2017-10-03 09:30:00

ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር፥ ኣብ ሃገር ምክልኻል ግደ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ


ቀዳማይ ሓላፍነት መንግስታትን ናይ ገበን መቕጽዒ ሕጊ፥ ናይ ዜጋታትን ተቐማጦን ደህንነት ምውሓስ እዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም “ንንግድ ሰብ” ብዓውሎማዊ ተግባር ግቡእ መልሲ ምሃብ ዝብል መርሓ ግብሪ ገይሩ ኣብ ዝተኻየደ  ጠቕላሊ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘስመሩሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፁዕነቶም እቲ ዕለት 4 ሐምለ 1776 ዓ.ም. ዝተረጋገጸ ናይ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ መዓልቲ ነጻነትን ናይ ዕለት 26 ነሐሰ 1789 ዓ.ም. ናይ ፈረንሳ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዜጋውነትን ዝምልከት ውሳኔን ጠቒሶም እዞም ክልተ ውሳኔታት ኩሉ ዜጋ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ዝብልን ክብሪ ዘስፍሑን ንናይ እዋናዊ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ መሰረት ምዃኖም ኣዘካኺሮም፡ ነዚ መሰረት ገይሮም ድማ ቀዳማይ ናይ መንግስታት ሓላፍነት ማሕበራዊ ስርዓት ማሕበራዊ ውህድነት ከምኡ እውን ሕይወትን ጸጥታን ድሕነትን ዜጋታትን ኣባይቲ ስድራን ምኽባርን ምክልኻልን ዝብል እዩ። እዚ ሓሳብ’ዚ ከም መትከል ብኹሎም መንግስታት ሃገር ድማ ቅቡል እዩ። ቅቡል ምዃኑ ጥራሕ ዘይኰነ ክኸበርን ኣብ ግብሪ ክውዕል ግድን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፡ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ መበል 60 ክፍለ ጉባኤ፥ መንግስታት ሕዝብታቶም ምክልኻልን፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብተራኡ መንግስታት ኣብ ናይ ሕዝብታቶም ምክልኻል ክድግፎፍምን ሓደ መንግስቲ  ዜጋታት ኣብ ምክልኻል ተግባር እንተድኣ ጠሊሙ ማሕበረሰብ ዓለም ናይቲ ብመንግስቱ ዝተጠልመ ዜጋ ተኸናኻኒ ይኹም ዝብሉ ዘንበሮም ዓንድታት ምስ ዘርዘሩ ኣብዚ እቲ ጥንቃቔ ዘድልዮ ብመንግስቱ ዝተጠለመ ህዝቢ ጸጥታን ድሕነትን ንምክልኻል ተባሂሉ ዝግበር ምንጋወ ካልእ መንታዊ ረብሓ ዝተነብሮ ከይክውን እዩ። እንተዘይኰይኑ ናይቲ ህዝቢ ጸጥታን ድሕነትን ናብ ዝገደደ ሓደጋ ይቃላዕ።

ናይ ሕዝቢ ጸጥታን ድሕነት ንምሕላው ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ዓቢይ ግደ ኣለዎም። ማለት እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ክኽበር መታን ምእንቲ ቅኑዕን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ክምህሩን ክዓይኑ ተልእኾኦም እዩ። መሰረታውያን ሕግታት ክኽብሩን ናይ ሕዝቢ ጸጥታን ድሕነትን ምውሓስ እንታይ ማለት ምዃኑ እውን ከስተምህሩን ናይ ኩሉ ዜጋ ሕይወት ክኽበርን መንግስቲ ኣብዚ መዳይ ዓቢይ ሓላፍነት ከምዘለዎ እንከዘኻኽሩ ናይ ተልእኾኦም ሓላፍነት እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣዘርባጃን ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኩለን ሃይማኖታት ብቓልን ብግብርን ብጸሎትን ብውሽጣዊ ምልዋጥን ሕዝብን መንግስትን ናይ ሓባር ጥቕሚ ክለልዩ ዝድግፉን ናይ ምርኻብን ምቅርራብን ሰላምን ባህሊ ብትዕግስትን ብኣብነታዊ ጉዕዞን ብምርድዳእን ብትሕትናን ዘስፍሑን ኣብዚ ባህሊ’ዚ ዝሓንጹ እያቶም፡ እዚ እዩ ንህዝቢ ምግልጋል ማለት። ዝዀነ ይዅን ሃይማኖት ኣብ ዓመጽን ግጭትን ድልየት ዘርወዪ ክኸውን የብሉን” እንክብል ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም፡ መጋብርያ ሃይማኖት ዘይጐነጻውነት እዩ። ኵላዊ ባህሊ ናይ ሕጊ ስልጣን ከይጠሓስ ምድጋፍን። እዚ ባህሊ እዚ ምንቕቓሕን እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ምእማን መሰረት ኵላዊ ሓላፍነት እዩ፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም እቲ ናይ ሃይማኖታት ሓላፍነት ክትክእ ተባሂሉ ዝተመሃዘ ኣልቦ እግዚኣብሔርነት ባህልን ዝተፈላለዩ ናይ ፖሊቲካ ርእየታትን ዓሌታውነትን ንሞት ዳሪጉ እዩ። እውንተይና ሃይማኖት ናይ ሰላምን ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ምንጪ እዩ። ስለዚህ ብስም ሃይማኖት ጸረ ሕይወት ባህሊ ምርግጋጽን ሕይወት ሰብ ምቕንጻልን እግዚኣብሔር ዘርክስ እዩ፡ ኩለን ሃይማኖታት ዜጋታትን ሕዝብን ኣብ ምክልኻል ዘለወን ሓላፍነት ነዚ ይመስል እንክብሉ ዘስምዕዊ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግልጺ የመልክት።  








All the contents on this site are copyrighted ©.