2017-10-06 09:10:00

ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና


ማሕበረ ክርስትያን ናይ ቅርሳሰን ሓደጋን ነቢያት ዘይኮኑስ፡ ኢየሱስ ዝደልዮም ብኣገባብ ፍቕሪ ተስፋ ዘስፍሑ ሰባት እያቶም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 04 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ክርስቲያናዊ ተስፋ ኣማእኪሎም ዝጀመርዎ ተኸታታሊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፥ ናይ ተስፋ ልኡካን ሎሚ ኣብ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ኣሞርኲይዞም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘአሲ (ዕለት 4 ጥቅምቲ ብላቲን ስርዓት ዓመታዊ በዓሉ እነብዕለሉ ዘሎና) ብዘይ ጥርጥር ዓቢይ ናይ ተስፋ ልኡኽ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። ልክዕ ሎሚ እውን ክምቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝስደዱ ዘለዉ ማሕበረ ክርስቲስያን፡ ሕመረት ናይ ክርስቲያን ብስራት ኣንጻር ናይቲ ናይ ቅርሰሳን ሓደጋን ነቢይ ምዃን እዩ። ስለዚህ ሕመረት ናይ ክርስትና ኢየሱስ ስለ ፍቕሪ ሞተ እግዚኣብሔር ኣብ ኣለዳ ፋሲካ ኣተንሰኦ ዝብል ብስራት እዩ። ከምዚ እንተዘይከውን ኔሩ ወንጌል ኣብ ናይ ኢየሱስ ተቐብረ ዝብል ታሪክ ሕይወት ምተደምደመን  ተራ ናይ መደዓዓሲ መጽሓፍ ኰይኑ ምተረፈ ኔሩ፡ ኰይኑ ግና ኢየሱስ ንሞት ስዒሩ ተንስአ፡ ትንሳኤኡ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱን ምእንቲ ገዛእ ርእሱን ጥራሕ ዘይኰነስ ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሳትፍ እዩ። ስለዚህ ናይ ኢየሱስ ትንሳኤ ይልውጠና።

ኣብሰርቲ ትንሳኤ ብቓል ጥራሕ ዘይኰነ ብግብርን ናይ ሕይወት ምስክርነትን ብምቕራብ። ኢየሱስ ዝደልየና ልክዕ ከም ሓደ እንመሃሮ ቀመር ሸምዲድና ብኣእምሮና እንወጾ ዓይነት ምስክርነት ዘይኰነስ፡ ተስፋ ብምእንጋድን ንኻልእ ብምቕባልን ብሕጉስ ወጅህን ንኸነስፍሕን ብፍላይ ብፍቕሪ እዩ። ናይ ትንሳኤ ሓይሊ ክርስቲያን ዋላ’ኳ ፍቕሪ ኣመክንዮኡ ዘጥፍኤ እውን እንተመሰለ ወትሩ ንኸፍቅር ብቑዕ ዝገብሮ እዩ። ናይ ክርስቲያን ህላዌ ብተራ ብናይ መንፈስ ሓይሊ ጥራሕ ወይ ከኣ ናይ ተራ ትስፍውነት መግለጺ ኣይኰነን። በንጻሩ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ፍንጫል ምድረ ገነት ዘለዎም እያቶም። ስለዚህ ክርስቲያን ናይ ድሕነት ቦታ ንኽኸፍቱ ዝተጸውዐ እዩ። ልክዕ ከምቲ ሕይወት ዘይብሉ ዝመስል ደሓር ግን ናይ ሕይወት ዕያገነዳ ወይ ድማ መትኒ (ሊምፍ) ኰይኑ ዝራባሕ ዋህዮ ልክዕ ኩሉ ድቡን ኰይኑ ኣብ ዝረአየሉ እዋን ብዛዕባ ጸሓይ ዝዛረብ እዩ። ሓቀይና ክርስቲያን ይብሉ ቅዱስነቶም፥ ዘየዕረምርም ጓሃዪን ዘይኰነን ግንፍል ዘይብልን ዝዀነ ይዅን ሕሰም ድዩ ክፋእ ኢታእላው ከምዘይኰነ ዝኣምን እዩ። ዘይወግሕ ለይቲ ከምዘየለን ዝዀነ ይዅን ሰብ ብርግጽ ኣብ ጌጋ ዝነብር ተባሂሉ ድምዱም ኰይኑ ከምዘይተርፍ ዘስተውዕልን፡ ብፍቕሪ ዘይሰዓር ዝዀነ ይዅን ዓይነት ጽልእ ከምዘየለ ኣርጊጹ ዝኣምን እዩ። ነቶም ንስደንት መከራን ዝተቓልዑ ተስፋ ንምምስካር ክሳብ ሕይውቶም ኣሕሊፎም ዝህቡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዉ ማሕበረ ክርስትያን እናሓሰቡ፥ እዚ ዓይነት ተስፋ’ዚ ኣብ ገለ ገለ እዋን ልክዕ ከምቲ ንደቀ መዛሙርቲ ከቢድ ዋጋ ዘኽፈለ ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ እዚኣቶም እያቶም ሓቀይና ክርስቲያን። ኣብ ልቦም ሰማያዊ ቤት ዘንበሩን ሰገር ኩሉ ክነት ዝጥምቱን። ወትሩ ኣብ ጭቡጥ ኩነት እናነበሩን ተስፋ እናመስከሩ ክንየው ኩሉ ጭንቅን መከራን ዘማዕድዉ እያቶም። ናይ ኩሉ ዘመን ኣብ ኩሉ ዘመን ናይ እምነት ሰማዕታት ከምዝምስክርዎ ኢፍትሓውነት ናይ ሕይውት መዕጸዊ ወይ ከኣ መደምደሚ ቃል ኣይኰነን። ናይ ምንባር ትርጉም ዝፈልጥ ኣብ መከራን ሓሳርን ካብ ካልኦት ንላዕሊ ዕጉስን ተጻዋርን እዩ። ኰይኑ ግና ክርስቲያን ሸለልተይና ወይ ዘጣጥሔ ማለት ዘይከነስ እቲ ገርሄይናን ትሑትን ለዘብተይና ምዃኑ ምስ ዘይምትእምማንን ኣልቦ ውሕስነትን ተገዛእን ተንበርካኽን ምስ ዝብል ኩነት ክደናገር የብሉን።

ቢሎም ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣጠናቒቖም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንኽልገሱ ንዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.