2017-10-17 11:02:00

ቅርበትን ጸሎትን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ካሊፎርንያ ብሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንዝተጎድኡ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተበሮ መልእኽቶም ኣቢሎም ኣብ ካሊፎርኒያ ብምኽንያት ሰደድ ባርዕ ሓዊ ናይ ሞት ሓደጋ ነዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ንዝተጎድኡ ቅልጡፍ ምሕዋይን ክጽግዎም ጸሎቶም ምዃኑን ሓቢሮም ቅርበቶም እውን ከምዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።

ቅዱስ ኣቦና ናብ ናይ ሎስ ኣንጀለስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኾሴ ሆራሲዮ ጎመዝን ናብ ናይ ሳን ፍራንቺስኮ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ኮርዲለዮነ ኣብ ዘምሓላለፍዎ መልእኽቶም ንዅሎም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ናይቲ ባርዕ ሓዊ ኣደዳ ዝዀኑን ንብረቶም ኣባይቶምን ዝባደሞም እናሓሰቡ ኩሉ ነቲ ዝሳቐይ ዘሎ ሕዝቢ ቀረባ ክኸውንን ደገፉ እውን ከቕርብ ጻውዒት ብምቕራብ ንኣባላት መጥፋእቲ ሓውን መንግስትን ድማ ብምትብባዕ ንኹሎም ሓዋርያዊ ብራኬኦም እውን ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥  እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 8 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ካሊፎርንያ ከቢድ መጉዳእቲ ዘውርድ ብዘሎ ሰደድ ባራዕ ሓዊ ልዕሊ 31 ዜጋታት ናይ ሞት ሕደጋ ከምዘጋጠሞምን በኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ገና ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠን ልዕሊ 76 ሺሕ ሓምላይ ሔክታር መሬት ከምዝባደመን ብምዝኽኻር ልዕሊ 8 ሺሕ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ምቁጽጻርን ምፍጣእን ባርዕ ሓዊ ተዋፊሮም ከምዘለዉን ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ኩነት ከባቢ ኣየር ብርቱዕ ንፋስን ዋሕዲ ዝናምን ነቲ ዝተኸስተ ባርዕ ሓዊ ክሰፍሕ ይገብር ምህላውን ንምቁጽጻሩን ንምጥፋኡን ዝግበር ጻዕሪ ኣዚዩ የኽብዶ ከምዘሎ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.