2017-10-06 09:21:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ዓመጽ


ናይ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ዕደ ጥበባዊ ዓለም ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ካብ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ምሁራትን ሰብ ሙያ ዛዕባ ጉዳይ ሕጻናትን ከምኡ እውን ካብ ናይ ኤኮኖምን በርገሳውን ክፍሊ ሕብረተሰብን ናይ ፖለቲካ ላዕለዎት ኣካልትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ልኡካንን ዝተዋጽኡ ብጠቕላላ 140 ተጋባእያን ዘሳተፈ ቀዳማይ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 3 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ነቲ ዓውደ ጉባኤ መኽፈቲ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ካብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመታት ንነጀው ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ወይ ከኣ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንምውጋእን ተሓተትቲ ገበነይናናታት ግቡእ ፍርዶም ክረኽቡ ሕብረተሰብ ዓለም ብዛዕባ እዚ ኣብ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣፍልጦ ክህልዎን ዝተጠቕዑ ሕጻናትን ወለዳቶም ግብኡ ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን ክንክን ክረኽቡ ኣብ ዝብል ዕላማ ዝግበር ጐስጓስ ቤተ ክርስቲያን ብቐዳምነት ከምእትጥቀስን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ እውን ብገለ ገለ ኣባልት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ገበን እውን ምዃኑ ተኣሚና ብሓቂ ንሕልና ዝኸብድ ሓቂ ድማ እዩ ከምዝበሉ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ዝከታተሉ ዘለዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ቤተ ክርስቲያን ቀስ እናበለት እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ እናለለየትን ነቶም ናይቲ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀነ ዜጋታት ቀረባ እናዀነት ናይ ስቓዮም ተኻፋሊት ብምዃን ስቓዮምን ዝወረዶም ዓመጽን ካብ ኣፎም እናሰምዔት እቲ ቝስሊ ንኽሓውይን ፍትሒ ክረኽቡን ከምኡ እውን ከምዚ ዓይነት ናይ ወሲብ ዓመጽ ቀዲምካ ኣብ ምክልኻል ክፍጸም ዘለዎ ስጉምትን ብዛዕባ ክንክንን ሓልዮትን ሕጻናትን እናነቓቐሔት ሓላዋ መሰልን ክብርን ትሕቲ ዕድመን ዘረጋግጽ ባህሊ ኣብ ምስፋሕ ትርከብ ከምዘላን ኣብዚ መዳይ እውን ኣባላት መደብ ሕንጸት ብምስታፍ ትመርህ ከምዘላ ዝሓበሩ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥

ሎሚ ካብ ቀደም ብዝለዓለ ደረጃ ናይ ሕጻናት መሰልን ክብርን ክሕሎን ብርቱዕ ጥንቃቔ ክግበረሉን ይግባእ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ገበን እውን ከምዝዀነን ብሓቂ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሓዘን ምዃኑ ካብቶም በዚ ገበን ዝተኸሱ ገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት መንነቶም ጠቒሶም ምስ ገለጹ። እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ኩሉ ቤተ ክርስቲያን ብዝምልከቶም ኣካላት ብቐረባ ብዓቢይ ጥንቃቔን ትኵረትን ትከታተሎ ኣላ። ብዘይ ሕብእብእ ሓቅን ፍትሕን ንምክልኻል ትዓዪ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ራቪያርት ኣስዒቦም፥ 

ዓለም ሓቆፍ ውሽጣዊ ርክብ ሓይሊ ጸጥታ ቤት ጽሕፈት ኣብ 2016 ዓ.ም. ብመርበባዊ ገጽ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽን ሕጻናት ንጸረ ሰብኣዊ ገበን ዝዳርግ ብዝተፈላለዩ መርበባውያን ገጻት ዝተፈላለዩ ናይ ቃልን ርእየትን መልእኽትታት ከምዝመሓላለፉን ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ሓሙሽተ ሕጻናት ነዚ ሓደጋ’ዚ ዝቃልዑ ምዃኖም የመልክት። እዚ ክስተት’ዚ ብልክዕ ካብቲ እንግምቶ ንላዕሊ እውን እዩ። መርበብ ሓበሬታ ናይ ሕብረተሰብ ዓለም እንጽብራቕ እዩ። ምዕባለ መርበብ ሓበሬታ ምስ ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ምዕባለ ዝተኣሳሰረ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ምዕባለ ዝድግፍን ዘነቓቕሕን ዕሴታት ዘተባብዕ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ሕጻናትን መንእሰያትን ኣብዚ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ምዓበለ እደ ጥበባዊ ዓለም እዮም ዝዓብዩ ዘለዉ፡ እዚ ጭቡጥ ክነት’ዚ ብዙሕ ጊዜ ዓቢይ ግምት እውን ዝተውሃቦ ኣይመስልን። ብዙሓት ወለዲ ነቶም ኣብዚ ሓድሽ ዓለም ዝውለዱን ዝዓብዩን ዘለዉ ደቃቶም ንምሕጋዝን ንምምራሕን እውን ዘይስንድዋት ኰይኖም እዮም ዝርከቡ። እዚ ምዕባለ ሃንደበት ይኾኖም ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም፥ ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ሕልውና ዝርከቡ እንክብሉ ይገልጽዎም። ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት እውን ዝረአይ ደጋውነት እዩ። ብዙሕ ጊዜ ድማ እዚ ደጋዊ ክፍሊ ህልውና እቶም ብመርበብ ገጻት ኣቢሎም ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ዜጋታት ዓመጽ ዘስፍሑ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝጥቀምሉ ስፍራ እዩ ከምዝበሉ የመልክቱ።

ነዚ ኹሉ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ንምክልኻል ብብሔራውን ዓለም ሓቆፋዊ ደረጃ ብዙሕ ተበግሶታት ኣሎ። ሓለዋ ንሕጻናት ማእከል፡ ተኸላኸልቲ ሕጻናት ዝኣመሰሉ ማሕበራትን ካልኦትን ብፁዕነቶም ጠቒሶም እዚ ብዙሓት ምሁራትን ናይ ፖለቲካ እካላትን ሰብ ሙያን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ኣሳቲፉ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉብኤ ሓደ እቲ ሕጻናት ንምክልኻል ዝግበር ጻዕሪ ዘተባብዕን መገዲ ዝሕብርን እውን እዩ። ኩሉ ብሓባር ኣብ ሓልዮን ክንክንን ሕጻናት ዘዋድድ ዓለም ለኽዊ ዓውደ ጉባኤ እዩ ከምዝበሉ ራቪያት ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.