2017-10-06 09:16:00

ቅዱስ ኣቦና፥ እግዚኣብሔር ንዓለም ካብ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ግብረ ሽበራ ይዓቅቦ


ዕለት 4 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ነቶም ካብ ምስሪ ዝመጹ ኣብ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተሳተፉ፥ ስደት ናብ ምስሪ ቅድስቲ ቤተ ሰብ “ኢየሱስ ማርያም ዮሴፍ” ዝገልጽ ቅዱስ ምስሊ ቅዱስነቶም ንኽባርኽዎ ነዘቕረቡ ስላምታኦም ብምቕራብ ቅድስቲ ቤተ ሰብ ካብ ናይ ሄሮዶስ ኢፍትሓውነት ኣምሊጣ ኣብ ምስሪ ኣብ ስደት ከምዝነበረት ጠቒሶም፡ ኣብ ግብጺ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን እታ ኢየሱስን ማርያምን ዮሴፍን ብዙሓት ነቢያትን ናይ እምነት ሰማዕታትን ዘእንገደትን ብዙሓት ቅዱሳት ዘፍረየት ለጋስን ለዋህን ሃገርኩም ተቐባሊት ጋሻን ናይ ታሪኽን ስልጣነን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሃገርን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝረአየላ ናይ ዘተ መሬት ምዃና ብቕረባ ዝራእይዎ ኩነት ምዃኑ ገሊጾም፥ እግዚኣብሔር ንኣኻትኵምን ሃገርኩምን መላእ ማእከላይ ምብራቕን መላእ ዓለምን ይባርኽ ካብ መንፈስ ክፍኣትን ካብ ዝዀነ ይዅን ግብረ ሽበራ ይዓቅበናን ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕትምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እታ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽበት ምስራዊት ጉጅለ ብናይ ምስሪ ናይ ባህላዊ መስህብ ጉዳይ ሚኒስትር ያሕያ ራሺድ ዝተመርሔት ምንባራ ጠቒሱ እታ ብሚስትር ራሺድ እትምራሕ ጉጅለ ሮማ መምጽኢኣ መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ናይ ቅድስቲ ቤተ ሰብ ኣሰር ብዝብል መርሕ ቃል ናብ ምስሪ መደባት ንፈሳዊ ንግደት ንምንቕቓሕ ምዃና እውን ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ክልተ እልፈ ዓመታዊ ባህሊ ማርያምን ዮሴፍን ኢየሱስን ካብ ዓመጽ ሄሮዶስ ንምድሓን ናብ ምስሪ ዝፈጸምዎ ጉዕዞ ስደት ንኹሉ ዘራኽብ ታሪኽ እዩ ዝብል ናይታ ቅድስቲ ቤተሰብ ጉዕዞ ንኹሉ ዘራኽብን ዘሕብርን እዩ ብዝብል ናብ  ግብጺ ቅዱሳት ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ዘነቓቕሕ መደብ ንምልላይ እታ ምስራዊት ጉጅለ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ምሸት ሰዓት ሸውዓተ በቆጻጽራ ሮማ ኣብ ከባቢ ሃገረ ቫቲካን ጎዳና ኮንቺላዚዮነ ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ካርዲናል ቸሲ ዓውደ ጉባኤ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ናይ ምስሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ትውፊት  ከምዝሕብሮን ኣብ ናይ ኢየሱስ እዋን ምድራዊ ሕይወት ናብ ፍልስጥኤምን ምስርን ዘብጽሑ ሰለስተ መገድታት ከምዝነበረን ኰይኑ ግና ቅድስቲ ቤተ ስብ ካብ ዓመጽን ኣሳዶን ሄሮዶስ ንምድሓን ናብ ምስሪ እንክስደዱ ብቐሊሉ ክልለዩ ስለ ዝኽእሉ ካብቶም ሰለስተ መገድታት ሓደ’ኳ ከምዘይመረጹ እንክሕብር፡ ምስ ናይ ዮሴፍ ማርያንም ኢየሱስ ጉዕዞ ስደት ዝተተሓሓዘ ዝተፈላለየ ክርስትያናዊ ኣምልዀታት ከምዘሎን ነዚ ኣብ ዮሴፍን ማርያም ኢየሱስን ጉዕዞ ዘተኰረ ስርዓት ኣምልኾ መሰረት ገይርካ ናይ ገዛእ ርእሱ መልክዓ መሬት ምሕንጻጽ ዝከኣል ከምዝኾነን፡ እዚ ድማ ካብ ገማግም ባህሪ መዲትራኒያን ዝብገስን ደለልታዊ ከባቢ ናይል ዘቋርጽን ናብ ደቡብ ገጺ ኣቢሉ ኣብታ እዋናዊት ከተማ ኣሲዩት ዝበጽሕ ታሪኽ መልክዓ ምድራዊ ጉዕዞ ስደት ቅድስቲ ቤተሰብ ዝገልጽ ክኸውን እንከሎ። ቅድስቲ ቤተ ሰብ ናብ ምስሪ ደሓር ካብ ምስሪ ናብ ቅድስቲ መሬት ኣብ ዝገበረቶ ጉዕዞ ዘዕረፍሉ ቦታ ዝምልከት ብዙሕ ዝግለጽ ታሪኽ እውን እንተዘይኰነ ከይኑ ግና ዘዕረፍሉ እናተባህሉ ብትውፊት ኣብ ዝግለጹ ቦታታት ቤተ ጸሎት ድዩ ገዳማትን ኣግራባትን ከምእተተኽለ ናይ ምስሪ ኦርቶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ኣብዞም ቦታታት’ዚኣቶም እውን መንፍሳዊ ንግደት ዝፍጽሙ ምዃኖም ይንገር።








All the contents on this site are copyrighted ©.