2017-10-17 16:14:00

መደብ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 26 ሕዳር ክሳብ ዕለት 2 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ምያንማርን ባንግላድሽ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ዕለት 10 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ካብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቤት ጽሕፈት ዝወጸ መግለጺ ኣሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዕለት 26 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 10.00 ናብ ሃገረ ባንግላደሽ ክነቕሉን ዕለት 26 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ሰኑዕ ኣብ ያንጎን ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ብናይ ምያንማር መንግስቲ ኣቀባብላ ተገይርሎም ሰዓት ሓደን ፈረቓን ኣብ ናይታ ሃገራዊ ቤተ መንግስቲ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ብናይታ ሃገር ናይ መንግስቲ ኣካላት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ሰነ ስርዓት ንኽብሮም ክቐረቦሎምን ድሕሪ ቐትሪ ንዝተፈላለያ በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ምያንማር ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ዘረባ ከስምዑን ዕለት 29 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ያንጎን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም፡ ድሕሪ ቐትሪ ክልተ ዝተፈላለዩ፡ ማለት ብቐዳምነት ምስ ናይ ሳንጋ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ሰዓብቲ ገዳማውያን ላዕለዋይ ቤት ምኽርን ቀጺሎም ድማ ኣብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም ኣብ ዝርከብ መቐበሊ ኣጋይሽ ኣብ ምያንማር ምስ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ክራኸቡ ምዃኖም ካብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሓሙስ ዕለት 30 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም ብፍላይ ንመንእሰያት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ድሕሪ ቀትሪ ካብ ምያንማር ተሰናቢቶም ናብ ባንግላደሽ ክነቕሉ እዮም ዝበለ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን ኣስዒቡ፥ ኣብ ባንግላደሽ ርእሰ ከተማ ዳካ  በጺሖም ኣብ ናይ ሃገረ ባንግላደሽ ብሔራዊ ናይ ሰማዕታት ሳቫር ኣብ ናይ ተዘክሮ ቦታን ንናይ ሃገረ ባንግላደሽ ኣበው ባንጋባንዱ ቤተ መዘክር እውን ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ጠቒሱ፡  ልክዕ ብናይ ባንግላደሽ ሰዓት ኣቆጻጽራ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሽዱሽተ ምስ ናይ መንግስትን በርገሳውያን ማሕበራት ወኪላትን ኣብ ባንግላደሽ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተራኺቦም ዘረባ ከምስዑን ዕለት 1 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ማዕርገ ክህነት ክህቡን ምስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ባንግላደሽ ብፁዓን ጳጳሳትን ቀጺሎም እውን ኣብ ባንግላደሽ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ክራኸቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ዕለት 2 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ኣብ ተኻጎን ኣብ ዝርከብ ናይ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኵታ ቤት ግላዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ውሉደ ክህነት ኣባላትን ቀጺሎም ዳካ ኣብ ዝርከብ ኖትረ ዳም መንበረ ጥበብ ምስ መንእሰያት ክራኸቡን ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሓሙሽተ ብናይ ባንግላደሽ ኣቆጻጽራ ተሰናቢቶም ናብ ሃገረ ቫቲካን ክነቕሉን ልክዕ ዕለት 2 ታሕሳስ ሰዓት 11 ናይ ምሸት ሮማ ክኣትዉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ኣብ ምያንማር ቡድሃውያንን ክርስቲያንን ብሓባር ቅዱስ ኣቦና ብዓቢይ ተስፈይና ሃንቀውታ ይጽበዩ ከምዘለዉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እቲ ኣብ ያንጎን ኣብ ዝርከብ ኣፈት ካቴድራል ንጽሐተ ድንግል ማርያም ካብ ዕለት 27 ሕዳር ክሳብ ዕለት 30 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ምያንማር ዝብል ጽሑፍ ዝተነብሮ ተሰቒሉ ዘሎ ዓቢይ ምስሊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘረጋግጾ ምዃኑ የመልክት።

ኣብዚ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ሰዓብቲ ብዙሓን ኣብ ዝኾኑላ ሃገር ቅዱስ ኣቦና ክበጽሑና ንእግዚኣብሔር ነመስግን፡ እቲ ናቶም ብጻሕ ኣብ ምያንማር ሰላምን ዕርቅ ዘነቓቕሕ ክኸውን እምነትና እዩ እንክብሉ ናይ ሰበኻ ፓተይን ምእመን ዛርኒ ሳያ ምስ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምሕትት ከምዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሰላምን ዕርቅን ዝብል መርሕ ቃል ዘምርሐ ክኸውን እንከሎ እቲ ምያንማር ዘድልያ ጭቡጥ ዕሴት ዘነጽር እዩ። ማሕበርሰብ ምያንማር ብዙሕ ዝተሳቐየ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ሓደ ድማ ነቲ ናይ ምያንማር ኣብ ግዝኣት ራክሂነ ዝርከብ ሮሂንግያ ማሕበረሰብ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ንዘቕርቦ ሕቶ ብቑዕ መልሲ ምሃብ  ዝብል ዘጠቓልል ብድሆታት ኣብ ቅድሚኣ ዝተነብረ እውን እንተዀነ ንነጻነት ተስፋን ኣዚያ ክፍቲ ሃገር ኰይና ኣላ ኣንክብሉ ሳያ ዝገለጽዎ ሓሳብ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ፥ ንናይ ሱቺታ ብዱሃ ሃይማኖት ባሕታውያንን ካልኦት ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሃይማኖታት እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦን ኣብ ምያንማር ምብጻሕ ነቲ ንኹሉ ብሓደ ዝጥርንፍ ጽቡቕ ድላይ ዘነቓቕሕ ከምዝኸውን ድሮ ይሕበር ከምዘሎን እቲ ብምጻሕ እግዚኣብሔር ነምያንማር ህዝቢ ዘለዎ ሓልዮት ዘረጋግጽ እዩ። ኩሉ ንማሕበራዊ ዕርቅን ሰላምን ምዕባለን ዘተባብዕ እውን ከምዝኸውን ኣብ እስያ ናይ መላእ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዛዕባ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝከታተል ድርገት ዋና ጸሓፊት ኤስተር ብዩ ከምዝገለጻ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.