2017-10-20 16:11:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ናብ ኣባይቶም ንዝምለሱ ዒራቃውያን ክርስቲያን ሓገዝ


ክርስቲያን ዝሓልዮ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ቤት ምኽሪ ልዕለዎት ኣካላት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ማሕበር ነቶም ኣብ ዒራቅ ሰጣሕ ጎልጎን ነነዌ ተቐማጦ ማሕበረ ክርስቲያን በቲ ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረ ውጥረትን ግርጭት ምኽንያት ተሰዲዱ ዝነበረ ማሕበረ ክርስቲያንን ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብትን ናብ ከባቢኦም ንምምላሶም ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ንምድጋፍ ዘርእዮ ዘሎ ሓልዮት ድጋፍን ኣመስጊኖም ኵሉ ኣብ ከባቢኡ ሰላም ረኹቡ ናይ ምንባር መሰሉን ክብሩን ክሕለወሉ ናይ ኩሉ ጻዕሪ ይሓትት ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ግብረ ሰናይ መግለጺ ጠቒሱ የመልክት።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መልእኽቶም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራችነስኮ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ህልው ኩነታት ብቐረባ ዝከታተሉ ምዃኖም ኣረጋጊጾም እቲ ዓለም ሓቆፍ ግብረ ሰናይ ዝፍጽሞ ዘሎ ልዑል ኣገልግሎት ንኢዶም ብምብርትታዕ እቲ ማሕበር ግብረ ሰናይ እቶም ካብ ነነዌ ተመዛቢሎም ዝነበሩ ዜጋታት ናብ ከባቢኦም ንኽምለሱ ዘርእይዎ ዘለዉ ድላይ ምሉእ ብምሉእ ውሕስ ንምግባር ኣባይትን  ናይ ኣገልግሎት መውሃብን ኣቢያተ ትምህርትን ናይ ሕክምና ማእከላትን ድጋም ክረክብ ዝሃንጸጸ መደብን ትግባሬኡን እውን ከምዘድነቑን ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይቲ ግብረ ሰናይ መግለጺ ጠቒሱ ብምምልካት ኣብ ዒራቅ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ራፋኤል ቀዳማዊ ሳኮ እውን ብወገኖም ነቲ ማሕበር ግብረ ሰናይ ቃል ምስጋና ከምዘመሓላለፉ ሓቢሩ።   








All the contents on this site are copyrighted ©.