2017-10-20 16:01:00

ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ትንሳኤ ሰብ


እዋናዊ ስልጣነ ነቲ ዘይተርፍ ናይ ሕይወት ተመክሮ ዝዀነ ሞት ክድምስስ ወይ ክዝርዝ እዩ ዝፍትን፡ ነቲ ዝኣምን ዘበለ ሰብ ግና ሞት ማለት ክፉት ማዕጾ እዩ፡ ነቲ ዝጠራጠር ግና ጠሩሹ ምሉእ ብምሉእ ዘይተዓጽው ብልጭታ ብርሃን ዝጽሉቕ ግርብብ ዝበለ ማዕጾ እዩ። ዝኾነ ኾይኑ እዚ ብርሃን’ዚ ከብርሃልና እንከሎ ንኣና ጸጋ እዩ ዝኸውን ነዚ ዝብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ ክርስቲያናዊ ተስፋ ብዝብል ኣርእስቲ ዝጀመርዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል እቶም ምስ ጐይታን ኣብ ጐይታን ዝሞቱ ብፁዓን እያቶ ብዝብ ንኡስ ኣርእስቲ ተሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኩላትና ብዛዕባ ሞትን ሞትናን ነኸነስተንትን እዕድም። ብዛዕባ ሞትናን ናይ ፈተውትናን ሞት ክንሓስብ እንከሎና እቲ ብኢድና ሒዙ ዘተንስኣና ኢየሱስ ንሕሰብ። ንሱ ተንስእ ንዓ ምሳይ ክብለና እዩ። ንሱ ከተንስኣና እንከሎ ተስፋ ይፍጸምን። ንነፍሲ ወከፍና ኢየሱስ ብኢድና ሒዙ ከተንስኣና ብለውሓትን ብሓልዮትን ብፍቕሩን ናብ ነፍሲ ወከፍና ክመጽእ እዩ። ኩላትና ብልብናን ኣእምሮናን እቲ ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍና ነዓ ተንስእ ዝብለና ቃል ነስተውዕል።

ዋላኳ ሰብ ናይ ምዝካርን ኣምልዀ ሙታን ባህሊ ሒዙ ዝተወለደ እውን እንተዀነ እዚ ክትርድኦ ዘጸግም ጭቡጥ ሞት ከይሓሰብናዮን ከይተቐረብናን ሞት ኣብ ቅድመና ደበኽ ክብል እንከሎ ግና ነዚ ምስጢር’ዚ ዝገልጽን ትርጉሙ ዘነጽርን ቃል ዘይብልና ኰይና ኢና እንርከብ። ቅድሜና ዝነበሩ ገለ ገለ ስልጣነታት ንሞት ፊት ንፊት ኣብ ምግጣሙን ምሕሳቡን ኣዚዮም ካባና ንላዕሊ ትብዓት ዝነበሮም እያቶም። ንሓድሽ ትውልዲ ብዛዕባ እዚ  ዘይተርፍ ጭቡጥ ኩነት ንኹሉ ዝትንክፍ ምዃኑ ዝነግር ዘቕርብዎ ዝነበሩ ታሪኽ፡ ሰብ ምንባሩ ንሓደ ልዑል ዕላማ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ድርኾት እዩ ኔሩ። መዓልትታትካ ምጽብጻብን ኩሉ ብቕጽበት ዝሓልፍ ምዃኑ ተስተውዕል እዚ ምስትውዓል’ዚ ንልቢ የለብም፡ ብሱል ሰብ ይገብር።

ሞት ንሕይወትና ዕርቃኑ የትርፍ። እቲ ትዕቢትን ቁጣዔን ጽልእን ዘበለ ተግባራትና ኩሉ ከንቱ ምዃኑ ንኸነስተውዕል ይድርኸና። ከምቲ ግብኡ ዘየፍቃርና ምዃንና እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣብ ምድላይን ምንባርን ዘይምትጋህና ነስተውዕል እሞ ንጠዓስ። በንጻሩ እውን እቲ ዋጋን መስዋዕትን ዘኽፈለና ኣብ ፍጻሜ ምድራዊ ሕይወትና በእዳውና ሒዞም ዘሰንዩና  ሰናይ ውጽኢት ዘለዎ ሰናይ ተግባራትና ንዓና ንኽሕሸና ምዃኑ ዘየጣዕስ ይኸውን። ዝዘራእናዮ ሰናይ ዘበለ ኩሉ ክንርእይ እውን የብቅዓና።

