2017-10-17 16:06:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ስደተይናታት ዘሕዝን ፍጻሜ ትእምርቲ ናይ ኣይላን ሓወልቲ ንፋኦ ለጊሶም


ዕለት 16 ጥቅምቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማሕበር ምብጻሕ ኣካይዶም፥ ፍጥረት ሰብ ብመሰረት ናይ ገዛእ ርእሱ ኣድላዪ መግቢ ናይ ምርካብ መሰል በዓል ቤት እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ሰፊሕን ዓሚዩቕን ዘረባ ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ እንክሕብሩ፥ ቅዱስነቶም ድሕሪ ፍጻሜ እቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ቅዱስ ኣቦና፥ እቲ ናይ ስደተይናታት ዘሕዝን ፍጻሜ ትእምርቲ ተባሂሉ ዝንገረሉ ኣብ ወርጢ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ካብ ሶሪያ ብንእሽተይ ናይ ሞተር ጀልባ ተሳፊሮም ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ዝተሰዱ ኣብ ቱርክ ቅድሚ ምእታዎም ብዘጋጠመ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ምኽንያት ካብቶም ኣብ ቦድሩም ናይ ቱርክ ገማግም ባሕሪ ሬሳኦም ካብ ዝተረኽበ ናይ ሕጻን ኣይላን ዘሕዝን ሓደጋ ሞት፡ ዝገልጽ ሓደ ሓላዊ መልእኽ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ጥቓ ናይ ኣይላን ዓስከሬን ተንበርኪኹ መሪር ንብዓት እናውሓዘ  ዘርዕይ ካብ እምነ በረድ ዝተቐርጸ ሓወልቲ ንዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማሕበር ከምዝለገሱ ኣፍሊጦም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ስደተይናታት ዘዘንትው ሓወልቲ ኣይላን ስደተይናታት ናይ ምንባር መሰሎም ካብ ዝነቕሉሉ ከባብን ኣብ ዝኣትውሉን ከባቢ ዝንፈጉን እዚ ከይኣክል ከም ቁጽሪ ክረአዩ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ ቢሎም ፍጥረት ሰብ እያቶም ዝብል ሓሳብ ቅዱስነቶም ብትረት ከምዝገለጹ እውን ኣፍሊጦም።

እቲ ቅዱስነቶም ንፋኦ ዝለገስው ናይ ኣይላን ሓወልቲ ብጣልያናዊ ተቐማጢ ትረንቶ ናይ ስነ ቅብእን ስነ ሓወልትን በዓል ሙያ ልዊጂ ፕረገደል ዝተቐረጽ ክኸውን እንከሎ፥ ቅዱስ ኣቦና ብናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ዋና ኣመሓዳሪ ኾሴ ግራዚያኖ ዳ ሲልቫን ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ኪካ አረላኖ ተሰንዮም ነቲ ሓወልቲ ምስ ለገሱ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓወልቲ ናይ ሕልና ጸሎት ከምዘዕረጉን ምስ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማሕበር ላዕለዎት ኣካልት ከምእተራኸቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.