2017-10-21 19:04:00

፫ ሰንበት ዝጽጌ 12 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም. (10/22/217)


ንባባት፡ 1ተሰ 1:1-5፥ ያዕ 1:9-21፥ ግሓ 7: 23-29፥ ማቴ 22:15-21   ምስባክ፡  “ጻድቅሰ ከመ በቀልት ይፈሪ፥ ወይበዝኅ ከመ ዘግባ ዘሎባኖስ፥ ትኩላን እምንቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር” “ጻድቃን ከም ስየ ይልምልሙ፥ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓብዩ፥ አብ ቤተ እግዚአብሔር ዝተተኽሉ እዮም” መዝ. 92፡12።

መዝሙር፡ ከማኻ ዝበለ መሓሪ መንአሎ፥ ምስ ኖኅ ኪዳን ዘጽናዕካ፥ ንደቂ እስራኤል መና ዘውረድካሎም፥ ንምድሪ ብዕምባታት ዘገጽካ፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ፀሓይን ምድርን ዘሰናዶኻ፥ ኩሉ አባኽ ተስፋ ይገብር፥ ከማኻ መሓሪ መን አሎ።

ማርያም ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ እናበለት ነቲ አምላኽ አብአ ዝገበሮ አመስጊና። ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር እውን ንግብሪ አምላኽ ርኢና ክንርኢ እሞ ክነመስግን፥ ብፍላይ አብ ሕይወትና ንዝገበረልና ተመስገን ኢልና ክንክእል ከሎና ጸጋ እዩ ዝበዝሓልና። አብ ኩሉ ፍጡር ግብሪ አምላኽ ርኢና ክንክእል እሞ ክነምስግኖ።

ሎሚ ምስ ሰንበት ዘኪርናዮ ዘሎና መዓልቲ ስብከተ ወንጌል እዩ። ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ነዚ ሰንበት ካብታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፕዮስ XI ብ1926 ዝአወጁላ ንድኃር ብፍሉይ ዓለም ለኻዊ ናይ ተልእኮ ሰንበት “World Mission Sunday” ኢላ ዓመት ዓመት ብፍሉይ ዘኪራ አብ ስብከተ ወንጌል ንዘለዋ ተወፋይነትን ነቲ ክርስቶስ መመህራ ዝሃባ ሓላፍነት ተልእኮ ብዳግም ትሕድሶ። ነቶም አብ ዝተፈላለየ ዓለም ዘለዉ ልኡኻት ወንጌል እናዘከረት ከአ ኩልና ሰበኽቲ ወንጌል ኮና ክንሰብኽ ክንጽሊ ትምሕጸነና።

አምላኽ አብ ዝተፈላለየ እዋን ብዝተፈላለዩ ሰባት ወላ እውን ክርስትያን አይኹኑ እምነቶም ዓለቶም ብዘየገድስ ክዛረብ ወይ ክዕዪ ይኽእል፥ ነዚ አብነት ዝኾነና አብ ብሉይ ኪዳን ደጋጊምና ንረክብ። ሓደ ካብዚ ኢሳያስ ነብዩ አብ ምዕ. 45 አብ ትንቢቱ ዝነግረና እዩ።

ኢስያስ ነብይ አብ 45፡1-6 አይሁድ ካብ ባርነት ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመለሱን ቤተ መቕደስ ከም ዝሃንጹን ተነብዩ፥ አብ ግብሪ ኸአ ተራእዩ። ንቂሮስ (Cyrus) ዓቢ ንጉሥ ፋርስ ንባቢሎናውያን ዝሰዓረ ንአይሁድ ካብ ባርነት ነጻ አውጺኡ ንሃገሮም ከም ዝምለሱ፥ ንቤተ መቕደስን ከተማኦም ኢየሩሳሌም ክሰርሑ ኸአ ብገንዘብ ዘድሊ ሓጊዝዎም። ነቲ ኩሉ ዝተዘምተ ወርቅን ብሩርን ቤተ መቕደስ ከይተረፈ መሊስሎም።

