2017-10-24 16:16:00

ምዝባዕ ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር፥ ቅዱስ ኣቦና ሕጹጽን እዋናውን መልሲ ክወሃቦ ይሓትቱ


ኣብ ናይ ሮማ ከተማ ከንቲባ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ “ማይን ካባቢ ኣየርን፡ ዓበይቲ ወሓይዝ ዓለም ኣብ ምንጽጻር” ብዝብል ኣርእቲ ተመሪሑ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዝተበገሰ ዛዕባ ተፈጥሮን ከባቢ ኣየርን ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ተረኺቦም ናብቲ ዋዕላ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ከምዘንበቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርቶ ፒየርማሪኒ ኣፍሊጦም።

እቲ እዚዩ ክቡር ዝዀነ ጸጋ ማያት ንመጻኢ ወለዶ ንምጽናሕ ዘብቕዕ መገዲ ብሓባር ምድላይ ኣሚቱ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ዓለም እቶም እዚዮም ኣገደስቲ ተባሂሎም ዝንገረሎም ሃብትታት ወሓይዝ ማያት ዝምልከቱ ዓበይትን ሕጹጽ ጸገማት ዓቢይ ቆላሕታ ክግበረሎም ሕልና ሕዝቢ ዓለም ምንቕቓሕን እዚ ኸኣ ግብራዊ መፍትሒ ንምቕራብ ጥራሕ ዘይኰነስ ምዕባለን ተፈጥሮን ፍጥረትን ምክንኻንን ተማሊኦም ክኸዱ ዘብቅዕ ባህሊ (ይሴባሕ ፍቕዲ 231 ተመል.) ንምንቕቓሕ ዝድግፍ ክኸውን ኣለዎ ቢሎም፥ እቲ ዓውደ ጉባኤ ብኢደ ከሃሌ ኵሉ ክምራሕ ጸሎቶም ምዃኑ ብምርግጋጽ ነቲ ዓውደ ጉባኤን ተጋባእያንን እቶም ኵሎም ኣብ ንናይ ሓባር ቤትና ዝዀነ ተፈጥሮ ክንክን ጥዕና ተጸሚዶም ንዝዓዩ ኩሎም ናይ ጥበብን ጽንዓትን ቡራኬ ከምእተማሕጸኑ ፒየርማሪኒ ኣፍሊጦም።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ብናይ ኢጣሊያ ናይ ምህዳርን ክንክን ከባብን ጉዳይ ሚኒስትሪ ምስ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ኤኮኖሚ ድርገት ወኪል ቤት ጽሕፈትን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሃብቲ ማያት ሓልዮ መረብትን ዓለም ሓቆፍ ናይ ማያትን ተፈጥሮ ኣየርን ሓልዮ ቃል ኪዳንን ናይ ዓበይቲ ከተማታት ቃል ኪዳንን ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ትምህርትን ስነ ምርምርን ባህልን ሓልዮ ማሕበርን ማይአደን ማሕበር ብምትሕብባር ዘዳለዎ ክኸውን እንከሎ። ኣብቲ ጉባኤ ንመጀመሪያ ጊዜ ብሃብቲ ወሓይዝ ዝፍለጣ ሃገራት ብሓባር ዘራኸበ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ካብ ኩሉ ክፍለ ዓለም ዝተወጽኡ ወኪላት ኣሳቲፉ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ፥ ነቲ ብዝተፈላለየ ንሓደጋ ተቓሊዑ ዘሎ ካባቢ ኣየርን ተፈጥሮን፡ ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ብርቱዕ ህቦብላን ምዕልቕላቕ ማይን ደርቅን ብከላ ተፈጥሮ ኣየርን ዘስዕብ ኣብ ተፈጥሮን ከባብን ዝፍጸም ዓመጽ ብምግጣም መፍትሒ ንምርካብ ዝድግፍ ሓናጺ ናይ ሓባር ዘተ ሕይወት ንምሃብ ዝብል ዕላማ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብታ ጀርመናዊት ከተማ ቦን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2017 ዓ.ም. ንዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ናይ ምዝባዕ ተፈጥሮ ኣየር ስምምዕን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2018 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ሃብቲ ማያት ኣብ ብራዚል ናብ ዘካይዶ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ናይ ሓባር ራእይ ንምቕራብ እውን ዝኣመተ ምዃኑ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒየርማሪኒ ኣስዒቦም፥ ንናይ እንነብረሉ ዓለም መጻኢ ዘይሃይስ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮን ከባቢ ኣየርን ሃብታት ማይን ሎሚ ዝፍጸም ውሳኔ መንግስታትን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን ብሓባር ስለ ክንክን ተፈጥሮን ፍጥረትን ክተግህ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዘተባብዕ ዓውደ ጉባኤ እውን ምዃኑ የመልክቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.