2017-10-11 09:37:00

ቅዱስ ኣቦና ንናይ ጀርመን ርእሰ ብሔር ስታይንማየር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ


ዕለት 9 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ፈደራላዊት ረፓብሊክ ጀርመን ርእሰ ብሔር ፍራንክ ዋልተር ስታይንማየር ትቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ልእኽቲ ጋዚጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ገሊጸን።

እቲ ክሌኣዊ ርክብ ኩነታት ኤኮኖሚያውን ሃይማኖታውን ኣብ ኤውሮጳን ዓለምን ብፍላይ እቲ ኣብ ዓለም ብሰፊሕ ዝረአይ ዘሎ ክስተት ጸኣት ስደተይናታትን ናይ ምእንጋድን ምትሕብባርን ባህሊ ምትብባዕ ምስ ዝብል ሓሳብ ብምጥማር ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየደ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵልይሊኖ ኣስዒበን፥ ርእሰ ብሔር ስታይንማየር ድሕር ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፅዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ እውን ሓቢረን፥ ናይ ክልቴኣተን ሃገራት ርክብ ሰናይን ዝነኣድን ኣብ ጀርመን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ፕሮተስታንት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ናይ ሓባር ዘተን ርክብን ኣብዚ መበል 500 ሚእቲ ዓመት ሉተራናዊ ሕዳሲ ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ኣድማዒ ምዃኑ ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ከምእተረጋገጸ ኣፍሊጠን።

ርእሰ ብሔር ስታይንማየር ድሕሪ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦናን ምስ ካልኦት ላዕለዎት ኣካላት ቅድስቲ መንበርን ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡ ክፍለጥ እንከሎ፥ ሰብኣውነት ቅዱስ ኣቦና ከምዝማረዀምን ዝነብርው ተራ ዝዀነ ሕይወት እውን ከምዘደነቖምን ኣቀራርብኦም ንዘተ ክፉትን ኣብ ኩሉ ርእሰ ጉዳይ ዓለም ዘይዋገይ ሰብን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘማእከለ ንጹር መትከል ዘለዎም እዮም እንክብሉ ገሊጾም፥ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ድህረ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ጀርመንን ተራ ጀርመን ኣብ ጉዳይ ዓለም ሓቆፍን ብፍላይ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታን ተመዛበልትን ኣብ ዝምልከት ህጹጽ ጉዳይ ዓለምን መሰል ካልኦት ርእሰ ጉዳያት ኣብቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ርክብ ሓሳብ ንሓሳክ ከምእተለዋወጡ ጠቒሶም ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታ ግቡእ መልሲ ንኽረክብን ከምኡ እውን ንስደተይናታን ተመዛበልትን ጀርመን እተርእዮ ዘላ ሓልዮት ዝተመልአ ውሳኔ ብሓቂ ዝነኣድ ምዃኑ ገሊጾም፡ ጸኣት ስደተይናታት ገና ዘብቅዕ ከምዘይመስልን ጀርመን እዚ ዓቢይ ሰብኣዊ ክስተት’ዚ መፍትሒ ክረክብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እተርእዮ ዘላ ኣብነታው ሱታፌ ከይሰናኸል ሓደራ ከምዝበሉን ጉዳይ ኣፍሪቃ እዚዩ ዘተሓሳስቦም ከምዝዀነን ጀርመን ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ኤውሮጳ ምትሕብባርን ሓልዮትን ከተነቓቕሕን መደብ ምዕባለ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብተን ስደተይናታት ዝነቕሉለ ሃገራት ከተሳልጥ ድማ ሓደራ ከምዝበሉ ጠቒሶም፥ ህልው ቅልውላው ዓለም ሰላማዊ መፍትሒ ንኽረክብ ጻዕሪ ኣቢያተ ክርስቲያንን ግደ መላእ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኵለን ሃይማኖታት ብናይ ሓባር ዘተ ኣቢለን እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ቅልውላውን ስእነት ሰላምን መፍትሒ ክረክብ ዓቢይ ጻዕሪ ከካይዳ ከምዝግብኤን ቅዱስነቶም ኣብዚ መዳይ ከይተሓለሉ ከምዝጽዕሩ እውን ከምዘረጋጽሎም ሓቢሮም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.