ኢሳያስ ነቢ ብግሉጽ ዝነግሮ ዘሎ ንጉሥ ፋርስ አረመን እንከሎ አብኡ ኢድ አምላኽ ከምዘሎ እዩ። እዚ ዝገልጾ አምላኽ እስራኤል አብ ልዕሊ ኩሎም ነገስታት ስልጣን ከምዘለዎ መረጋገጺ እዩ። አምላኽ ከም ዝቐብኦ . . .ብየማናይ ኢዱ ከም ዝሕዞ ይነግር። ሓደ አረሜን ንጉሥ ከም ሓደ ቅቡእ አምላኽ ምርአዩ ዘይሕሰብን ፍሉይ ነገርን እዩ። እዚ ቅቡእ ዝብል ቃል አብ እስራኤላውያን ንነብያትን ነገስታትን ካህናትን ጥራሕ እዩ ዝብሃል፥ እንተ ኾነ ንቂሮስ ከም ሓደ ቅቡእ አምላኽ ከም ዝርእዮ ብግሉጽ ንርኢ። እዚ ዝሕብሮ ናይ አምላኽ ሉዑላውነት አብ ልዕሊ ኩሎም ነገስታ ምድርን ከምኡ አማልኽቶምን ከም ዝኾነ ዝገልጽ እዩ። ነዚ ከምቲ ኢሳያስ ንቂሮስ ዝርእዮ ገርካ ምርአዩ የድሊ። ቂሮስ ምናልባት ከም ሓደ ጎይታ ናይ ሓደ ዓቢ ንግስነት ክርአ ይክአል እዩ እንተ ኾነ ንሱ እውን አብ ትሕቲ ሓለዋ አምላኽ ምኻኑ ክፍለጥ ይግባእ። አምላኽ ብኡ አቢሉ ይሰርሕ ወላ እኳ ቂሮስ እቲ አብ መንበሩ ዝጸውዖ መን ምዃኑ እንተ ዘይፈለጠ። አብ ውሽጢ ሕልንኡ ናይ አምላኽ መንፈስን ህላዌን መገዲ ይሰርሕ ነሩ በዚ ኸአ ክፈልጦ ይጽውዖ ነሩ።

ቅ. ጳውሎስ ካብ ቀዳመይቲ ንባብ 1ተሰ 1፡1-5 ብሓጎስ መሊኡ ዝጸሓፋ እያ። እዚአ መልእኽቲ ቀዳመይቲ ጽሕፍቲ ሓዲስ ኪዳን እያ። ሰብ ተሰለንቄ ወንጌል ብምቕባሎምን ዘርእይዎ ዝነበሩ ፍቕርን ውህደትን ብጣዕሚ ስለ ዘሓጎሶ ኩሉ ጊዜ ንአምላኽ አመስግን ይብሎም። ነቲ ብዙሕ ህያባት ካብ አምላኽ ዝተቐበልዎ እምነት፥ ፍቕርን ተስፋን አብ ክንድኦም ኮይኑ ንአምላኽ የመስግን። ቅ. ጳውሎስ አብ ሕይወቱን አብ ሕይወት ካልኦት ብንጹር ክርእዮ ዝኸአለ ደቂ ሰብ መሳርሕቲ አምላኽ ክኾኑ ጸጋ አምላኽ ቀንድን መሰረታውን ምዃኑ ተረዲእዎ። አብ ሰብ ተሰሎንቄ ክልቲኡ ተራእዩ ማለት ወንጌል ከመይ ኢሉ ጳውሎስ ከም ዝሰበኸሎምን ንሶም ብሓጎስ አብቲ ጽንኩር እዋን ስደት ኽቕበልዎ ከለዉ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ይገልጽ። ቅ. ጳውሎስ ቀጺሉ ነዚ ጸጋታት አምላኽ ተኸታቲሎም ኩሉ ጊዜ ክጥቀሙሉ ከምኡ ከም ደቂ አምላኽ ኮይኖም ክነብሩ ይምሕጸኖም። አብ ሕይወት ብዙሓት እንተ ረአና ወላ ሓንቲ ሓላፍነት ከምዘይብሎም ክነብሩ ይርአ እንተ ኾነ ኩልና ሓላፍነት አሎና እዚ ኸአ እቲ ብጸጋ ጥምቀት ዝአቶናዮ ሕይወት አብ ወንጌል አሚና ንአምላኽ ሕጉን ትእዛዙን አኽቢርና ክነብር ትሑዛት ኢና። ተፈጥሮን ንአምላኽ ምምሳልን ንአኡ ምምላኽን ምምስጋንን እዩ እምበር ምእንቲ ክብሪ ርእሱ ዝተፈጥረ የብልናን።

