መትከል ክኸውን ዘለዎ ምስ በሉ ኣተሓሒዞም ዝፍነዉ ዜናታት ሳዕቤን እለዎም። ኣብ ማሕበራዊ ድዩ ውልቃዊ ጠባይ ዘሕድሮ ጽልዋ ኣለዎ። ናይ ሓሶት ዜናታት ዝነበረ እዩ ዝህልው ኣውን እዩ። ብመጽሔታውን ጋዜጣውን ሕትመት ድዩ ወይ ከኣ ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቐ መርበብ ሓበሬታ ክቐርብ ዝክእል እዩ።

ገለ ገለ ዜናን ሓበሬታን ኰነ ተባሂሉ ብትኽክል ንዝድለይ ርእየት ዓለም ወይ ከኣ ጽንሰ ሓሳብ ንምቅላሕ ዝቐርብን ብኻልእ መዳይ ርእይቶታት ንምምስራቕን ንምዝባዕን ዝኣመተ ከይኑ ይርከብ ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኩሉ እንታይነት ሓቂ ብምትንታን የረድኡ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.