ኢየሱስ ምስጢረ ሞትና ዘብርሃልና ምዃኑ ቅዱስነቶም ነዚ ንኸረድኡ ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ናይ ዓርኩ ኣልኣዛር መቓብር ስፍራ ቆይሙ፥ “… ነበዐ…” (ዮሓ. 11,35 ረአ) ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ሞት ናይ ኵሉ ሰብ ተመክሮ እንታይ ምዃኑ የመልክት። ኢየሱስ ብሓቂ እዩ ዝሓዘነን ዝነብዐን፡ ስለ ሞት ዓርኩ ኣልኣዛር ሓዘነን ነበዐን፡ እቲ ኣብ ፍጥረት ህልው ዝኾነ ሞት ነቲ ናይ እግዚኣብሔር መደብ ፍቕሪ ዘተዓናቕፍ ጭቡጥ ኩነት ኢየሱስ መድሕን ይፍውሶ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣተሓሒዞም እቲ ኣብ ወንጌል ተነቢሩ ዘሎ ታሪኽ ጓል ኢያኢሮስ ብምዝካር፥ ኢየሱስ ንጓሉ ነኸድሕነሉ ይልምኖ። ብሓቂ ወዱ ወይ ጓሉ ዝሓመሞን ዝሓመመቶን ኣቦን ወይ ኣደን ንላዕሊ እዚዩ ከብድኻ ዝበልዕ ትርኢት ዘሎ ኣይመስለንን። ኣብ ቅድሚ ናይታ ሕጻን ሞት ኢየሱስ ንወላዲኣ ኢያኢሮስ ኣይትፍራሕ እመን ደኣ እንክብሉ ይምዕዶ።

ኣቦ እታ ዝሞተት ሕጻን ብቁጣዔን ሓዘንን ነዲሩ ናብ ተስፋ ቍርጸት ናይ ምባል ፈተና ኣብ ቅድሚኡ ምዃኑ ዘስተውዓለ ኢየሱስ እታ ኣብ ልብኻ ዘላ ሃልሃልታ እምነት ዓቅባ፡ እምነት ይሃልኻ፡ ኣይትፍራሕ ይብሎ ጓልካ ሞይታ እያ ደጊምካ ስለምንታይ ንመምህር ተድክሞ ኣብ ዝበልዎ ሰባት ቅድሚ፥ … እዛ ቘልዓ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን … ኢድ እታ ቘልዓ ሒዙ ኸኣ ኣተንሰኣ ንወላድኢን ፈተውታን ድማ ኣረከባ።

ኢየሱስ ኣብ እምነት ከነትኵር እዩ ዘተባብዓና። ሞት ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ሕይወትናን ኰነ ሕይወት ፍቝራትና ዝምንጥል እዩ። ማርታ ብምኽንያት ሞት ሓዋ ኣልኣዛር እቲ ንዓንቀጸ እምነት ብርሃን ዝዀነ፥ “ትንሳኤን ሕይወትን ኣነ እየ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምንሲ ኣንተ ሞተ እኳ ብሕይወት ኪነብር እዩ። እቲ ብኣይ ዚኣምን ሕያው ዘበለ ዅሉ ንዘለዓለም ኣይኪመውትን እዩ…” (ዮሓ. 11, 25-26) ዝብል ሓቂ ኣብ ምቕባሉ እምቢ ብምባልን ብምቅዋም ትነብዕ ንዝነበረት ኣብቲ ክቡር ዝዀነ እምነት ከተተኵር ይድግፋ። ትኣምኑ ዶ? ዝብል ሕቶ እዩ ዘቕርበልና። ሕይወትና ብእምነትን ፍርሕን ዝተወጠረ እዩ። በዞም ክልተ ጫፋት ዝተወጠረ እዩ ኣነ ሞት ዘይኰንኩስ ትንሳኤን ሕይወትን እየ፡ በዚ ትኣምን ዶ ትኣምኒ ዶ እዩ ዝብለና። ኩላትን ኣብ ቅድሚ ሞት ኣልቦ ዓቕምን ፍሩሳትን እውን ኢና፡ ይኹን ደኣ’ምበር እቲ ናይ እምነት ሃልሃልታ ኣብ ልብና ዓቂብና ምንባር ዓቢይ ጸጋ እዩ።

ኢየሱስ ልክዕ ምስ ኢያኢሮስ ዝገበሮ ኣእዳውና ሒዙ “ታሊታ ኩም -  ኣቲ ጓል ተንስኢ” (ማር. 5,41) ክብለና እዩ። እዚ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍና ዝብሎ እዩ፡ ተንስእ፤ ተንስኢ እዩ ዝብለና።

ቢሎም ነቶም ኣስተምህሮ ትምህረተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና ክልገሱ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ መንፈሳውያን ነጋዶ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.