አብ ዝሓለፋ ሰናብቲ ንባባት ካብ ወንጌል ማቴዎስ ኢየሱስ ንፈሪሳውያንን ዓበይቲ ዓድን አብኡ ቃል አምላኽ፥ ስልጣን አምላኽ፥ ሕያውነት ዝመልኦ ፍቕሪ አምላኽ፥ ከለልዩ ብዘይምኽአሎም ብምሳሌ ገሩ ክግስጾም ርኢና። ንሶም ክርእይዎ ዝኸአሉ ሓደ ሰብአይ ሕጎም ዘፍርስ እዩ። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ማቴ 22፡15-21 ካብቲ ስዒቡ ሰለስተ በዳሂ ሕቶታት (ብዛዕባ ምኽፋል ግብሪ፥ ብዛዕባ ትንሣኤ ሙታን፥ አየናይ ትእዛዝ ይዓቢ) ዝቐረበሉ እታ ቀዳመይቲ ግብሪ ንመን ምኽፋል ከም ዝግባእ ዝብል እዩ። እዚ ሕቶታት ዝቐረበ ንዝና ኢየሱስ ምፍሻልን ባዕሉ ንገዛእ ርእሱ ብዝበሎ ከም ዝገራጮ ንምግላጽ እዩ።

እዛ ንመን ግብሪ ምኽፋል ይግባእ እትብል ብፈሪሳውያን ዝቐረበት ወጣሪት ሕቶ እያ። አብዚ ክልተ ተጻረርቲ ፈሪስውያን (አኽረቲ ሃገራውያን ጨሪሶም አንጻር መግዛእቲ ሮማውያን ዝኾኑ) ሄሮዱሳውያን (አፍቀርቲ ሮማውያንን ተሓበርቶምን) ክልተ ዘይቃረቡ ንጽልኦም አወንዚፎም ብሓባር አንጻር ኢየሱስ ደው ኢሎም ክውጥርዎ እሞ ንህዝቢ አንጻሩ ከለዓዕሉ ምሕባሮም። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና እዚ ናይ ክልቲኦም ሕብረት ፈጺሙ ክኸውን ዘይክእል እዩ ምኽንያቱ ክልቲኦም ከቢድ ጽልእን ፍልልይን ስለ ዝነበሮም።

አብ መቅድም ሕትኦም ብሓቂ ጽቡቕን ክትሰምዖ ቅኑዕ ኮይኑ ዝርአየካ እዩ። ምምህር ሓቀኛ ምዃንካ፥ መገዲ አምላኽ ከአ ብሓቂ ከምእተምህር፥ ገጽ ሰብ ርኢኻ ድማ ከም ዘይተዳሉ ንሓደ እኳ ከምዘይትፈርሕ ንፈልጥ ኢና እናበሉ ምጽዳቕ ብዝመልኦን ናእዳ ዘልኦን ገሮም እዮም ሕትኦም አቕሪቦምሉ። ብርግጽ እቲ ዝብልዎ ኩሉ ሓቂ እዩ።

ድሕሪ እዚ ናእዳን ምቅብጣርን ዝመልኦ አብቲ ቀንዲ ግን ከአ ናይ ብሓቂ ከጋጊ ኢሎም ዝቐረብዎ ሕቶ አትዮም። እንታይ ይመስለካ እስከ ንገረና ንቄሣር ግብሪ ምሃብ ይግባእ ድዩ ወይ አይግባእን? እዚ ሕቶ እዚ ነቲ አብ ልዕሊ ኢየሱስ ዝነበሮም ጽልኢ ይገልጽ፥ እንተ ተኻእለ ከጥፍእዎ እንተ ዘይተኻእለ ኸአ አብ ቅድሚ ህዝቢ አፍሺሎም ሓሳዊ ኢሎም ክፈልይዎ አብ ዝብል ዝዓለመ እዩ። ነዚ ሕቶ ከቕርቡ ከለዉ ሓንቲ መዋጽኦ ከምዘይብሉ ምሉእ እምነት ገሮም እዮም ቀሪቦምሉ። ንቄሳር ግብሪ ክፈሉ እንተ በለ ጸላእቶም ስለ ዝኾኑ ምስ ጸልእትና እዩ ኢሎም ከጻልእዎ። ግብሪ አይትኽፈሉ እንተ በለ ኸአ ብሮማውያንን ደገፍቶም ከጻልእዎ ኢሎም እዮም።

ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ንዝቐርቦ ዝነበረ ሕቶታት ብዝህቦ መልሲ ንሰምዕቱን ንተጻረርቱ ወይ ሓተቱ ዘገርሞምን ሃመም ዘብሎምን ዝነበረ እዩ። ነዚ ሕቶ እውን ሓተቱ ክሳብ ዝግረሙ መልሲ ሂብዎም። መጀመርያ መበገሲ ሕትኦም ካብ ቅንዕና ወይ ሓቂ ዝተበገሰ ከምዘይ ኮነ ይፈልጥ ነሩ። ስለዚ ኢየሱስ ስለምንታይ ትፍትኑኒ አሎኹም እስከ እቲ ናይ ግብሪ ገንዘብ አርእዩኒ ኢሉ ሓቲትዎም። ሓደ ዲናር ምስ አርአይዎ እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መንዩ እዩ ኢልዎም። ንሳቶም ከአ ናይ ቄሣር እዩ በልዎ። ድሕርዚ ሓቀኛን ልዕሊ ኹሉ ዝከነ መልሲ ሂብዎም እምብአር ናይ ቄሣር ንቄሣር፥ ናይ አምላኽ ከአ ንአምላኽ ሃቡ ኢልዎም። እዚ እዩ አቋዋም ኢየሱስ ዝወስዶ። አብ መጀመርያ ምናልባት ንክልቲኦም ዘፍሽል አንጻር ዝኾነ መልሲ ወይ ከአ ከም አይሁዳዊ አንጻር ሮማውያን ዝኾነ መልሲ ክህብ ኢና እንጽበ። ሮማውያን ቀረጾም ይደልዩ አይሁድ ከአ ሃይማኖቶምን ናይ አምላኾም ንግስነት ክፍለጠሎም ይደልዩ። ነቲ ንሶም ክውጥርዎ እሞ ከፍሽልዎ ዝሓሰቡ ስዒሩ እዩ ወጺኡ ግን መሰረታዊ ሕጊ ንኹሉ ዝኸውን ንኹሉ ዘገልግል ኩሉ ሰብ ክገብሮን ክርድኦ ዘለዎ ገሊጹ መሊስሎም።

ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ኢየሱስ አብ ዝሃቦ መልሲ ዓሚቕ ትምህርቲ አልኦ። አብቲ ዲናር ዝነበረ ጽሑፍን መልክዕን ናይ ቄሣር ስለ ዝነበረ ንቄሣር ክህቡ ነጊርዎም፥ ከምኡ ናይ አምላኽ ከአ ንአምላኽ ክውሃብ ነጊሩ። አብ ነፍስና ክንምለስ ናይ መን ስእሊ ኢና ሒዝና ዘሎና። አብ ዘፍጥረት እግዚአብሔር ንሰብ ብአምሳሉ ከም ዝፈጠሮ፥ ብአምሳሉ ፈጠሮ ሰብአይን ሰበይትን ገሩ ኸአ ፈጠሮም ዝብል ንረክብ። እዚ ማለት ከአ አምሳል አምላኽ አብኡ ስሙ ዘልኦ፥ አብ ልብና ተጻሒፉ ዘሎ፥ ነፍሲ ወከፍና ብምሉእ ናይ አምላኽ ኢና፥ ኩሉ ዘሎና ናቱ እዩ። እዚ እዩ መሰረት ናይ ኩሉ ተፈጥሮና። ኩሉ ዘሎና፥ ሕይወትና ብምልኡ ብአምላኽ ዝተዋህበና፥ ብአምላኽ ብአምሳሉ ዝተፈጥረ እዩ ስለዚ ንአምላኽ ክነመስግን ክነኽብሮን ግቡእና እዩ። 

ካብዚ ኢየሱስ ዝሃቦ መልሲ አብ ሕይወትና እንታይ መልእኽቲ ወይ ጥቕሚ አልኦ። ቄሣር ወይ አምላኽ ወይ ከአ ቄሣርን አምላኽን ብሓደ። ብርግጽ ኩልና ክልተ ዜግነት አሎና፥ ናይ እታ ዝተወለድናላ ሃገር ዜግነት አሎና፥ ካልእ መንፈሳዊ ዜግነት ከአ አሎና እዚ ብመንፈስ ምስ ተወለድና ዝውሃበና እዩ። ስለዚ ክልተ ተራ ክንጻወት አሎና ከም ዜጋታት ምድራዊ ሃገርናን ከም ዜጋታት ሰማያዊ መንግስቲ አምላኽን። አብ መንጎ አምላኽን ሃገርን ምጥርጣር ወይ ላንጋ ላንጋ ምዃን ክህሉ አይግባእን። ጥዑይ ክርስትያን ጥዑይ ሃገራዊ እዩ። ግን ልዕሊ ዝኾነ ቀዳምነት ክውሃቦ ዝግባእ እግዚአብሔር አምላኽና እዩ፥ ንሱ ከአል ኩሉ ልዕሊ ኹሎም ምድራውያን መራሕቲ ወላ አረማውያን እዩ። ንቦታ አምላኽ ዝትክእ ዝኾነ ምድራዊ ሓላፊ ወይ ነገር የለን።

ኢየሱስ አብ ዘየድሊ ክትዕ ሃገርዶ ሃይማኖት አብ ምባል ጊዜና ብኾንቱ አብ ክንዲ እንሕልፎ ነቲ ናይ አምላኽ ነገራት አምላኽ እዩ ዋንኡ፥ ከምኡ መንግስቲ ግቡእ አልኦ በዚ ምኽንያት ኩሎም ደቂ ሃገር ንሃገሮም ዝሕግዝ ካብ መገዲ አምላኽ ዘይወጸ ሕጊ ክወጽእ እንከሎ ከተግብርዎ ይግባእ። ቄሣር ናይ እቲ ጽሑፉን ምስሉን ዝሓዘ ግቡእ አልኦ። አምላኽ ከአ ናይ እቲ ጽሑፉን ምስሉን ዘልኦ መሰል አልኦ። እዚ ናይ አምላኽ ምስልን ጽሑፉን ሒዙ ዘሎ ባጠራ ነፍሲ ወከፍና ኢና እሞ ሎሚ ናይ መን ምስሊ ሒዘ አሎኹ ኢልና ርእስና ምርአይ የድልየና።

ዓለምና ሎሚ ነገራት ተሓዋዊስዋ ናይ አምላኽ ነገር ብጎኒ ሓዲጋ ብናታ ሕግን ጽሑፍን ምስልን ጥራሕ ትኸይድ አላ። ቤተ ክርስትያን መሰላ ተገፊፋ እትነብረለን ሃገራት ውሑድ አይ ኮነን። ገለ መራሕቲ ንሕና ዝበልናኩም ዝሃብናኩም ተቐቢልኩም ሱቕ በሉ እናበሉ አፍ ቤተ ክርስትያን ዝዓጽዉ አይወሓዱን። እሞ ንሕና ናይ አምላኽን ሃገርን ፈሊና ክንርኢ ግደና እዩ። አብ ህልኽን ሕመታን ከይነበርና ንሓቂ ሒዝና መጀመርያ አምላኽ ዝደልዮ ቀጺልና ኸአ ንሓቀኛ ሕጊ ሃገር ክነኽብር ግቡእና እዩ።

ማርያምን ዮሴፍን ሕጊ ሃገር ከኽብሩ ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ክጽሓፉ ንኢየሩሴልም ከም ዝኸዱ ወንጌል ይነግረና ንሕና እውን አብ ዘሎናዮ ሃገር ክንምእዘዝ ክርስትያናዊ ግቡእ እዩ፥ እንተ ኾነ ሎሚ እውን ንሕጊ አምላኽ ዝጻረር ይበዝሕ ስለ ዘሎ ናይ አምላኽ ንአምላኽ ናይ ናይ ቄሣር ንቄሣር ንሃቦ አምላኽ ከአ ይሓግዘና።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                          

 








All the contents on this site are copyrighted ©.